ልኡኽ ትራምፕ፡ ዝተቓወሞ ውጥን ዩክረይን ዓባይ ብሪጣንያ እንታይ እዩ?

ፍሉይ ልኡኽ ትራምፕ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ከር ስታርመር፡ ኣብ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ዩክረይን ንዝቐረቦ ውጥን ተቓዊሙ።

ፍሉይ ልኡኽ አመርካ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ዘበገሶ ሓሳብ፡ "ቀሊል መንገዲ ዝተኸተለን ኣውሮጳውያን ከም ዊንስተን ቸርችል ክንኸውን ኣለና" ዝብል ሓሳብ ከም ዘለዎም ዘርእይን እዩ ኢሉ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ምስ ደጋፊ ትራምፕ ዝኾነ ጋዜጠኛ ታከር ካርልሰን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት እዩ ነዚ ተዛሪቡ።

ዊትኮፍ፡ ኣብቲ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት ንመራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ንኢዱ።

"ኣነ፡ ንፑቲን ከም እከይ ሰብ ኣይቆፅሮን። ኣዝዩ በሊሕ'ዩ" ኢሉ።

ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ንቭላድሚር ፑቲን ብኣካል ዝረኸቦ እንትኾን፡ "ግርማ ዝዓሰሎን" ዝተሰምዖ "ብቀጥታ ዝዛረብን" እዩ ክብል ገሊፅዎ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ እዋን ጐስጓስ ፕረዝደንታዊ መረፃ ፈተነ ቅትለት እንትግበረሉ፡ ፑቲን ከም ዝፀለየሉ ከም ዝነገሮ'ውን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ተዛሪቡ።

ፑቲን፡ ስእሊ ዶናልድ ትራምፕ ብቅብኣ መልክዕ ብምድላው ከም ዝሃቦን፡ ትራምፕ'ውን እቲ ውህብቶ "ፍሉይ ስምዒት" ከምዝፈጠረሉን ገሊፁ።

ኣብቲ ቃለ-መሕትት ንመርገፂ ሩስያ ዘንፀባረቐ ዊትኮፍ፡ "ዩክረይን ናይ ሓሰት ሃገር እያ" ብምባል፡ ማሕበረሰብ ዓለም መዓዝ እዩ ኣብ ትሕቲ ሩስያ ንዘለዉ ግዝኣታት ኣፍልጦ ክህብ? ብምባል ሓቲቱ።

ንሱ፡ "ኣብቲ ኵናት እቲ ዝዓበየ ጉዳይ፡ እቶም ኣርባዕተ ግዝኣታት ዝበሃሉ እዮም… ዶንባስ፣ ክሬሚያን እቶም ዝተረፉ ክልተ (ግዝኣታትን)" ኢሉ።

እቶም ሓሙሽተ ግዝኣታት ዝበሃሉ፡ ሉሃንስክ፣ ዶኔትስክ፣ ዛፖሪዥዢያ፣ ኬርሶንን ክሬሚያን እዮም። ዶንባስ፡ ንዝበዝሕ ክፋል ሉሃንስክን ዶኔትስክን ዘጠቓለለ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዝርከብ ኢንዳስትርያዊ ግዝኣት እዩ።

ዊትኮፍ፡ ኣብ ኩርስክ ዝርከቡ ወተሃደራት ዩክረይን ተኸቢቦም ዝበለ እንትኾን፡ መንግስቲ ዩክረይን እዚ ሓቂ ከም ዘይኾነ ይገልፅ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ትራምፕ፡ ኣብቶም ብሩስያ ተጐቢጦም ዘለዉ ኣርባዕተ ግዝኣታት ዩክረይን፡ "ህዝበ ውሳነ ተኻይዱ፡ ዝበዝሕ ሰብ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሩስያ ክኸውን'ዩ ዝደልይ" ኢሉ።

ዋላ'ኳ ኣብ ገለ ክፋል እቶም ብሩስያ ዝተጐበጡ ግዝኣታት ዩክረይን ህዝበ ውሳነ እንተተኻየደ፡ ኣብ ከይዲ እቲ ህዝበ ውሳነን ውፅኢቱን ሕቶ ከም ዝተልዓለ ይፍለጥ።

ዊትኮፍ፡ "ዩክረይን ናይ ሓሰት ሃገር'ያ" ብምባል፡ "ብናህተይ ምልከታ፡ መበገሲ እቲ ኵናት፡ ሩስያ ካብ ካልኣይ ኵናት ዓለም ጀሚራ ነዞም ግዝኣታት ከም ናይ ባዓላ ግዝኣት እያ ትቖፅሮም" ዝብል ትንታነ ሂቡ።

ኣብ ዩክረይን ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ምስ ተኸተመ ወተሃደራዊ ድጋፍ ክግበር ብዛዕባ ዝጠልብ ውጥን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ከር ስታርመር ኣመልኪቱ ዝተሓተተ ዊትኮፍ፡ "እዚ ካብ ግብራውነት ንላዕሊ ህዝባዊ ምስሊ ንምፍጣር ዝዓለመ'ዩ" ብምባል ነቒፉ።

ኣብ ፀሊም ባሕሪ ዝፍፀም ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል "ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ተግባራዊ ክኸውን'ዩ። ን30 መዓልታት ዝዘልቕ ስምምዕ ተኹሲ ደው ምባል ንምኽታም ቀሪብና ኣለና" ኢሉ።

ብዛዕባ ርክብ አመርካን ሩስያን ዝተሓተተ ዊትኮፍ፡ ሩስያን አመርካን ብሓባር ፅቡቕ ነገር ዝሰርሓላ ዓለም ንምርኣይ ዘይብህግ መን ኣሎ? ዝብል ምላሽ ሂቡ።