ሩስያን ዩክረይንን ምሩኻት ይለዋወጣ፡ ትራምፕን ዘለንስክን ዳግማይ ይዘራረቡ

ሩስያን ዩክረይንን ምሩኻት ኲናት ከምዝተለዋወጣ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ኣረጋጊጾም።

ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ብክልቲኦም ወገናት 175 ምሩኻት ከምዝተለዋወጡ ተፈሊጡ'ሎ።

እቲ ስጉምቲ ብመሰረት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲን ዝበጽሖ ምርድዳእ'ዩ ተፈጺሙ ዘሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ትራምፕን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስክን ብተለፎን ዘካየድዎ ዝርርብ ውጽኢታዊ ምንባሩ ዋሽንግተንን ኪቪን ሓቢረን ኣለዋ።

ዘለንስኪ ድሕሪ'ቲ ርክብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ዓሚቚ ትሕዝቶ" ዝነበሮ ልዝብ ከምዘካየዱ ብምጥቃስ ኣብዚ ዓመት'ዚ ሰላም ክረጋገጽ ከምዝኽእል ተዛሪቡ።

"ነቲ ኲናት ደው ንምባልን ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽን ዩክረይንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብሓባር ክሰርሓ ተሰማሚዕና ኣለና"።

"ምስ ኣመሪካ፡ ምስ ፕረዚደንት ትራምፕን መሪሕነት ኣመሪካን ብሓባር ብምስራሕ ኣብዚ ዓመት'ዚ ነባሪ ሰላም ክረጋገጽ ይኽእል'ዩ ኢልና ንኣምን" ክብል ዘለንስኪ ገሊጹ።

ዋላ'ኳ ሞስኮ ንመደበራት ጸዓት ዩክረይን ንከይትድብድብ ምስ ትራምፕ ተሰማሚዓ እንተነበረት ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ መጥቃዕትታታ ቀጺላ ነይራ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብሰሉስ ድሕሪ ዘካየዶ ናይ ተለፎን ርክብ፡ ኣብ ልዕሊ መደበራት ጸዓትን መሰረተ-ልምዓታትን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ንምባል ተሰሚዑ።

እንተዀነ፡ ምሉእ ብምሉእ ተዅሲ ደው ንምባል ንዝቐረበ እመመ ኣይተቐበሎን።

መራሒ ሩስያ፡ ነቲ ኣመሪካውያንን ዩክረናውያንን ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ተራኺቦም ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ኵሉ መዳያዊ ተዅሲ ደው ንምባል ዘዳለውዎ እማመ ክፍርም ፍቓደኛ ኰይኑ ኣይተረኽበን።

ፑቲን፡ እዚ ኵለመዳያዊ ዕርቂ ግብራዊ ክኸውን ዝኽእል ንዩክረይን ዝወሃብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ደገፍ ደው ምስ ዝብል ጥራሕ ምዃኑ ገሊጹ። እተን መሓዙት ዩክረይን ዝዀና ሃገራት ኤውሮጳ፡ ነዚ ቅድመ-ዅነት'ዚ ኣቐዲመን ነጺገንኦ እየን።

ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ኣብ ስዑዲ-ዓረብ እትገብሮ ዝርርብ ዝመጽእ ሰንበት ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብዚ ንሰለስተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት፡ ሩስያ ነቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብዩክረይን ዝተታሕዘ መሬት ኩርከስ ዳግማይ ክትምንዝዕ ክኢላ ኣላ።

ውጽኢት ናይቲ ትራምፕ ትማሊ ሰሉስ ዝገበሮ ናይ ተለፎን ጻውዒት፡ ምስቲ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣመሪካ ኣብ መርገጺኣ ለውጢ ከም ዝገበረት ዘርኢ ኰይኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተወሳኺ ዝርርብ ሰላም ብቕጽበት ክካየድ ተሰማሚዖም።

ልኡኻት ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ጅዳ ምስ ዩክረይናውያን መዛናታቶም ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን፡ ነቲ ንሰላሳ መዓልታት ተዅሲ ደው ክብል ዘቕረቡዎ እማመ፡ ዩክረይን ንኽትቅበሎ ኣእሚኖምዋ ምንባሮም ይዝከር።

ጻውዒት ተለፎን ትራምፕን ፑቲንን ምስ ተዛዘመ፡ ንወግዓዊ ምብጻሕ ብሰሉስ ናብ ፊንላድ ዝኣተወ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ መሰረተ-ልምዓት ዘተኰረ ዕርቂ ክካየድ ኣብ ዝቐረበ ሓሳብ ንኽዛተ ቍሩብ ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ዝያዳ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከም ዝደሊ ግን ገሊጹ።

ዘለንስኪ፡ ሩስያ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ ድሕሪ ምክያዳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ድማ፡ ፑቲን ተዅሲ ደም ንምባል ከም ዝሓንገደ ከሲሱ።

