እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ስለምንታይ ብዙሕ ዘተ ሰላም የካይዳ?
ሎሚ ሰሉስ ሰበስልጣን ኣመሪካን ዩክረይንን ምስ ሩስያ ናብ ስምምዕ ሰላም ከብጽሕ ዝኽእል ዝርርብ ንምክያድ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክራኸቡ እዮም።
መራሒ ናይታ ነዚ ዘተ እተአንግድ ሃገር፡ ወራሲ-ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ምስ ክልቲኦም ፕረዚደንታት - ቭላድሚር ፑቲንን ዶናልድ ትራምፕን - ሓያል ዝምድና ኣለዎ።
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ መንጎ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት መንጐኛ ብምዃን ንጡፍ ተራ ክጻወት ምዃኑ ይገልጽ።
ጐረቤት ስዑዲ ዓረብ ዝዀነት ቀጠር እውን ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣብ ዓለም ሰላም ብምምጻእ እትፍለጥ ሃገር ኰይና ኣላ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ንኽብጻሕ መሪሕ ተራ ዝተጻወተት ኰይና፡ ቅድሚኡ ካልኦት ብዙሓት ምቍራጽ ተጻብኦታት ንኽግበሩ ሓጊዛ እያ።
ስለዚ፡ እዘን ክልተ ጐረባብቲ ስለምንታይ'የን ዓለማዊ መንጐኛታት ሰላም ክዀና መሪጸን?
እዚ ድማ ኣብ መንጐአን ሕማቕ ርክብ ኣስዒቡ ድዩ?
ስዑዲ ዓረብ ስለምንታይ ስምምዓት ሰላም ክካየዱ ትደሊ?
ስዑዲ ዓረብ፡ ንሓያሎ ዓመታት ድሕሪ ዝጸንሓ ኣዝዩ ተራጻሚ ኣገባብ'ያ ናብ ተራ ሽምግልና ሰላም ኣትያ።
ኣብ 2015 ንመንግስቲ የመን ብምድጋፍ ኣብ ኲናት ሓድሕድ የመን ጣልቃ ብምእታው፡ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሑቲ መጥቃዕቲ ኣየርን መዳፍዕን ፈጺማ።
ኣብ 2017 መንግስቲ ሊባኖስ፡ ስዑዲ ዓረብ ንቐዳማይ ምኒስተር ሊባኖስ ስዒድ ኣል-ሓሪሪ ካብ ስልጣኑ ንምውራድ ኣብ ቀይዲ ኣእትያቶ ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ኣብ 2018፡ ፍሉጥ ነቓፊ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ፡ ኣብ ኢስታንቡል ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ብወከልቲ መንግስቲ ተቐቲሉ።
"ቀዳማይ ኣመራርሓ መሓመድ ቢን ሳልማን ምጕናፍ ኣምጺኡ፡ እንተዀነ እቲ ኣመራርሓ ግጭታት ካብ ምብራኽ ስምምዓት ሰላም ብምሽምጋል ዝሓሸ ስራሕ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ወሲኑ'ሎ፡" ክብል ኣብ ኣመሪካ ክኢላ ኢንስቲትዩት ማእከላይ ምብራቕ ዝዀነ ዶክተር ፖል ሳሌም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ስዑዲ ዓረብ ብቐንዱ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምርግጋእ ንምምሕያሽ ስምምዓት ሰላም ከተሳልጥ ጸኒሓ እያ ትብል ዋሽንግተን ኢንስቲትዩት ኣብ ዝተባህለ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ኣብ ጕዳያት ማእከላይ ምብራቕ ዝነጥፍ ትካል እትሰርሕ ኤልሳቤጥ ደንት።
"እዚ ኣገዳሲ ክፋል ስትራተጂ'ዩ - ኣብ ሰደድ ነዳዲ ዘለዋ ጽግዕተኛነት ንምቍራጽ፡ ከምኡ'ውን ትካላት ንግዲ ወጻኢ ብምስሓብ ሓደስቲ ቍጠባዊ ጽላታት ንምምዕባል ክሕግዙ ምግባር ዝዓለመ'ዩ፡" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
ስዑዲ ዓረብ ስምምዓት ሰላም ኣብ ምምጻእ ተዓዊታ ድያ?
