የመን፡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝርከብሉ መዳጐኒ ኣመሪካ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 68 ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሑቲ ኣብ ዝርከብ ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ኣብ ማእከል መዳጐኒ ማእከል ስደተኛታት ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 68 ኣፍሪቃውያን ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ሑቲ ሓቢሮም።
ኣልማሲራ ቲቪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ኣብ ዞባ ሳዓዳ ዝርከብ መዳጐኒ ማእከል ብዝተኻየደ ደብዳብ ካልኦት 47 ሰባት ከምዝቘሰሉን፡ መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ከቢድ ኵነታት ከምዝርከቡን ሓቢሩ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝተፈጸመሉ ሰንበት መዓልቲ፡ 115 ስደተኛታት ኣብቲ ማእከል ከምዝነበሩ ተፈሊጡ።
ኣብ ፍርስራስ ሓደ ዝዓነወ ህንጻ ዝተሸፈኑ ብዙሓት ሬሳታት ዘርኢ ቪድዮ ተዘርጊሑ።
ሰራዊት ኣመሪካ ግን ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ መግለጺ የለን።
ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፡ ሶማላውያንን ካልኦትን ዜጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ናብ ስዑዲ ዓረብ ንምእታው፡ የመን ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙላ ኰይኖም፡ ብፍላይ ኣብ ዶባት ሰፋሕቲ መጥቃዕቲ ከምዘጋጥሞም ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ መጀመርታ መጋቢት፡ ካብ ጅቡቲ ስደተኛታት ጽዒነን ዝተበገሳ ኣርባዕተ ጃላቡ፡ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ የመን ብምግልባጠን ልዕሊ 180 ስደተኛታት ከም ዝጠሓሉ ይዝከር። ካብቶም ግዳያት ናይ ገሊኦም ኣጎበል [ግፍዒ] ኣብ ደቡብ ትግራይ ከምዝተኻየደሎም ይዝከር።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብ15 መጋቢት ኣንጻር ሑቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝእዝዝ ጀሚሩ፡ ሓይልታቱ ልዕሊ 800 ዒላማታት ከም ዝሃረመ ድሕሪ ምግላጹ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት እዩ።
እቲ እዚ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ፡ "ኣማኢት ተዋጋእትን ብርክት ዝበሉ መራሕትን ሑቲ ከም ዝቐተሉ" ገሊጹ።
ሰብመዚ ሑቲ ግን፡ በቲ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉ ብምግላጽ፡ ኣብ መንጐ ኣባላት እቲ ጕጅለ ግን ውሑድ ከምዝተቐትሉ ሓቢሮም።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ብሑቲ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ኣመሪካ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ነዳዲ ራስ ዒሳ ብዘካየደቶ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ብውሕዱ 74 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 171 ድማ ከምዝቘሰሉ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ሴንትኮም፡ እቲ መጥቃዕቲ፡ ነዳዲ ናይ ምቕባል ዓቕሚ ራስ ዒሳ ነዳዲ ከምዝዓገተ ብምግላጽ፡ "ስርሒታት ንምክያድ ይዅን ተግባራት ሽበራ ንምምዋል ሚልዮናት ዶላር ናይ ምርካብ ዓቕሞም" ከምዝጸለወ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ዝቈጻጸርዎ ከባቢታት ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክካየድ ብምእዛዝ፡ "ምሉእ ብምሉእ ክጠፍኡ'ዮም" ክብል ኣፈራሪሑ ነይሩ።
ኢራን ነቲ ጕጅለ ከይተዕጥቘ'ውን ኣጠንቂቑ'ዩ።
ጕጅለ ሑቲ ካብቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ጕጅለታት ሓደ ኰይኑ፡ ብፍላይ ምስ ግጭት እስራኤል-ቓዛ ብዝተኣሳሰር፡ ጸጥታ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቘም ጸኒሖም እዮም።
ሑቲ ካብ ሕዳር 2023 ጀሚሩ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ብሚሳይላት፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ንኣሽቱ ጀላቡን መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ መራኽብ ንግዲ ዒላማ ገይሮም እዮም።
ክልተ መራኽብ ኣጥሒሎም፣ ሳልሰይቲ ሒዞም፤ ኣርባዕተ ኣባላት መርከብ ድማ ቀቲሎም ኣለዉ።
ሴንትኮም፡ "ተልእኾ እቲ ወፍሪ ክሳዕ ዝፍጸም፡ እቲ መጥቃዕቲ ሓዪሉ ክቕጽል ምዃኑን፡ እዚ ድማ ኣብቲ ዞባ ናጽነት ምዝዋርን ምክልኻል ኣመሪካን ንምርግጋጽ እዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሑቲ ምስ እስራኤል፡ ኣመሪካ ወይ ዓባይ ብሪጣንያ ጥራይ ዝተኣሳሰራ መራኽብ ዒላማ ከምዝገበሩ እዮም ዝገልጹ።
ዝሓለፈ ዓመት ንንግዳዊ መራኽብ ንምክልኻል ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ምዕራባውያን መራኽብ ውግእ ብምውፋር ጸረ-መጥቃዕቲ ኣካይዶም ነይሮም።
እንተዀነ፡ እቲ ብፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን ብዝተኣዘዘ ወተሃደራዊ ዒላማታት፡ ኣመሪካ ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኣይተዓንቀፉን።
ትራምፕ ኣብ ጥሪ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ንሑቲ ዳግማይ "ግብረሽበራዊ ውድብ" ኢሉ በይኑዎ እዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ የመን ብኲናት ሓድሕድ ሰፊሕ ዕንወት ኣጋጢምዋ እዩ።
ሑቲ ነቲ ዓለማዊ ኣፍልጦ ዘለዎ መንግስቲ ምስ ደፍኡ፡ ብስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን ዝድገፍ ልፍንቲ ጣልቃ ብምእታው፡ ካብ ስልጣን ክኣልዮምን ነቲ ዝተዓልወ መንግስቲ ናብ ወንበር ክምልስን ይፍትን ኣሎ።
ብሰንኪ'ቲ ውግእ፡ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ 4.8 ሚልዮን ሰባት ከም ዝተመዛበሉን 19.5 ሚልዮን- ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ'ታ ሃገር፡ ተጸበይቲ ረዲአት ከምዝዀኑ ጸብሳባት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







