ትራምፕ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዘካየደቶ ቀታሊ መጥቃዕቲ 'ሕጕስ ኣይኰንኩን' ኢሉ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ብዝፈጸመቶ ቀታሊ መጥቃዕቲ "ዘይሕጉስ" ምዃኑን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን "ደው ክብል" ከምዘለዎን ገሊጹ።

ኣብ ልዕሊ ሩስያ ስጕምቲ ክውሰድ ይኸውን'ዶ ንዝብል ግን ኣየነጸረን።

ብሓሙስ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 12 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ዓሰርተታት ድማ ቆሲሎም።

እዚ መጥቃዕቲ፡ ኪቭ ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ዝተፈጸማ፡ ካልእ ቀታሊ መጥቃዕቲ ኰይኑ'ሎ።

ትራምፕ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንምቍራጽ ንኽልቲኦም ወገናት "ብዙሕ ጸቕጢ" ይገብረሎም ምህላዉ ይሕብር።

እቲ ፕረዚደንት ምቍራጽ ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ብቕልጡፍ ከፈጽሞ ከምዝኽእል ከም ኣካል ናይቲ ዘካይዶ ዝነበረ ጐስጓስ መረጻ ይገልጾ ምንባሩ ይዝከር።ዛጊት ግን ዝተጨበጠ ነገር የለን።

ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሳሕቲ ኣብ ዘቕርቦ ነቐፌታ ከኣ፡ ባዕሉ ኣብ ዝውንኖ ትሩዝ ዝበሃል ማሕበራዊ መራኸቢ "ኣድላዪ ኣይኰነን፡ ኣዝዩ ሕማቕ ግዜ። ቭላድሚር፡ ደው በል!" ክብል ጽሒፉ።

እዚ መጥቃዕቲ፡ ዩክረይንን ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪን ነቲ ሩስያ ብወራር ናብ ግዝኣታ ዝሓወሰቶ መሬት ከም ኣካል ስምምዕ ሰላም ቅቡል ክገብርዎ ጸቕጢ እናሓየለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ ተፈጺሙ።

ትራምፕ ብሓሙስ ኣብ ጐኒ ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ጆናስ ጋር ስቶር ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተርኣየሉ እዋን "ንዝኾነ ሰብ ተኣዛዝነት ከምዘይብሉ" እኳ ደኣ "ህይወት ንምድሓን" ጥራይ ከምዝግደስ ገሊጹ።

ትራምፕ ብተግባር ፑቲን ሕርቃን ከምዝተሰምዖ እውን ብምእማን፡ "ውዕል እንተተፈጺሙ ንምርኣይ" ንሓደ ሰሙን ከምዝጽበን እቲ ደብዳብ ቦምባታት እንተዘይተዛዚሙ ግን "ነገራት ክፍጸሙ እዮም" ኢሉ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘካየዶ ዑደት ኰይኑ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣመሪካ ተዅሲ ደው ንምባል ሓይላ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ ክተትርር ከምዝግባእ ምግንዛቡ ሓቢሩ።

ዘለንስኪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ ጸቕጢ እንተተገይሩሉ፡ መርገጽታትና ከነፍኩስ ንኽእል ኢና ኢልና ንኣምን" ኢሉ።

ዝዀነ ሕድገታት ክገብር ፍቓደኛ እንተዀይኑ ዝተሓተተ ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ምስ ሩስያ ክትዛተ ድልውቲ ምዃና "ዓቢ ሕድገት" ምዃኑ ብምሕባር "ተዅሲ ምቍራጽ ቀዳማይ ስጕምቲ ክኸውን ኣለዎ" ክብል ተዛሪቡ።

"ሩስያ ተዅሲ ከተቋርጽ ድልውቲ እየ እንተኢላ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ደው ከተብሎ ኣለዋ። ዩክሬናውያን ትዕግስቲ ይውድኡ ኣለዉ፣ ምኽንያቱ ንሕና ኢና እቲ መጥቃዕቲ ዝወርደና ዘሎ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ መጥቃዕቲ ዘለንስኪ መገሻኡ ኣቋሪጹ ናብ ዓዱ ክምለስ ምኽንያት ኰይኑ'ሎ።

ቅድሚ እቲ ኣብ ኪቭ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝነበረ ሰሙን፡ ዝምድና ትራምፕን ዘለንስኪን ንፋስ ኣትይዎ ዝሓርፈፈሉ እዩ ነይሩ። መንቀሊኡ ከኣ ትራምፕ ዩክረን ከም ኣካል ስምምዕ ሰላም ሕድገታት መሬት ክትገብር ከምዘድልያ ሓሳብ ምቕራቡ እዩ።

ብረቡዕ ትራምፕ እቲ ኲናት ንምቁራጽ ዝግበር ስምምዕ፡ "ናብ ምዝዛም ገጹ ከምዝተጸግዐ" ብምሕባር እንተዀነ ግን ዘለንስኪ ንውዕላት ኣመሪካ ምቕባል ምእባዩ ነቲ ግጭት "ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ካልእ ውጽኢት ኣይርከቦን" ኢሉ።

ዩክረይን ነታ ኣብ 2014 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብሩስያ ዝተጎበጠት ደቡባዊ ሓውሲ ደሴት ክረሚያ ከምዘይትገድፋ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ ብትሪ ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘካየዶ ዑደት ምስ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ዝተራኸበ ኰይኑ፡ እዚ ርክብ ኣብቲ ሓደ እዋን ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ሓርፊፉ ዝነበረ ዝምድናታት ድራማዊ ምምሕያሽ የመልክት።

ራማፎሳ ምስ ዘለንስኪ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣዝዩ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ። ደቡብ ኣፍሪቃ ንዅሎም ኣብቲ ግጭት ዘለዉ ወገናት ክተዘራርብ ቅሩብቲ ምዃና'ውን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ግጭት ክዛዘም ኣብ ምግባር ምስ ፑቲንን ትራምፕን ከምዝተዘራረበ ሓቢሩ።

ራማፎሳ፡ ኣብ መግለጺኡ ዩክረይን ዝተጎበጠ መሬታ ንሩስያ ክትህብ ኣለዋ'ዶ የብላን ኣብ ዝብል ዝኾነ ሓሳብ ኣይሃበን።

ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ምስ ዋሽንግተን ምሕርፋት ርክባት ከምዘጋጠማ ይዝከር። ኣምባሳደራ ካብ ኣመሪካ ከምዝተሰጐን ትረኽቦም ሓገዛት ከምዝተቛረጽን ይፍለጥ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ንሓደ ኣካል ዘይወገነ መርገጺኣ፡ ኣብ መንጐ ዩክረይንን ሩስያን ስምምዕ ሰላም ንምምጻእ ክትሕግዝ ዝሓሸት ኣማራጺት ከምዝገብራ ገሊጻ'ላ።