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ኣብ ምምጻእ ዝነበራ ታሪኽ ንሓያሎ ዓሰርተታት ዓመታት ንድሕሪት ዝምለስ እዩ።
ኣብ 1989 ኣብ መንጎ ተዋጋእቲ ወገናት ሊባኖስ ዝርርብ ሰላም ብምግባር 'ስምምዕ ጣይፍ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕ ክብጻሕ ገይራ።
ኣብ 1990 ድማ ምቍራጽ ተጻብኦ ተፈጺሙ።
እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ን15 ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ደው ክብል ገይሩ።
ኣብ 2007 ስዑዲ ዓረብ ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያን ጕጅለታት ሓማስን ፋታሕን ዝነበረ ተጻብኦ ዘብቅዐ ስምምዕ መካ ኣተኣናጊዳ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ስዑዲ ዓረብ ዳግማይ ተራ ሽምግልና ሰላም ደፊኣትሉ።
ካብ 2022 ኣትሒዙ ምስቶም ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ዝርርብ ብምክያድ ኣብኡ ተዅሲ ደው ንምባል ትጽዕር ኣላ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ተራጸምቲ ወገናት ሱዳን - ወተሃደራዊ ገዛእቲ እታ ሃገርን ዕጡቓት ሓይልታት ዳዕመ ኣል ሰሪዕን - ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ዝርርብ ከተአንግድ ጸኒሓ እያ።
ኣብ 2022 ድማ፡ ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክረይንን ስምምዕ ክብጻሕ ብምግባር፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዝተማረኹ ልዕሊ 250 ምሩኻት ኲናት ነናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣኽኢላ።
ተራ ቀጠርከ?
ቀጠር ኣብታ ኣብ ጥሪ 2025 ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ስምምዕ ተዅሲ ደው ክብጻሕ እትጽዕር ዝነበረት ጋንታ ሃገራት (ምስ ግብጽን ኣመሪካን) ቀንዲ መንጐኛ እያ ነይራ።
ኣብ 2020 ቀጠር ኣብ መንጎ ጣሊባንን ኣመሪካን ዝተፈጸመ ስምምዕ ሰላም ብምሽምጋል፡ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ን18 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ደው ክብል ገይራ።
ሽዑ፡ ኣመሪካን መሻርኽታን ሓይሎም ክስሕቡ እንከለዉ፡ ጣሊባን ድማ ነታ ሃገር ተቘጻጺሩዋ።
ኣብ 2010 ኣብ የመን ኣብ መንጎ መንግስትን ዓመጽቲ ሑቲን ተዅሲ ደው ምባል ክግበር ሸምጊላ (እዚ ድሕሪኡ ፈሪሱ)።
ቀጠር፡ ኣብ ኣፍሪቃ'ውን ሽምግልናታት ሰላም ገይራ እያ።
እቲ ሓደ ኣብ 2022 ኣብ መንጎ መንግስቲ ጫድን ዓሰርተታት ተቓወምቲ ጕጅለታትን ዝተበጽሐ ተዅሲ ደው ምባል እዩ።
ካልእ ኣብ 2010 ኣብ መንጎ መንግስቲ ሱዳንን ዕጡቓት ጕጅለታትን ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ይጥቀስ።
ኣብ 2008 ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ውድባት ሊባኖስ ንዝተገብረ ስምምዕ መንጐኛ ኰይና፡ ኣብ መንጐኦም ዝነበረ ተጻብኦ ናብ ሓድሽ ኲናት ሓድሕድ ከይዓርግ ይስጋእ ነይሩ።
ቀጠር ስለምንታይ ሸምጋሊት ሰላም ክትከውን ትደሊ?
