ኣብ ገማግም የመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ጃልባ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ሞይቶም

ጃልባ ኣብ ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ብውሕዱ 20 ኢትዮጵያውያን ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ወድብ ስደት ሓቢሩ።

እቲ ትካል (IOM) ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ 9 ካብቶም ግዳያት ደቂኣንስትዮ ምዃነን ይጠቅስ።

እታ ካብ ሃማርታ ዝብሃል ገማግም ጁቡቲ ዝተበገሰት ጃልባ ብውሕዱ 35 ሰባት ጽዒና ከምዝነበረትን 15 ካብኦም ከምዝደሓኑን ተፈሊጡ'ሎ። ብዘይካ'ዚ ህይወት ክልተ የመናውያን ኣባላት እታ ጃልባ'ውን ካብ ሞት ተሪፉ'ሎ።

እታ ብመጻብቦ ባብ-ኤልመንደብ (ኣፍደገ ንብዓት) ዝሓለፈት ጃልባ ኣብ ከባቢ ኣል-ሓጃጃህ ምስ በጽሐት'ያ ጥሒላ።

ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ሓያል ህቦብላ ባሕሪ ዘንቀሎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ንምእታው በዚ መስመር ክሰግሩ ዝፈተኑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ጥሒሎም'ዮም።

ሓላፊ ኣይ-ኦ-ኤም ኣብ የመን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ንውሕስነትን ሓለዋን ስደተኛታት ቀዳምነት ክህብ ጸዊዑ።

"እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ስደተኛታት ውሕስነትን ዝሓሸ ናብራን ንምርካብ ዝሓልፍዎ ሓደገኛ ኩነታት እንታይ ምዃኑ ዘርኢ ክፉእ መዘኻኸሪ እዩ" ክብል ዓብዱሳጡር ኢሶቭ ኣጠንቂቑ።

"ነፍሲ ወከፍ ዝጠፍአ ህይወት ኣዝዩ ብዙሕ'ዩ። ማሕበረሰብ ዓለም ንመበቆላዊ ጠንቂታት ዘይስሩዕ ዋሕዚ ስደት ንምፍታሕ ዝወስዶ ወሳነ ከሐይሎን፡ ንሓለዋን ክብርን ስደተኛታት ቀዳምነት ክህብን ኣለዎ"።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ገምግም ጅቡቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ክልተ ጀላቡ፡ ብውሑዱ 45 ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት ብዙሓት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠን ይዝከር። እቶም ስደተኛታት ካብ የመን ናብ ጂቡቲ ዝምለሱ ዝነበሩ'ዮም።

ቅድሚኡ'ውን ኣብ ነሓሰ ኣስታት 30 ስደተኛታት ሞይቶምን ሃለዋቶም ጠፊኡን'ዩ። ኣብ ሰነ ድማ 6 ህጻናትን 31 ደቂኣንስትዮን ዝርከብዎም 49 ሞይቶም፡ ካልኦት 140 ሃለዋቶም ዝጠፍአ ኩነታቶም ኣይተረጋገጸን።

ኣብ 2024 ጥራይ ልዕሊ 60,000 ስደተኛታት ቀርኒ ኣፍሪቃ በቲ መስመር ናብ የመን ከምዝኣተዉ ጸብጻባት የመልክቱ።

ካብ 2014 ኣትሒዙ ልዕሊ 3,435 በዚ ቀዛፊ ምብራቓዊ መስመር ስደት ክሰግሩ ዝፈተኑ ስደተኛታት ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ። ኣስታት 1,416 ካብኦም ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ'ዮም። ኣብቲ ኣጻምእ ምድረበዳታት ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝጠፍኡ'ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።