መራሒ ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ሱሚ ዝርከብ ሆስፒታል ከምኡ'ውን ስሎቭያንስክ ንዝርከብ መደበር ሓይሊ ኤለክትሪክ ዘጠቓለለ ደብዳባት ከም ዘካየደት ወቒሱ።

"እቲ ዘሕዝን፡ ኣብ ስቪላዊ መሰረተ-ልምዓታት ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ምክያዶም እዩ፡" ክብል ዘለንስኪ ኣብ 'ኤክስ' ኣስፊሩ። "ሎሚ ፑቲን ነቲ ምሉእ ብምሉእ ተዅሲ ደው ምባል ንዝብል ዝቐረበ እማመ ወዲኡ ነጺጉዎ፡" ክብል ድማ ወሲኹ።

ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዘቐመጦ ጽሑፍ፡ እቲ ምስ መራሒ ሩስያ ዝገበሮ ርክብ፡ "ኣዝዩ ጽቡቕን ኣፍራይን" ምንባሩ፣ ከምኡ'ውን "ንብዙሓት ሸነኻት ውዕል ሰላም ከም ዝተዘተየሎም" ጽሒፉ።

ኣብ 'ትሩዝ' ኣብ ዝሃቦ መግለጺ'ውን፡ "ነዚ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኲናት ደው ንምባል ብቕልጡፍ ክንሰርሕ ዝብል ርድኢት ሒዝና፡ ኣብ ኵሎም መደበራት ጸዓትን መሰረተ-ልምዓታትን ተዅሲ ደው ክብል ተሰማሚዕና ኣለና፡" ኢሉ።

ኣስታት 80% ትሕተ-ቅርጺ ጸዓት ዩክረይን ብቦምባታት ሩስያ ከም ዝዓነወ ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ገሊጹ ነይሩ።

ኪቭ ብግዲኣ ኣብ ውሽጢ መሬት ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ነዳድን ጋዝን መጥቃዕቲ ሰብ-ኣልቦ ነፈርትን ሚሳይላትን ኣካይዳ እያ።

ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጅዳ ንዝተኻየደ ዝርርብ ስዒቡ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ፡ ዩክረይናውያን ነቲ ዋሽንግተን ምሉእ ብምሉእ ተዅሲ ደው ንምባል ዘቕረበቶ ሓሳብ ድሕሪ ምቕባሎም፡ "እታ ኩዕሶ" ኣብ ሜዳ ሩስያ ከም ዘላ ገሊጹ ነይሩ።

ዋይት ሃውስ ድሕሪ እቲ ብሰሉስ ዝተኻየደ ርክብ ተለፎን ትራምፕን ፑቲንን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ነቲ ምስ ኪቭ ዝነበረ ስምምዕ ዝዀነ መወከሲ ኣይሃበሉን።

ኣብ ክንድኡ ክልቲኦም መራሕቲ "እቲ ብዛዕባ ሰላም ዝግበር ንጥፈታት፡ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ መሰረተ-ልምዓትን መደበራት ጸዓትን ክጅምር፡" ከም ዝተሰማምዑን፡ ድሕሪኡ ድማ ብዛዕባ "ኣብ ጸሊም ባሕሪ ተዅሲ ደው ምባል፡ ምሉእ ብምሉእ ተኹሲ ደው ዝብለሉን ቀዋሚ ሰላም ዝነግሰሉን" ዘተ ሰላም ከም ዝካየድ ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ክረምሊን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ምስ ኪቭ ዝግበር ስምምዕ ንምትግባር ኣገደስቲ ብድሆታት ከም ዘለዉ ትጠቅስ። እቲ ንዩክረይን ዝወሃብ ወተሃደራውን ጸጥታውን ደገፍ ንምቍራጽ ተዅሲ "ወሳኒ ቅድመ-ኵነት" ምዃኑ ትገልጽ።

ትራምፕን ፑቲንን ነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ፍታሕ ንምምጻእ ኣብ ቴክኒካዊ ጉዳያት ቅልጡፍ ዝርርብ ክገብሩ ተሰማሚዖም።

ሩስያ እዚ ፍታሕ "ዝተማለአ፣ ርጉእን ነዊሕ ዝጸንሕን" ክኸውን ከም ዘለዎ ገሊጻ።

እዚ ግን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ዝያዳ ዝርርብ ክስዕብ ድዩ ወይስ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይን ጥራሕ'ዩ ንጹር ኣይኰነን።

ሩስያ ብተወሳኺ፡ ነቲ ብፑቲን ዝቐረበ ኣብ መንጎ ፕሮፌሽናላት ኣመሪካውያንን ሩስያውያንን ተጻወትቲ በረድ ሆኪ ግጥም ክካየድ ዝብል ሓሳብ፡ ትራምፕ ከም ዝተቐበሎ ገሊጻ።

ሩስያ ኣብ 2022 ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ፡ ካብ ውድድራት በረድ ሆኪ ተኣጊዳ እያ ጸኒሓ።