ቀጠር፡ ኣብ ትሕቲ ሓማድ ቢን ከሊፋ ኣል-ታኒ፡ ኣብ 1995 ኣሚር እታ ሃገር ዝዀነ (ክሳብ 2013 ድማ ኣብ ስልጣን ዝነበረ)፡ ከም መንጎኛ ሰላም ዝነበራ እጃም ጐሊሑ ክርአ ጀሚሩ።
ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ቀጠር ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ 1990 ዝተረኽበ 'ኖርዝ ዶምን ሳውዝ ፓርስን' ዝበሃል ሜዳ ጋዝ ከተማዕብል ስለ ዝደለየት እዩ።
እቲ ሜዳ ኣብ መላእ ግዝኣታዊ ማያት ቀጠርን ኢራንን ስለ ዝተዘርግሐ፡ ቀጠር ነዚ ንምግባር ምስ ኢራን ክትተሓባበር የድልያ።
ኣብቲ እዋን ኢራን ተጻባኢት ስዑዲ ዓረብ ከም ዝነበረት ዶክተር ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ክኢላ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስቲትዩት ዝዀነ ኤች.ኤ ሄሊየር።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ቀጠር ነዚ ምስ ረኸበት፡ ንዓኣ ዝኸውን መንገዲ ክትቀርጽ ከም ዘለዋ ተገንዚባ። ምስ ብዙሕ ህዝቢ ሰፊሕ እወንታዊ ዝምድናታት ምህላው፡ ክሕግዘካን ክድግፈካን ዝኽእል መርበብ ስለ ዝፈጥር፡" እጃም መንጐኝነት ሰላም ክትጻወት መሪጻ ይብል።
ተራ ሽምግልና ሰላም ቀጠር ድማ ኣብቲ ብ2004 ዘጽደቐቶ ቅዋም ተሰኒዱ ኣሎ።
"ቀጠር ዓለምለኻዊ ሽምግልና ከም ሓደ ካብ ሃገራዊ ምልክት ክኸውን'ያ መሪጻ፤ ካልኦት ክጥቀሙላ ዝኽእሉ ሃገር ምዃና'ውን ኣለልያ፡" ይብል ዶክተር ፖል ሳሌም።
ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ከም መንጐኛታት ሰላም ከመይ ይፈላለያ?
ቀጠር መብዛሕትኡ ግዜ ስዑዲ ዓረብን ካልኦትን ክኣትዎ ኣብ ዘይደልያ ጕዳያት ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ርክብ ስለ ዘለዋ፡ ሸምጋሊት ውዕላት ሰላም ኰይና ክትሕረ ይገብራ።
"ቀጠር ከምቲ ስዑዳውያን ኣብ ልዕሊ እስላማውያን ጕጅለታት - ከም ኣስላም ብራዘርሁድ፡ ሓማስን ጣሊባንን - ዓሚቝ ጽልኢ የብላን፡" ይብል ዶክተር ፖል ሳሌም።
ቀጠር ምስ ጣሊባን ዘዕበየቶ ምትእስሳር ኣብ መንጎ ሓማስን ኣመሪካን ድልድል ክትከውን ከም ዝሓገዛን፡ ምስ ሓማስን እስራኤልን ዘዕበየቶ ምትእስሳር ድማ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ወገናት ዝተበጽሐ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ንምድላው ከም ዝሓገዛን ይዛረብ።
"ስዑዲ ዓረብ ምስ ዝውቱራት ጕዳያትን ተጻወትን ክትሰርሕ እንከላ፡ ቀጠር ዝውቱራት ምስ ዘይኰኑ ጕዳያት ትሰርሕ፡" ትብል ደንት።
እንተዀነ፡ ቀጠር ንመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ከም ስግኣት መግዛእቲ ዝረኣዮም ከም ማሕበር ኣሕዋት ኣስላም ዝኣመሰሉ ጕጅለታት ብምድጋፍ ስዑዲ ዓረብ ትነቕፋ።
"ኣብ ቀውዒ ዓረብ [ናይ 2010ን 2011ን ተቓውሞታት]፡ ቀጠር ኣብ ከም ሶርያን ሊብያን ዝኣመሰሉ ቦታታት ንዝርከቡ ተቓወምቲ ጕጅለታት ዘይተኣደነ ደገፍ ሂባ፤ እዚ ድማ መርገጺኣ ኣዝዩ ንጹር ገይርዎ፡" ትብል ደንት።
እዚ ድማ፡ ኣብ 2017 ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ምስ ቀጠር ዝነበረን ኵሉ ዓይነት ዝምድናታት ዝቘረጻሉ "ምፍንጫል ወሽመጥ፡" ኣስዒቡ።
"ድሕሪ'ቲ ምፍንጫል፡ ቀጠር መጀመርታ ምስ ጐረባብታ ከይተቐራረበት ምስ ኣኽረርቲ ጕጅለታት ናብ እትገብሮ ርክባት ኣይኸደትን። ሕጂ ዘይሻራዊት ሽማግለ'ያ፡" ኢላ።
ቀጠርን ስዑዲ ዓረብን ድማ መን ስምምዕ ሰላም የምጽእ ኣሎ ኣብ ዝብል ከም ዘይራጸማ ዶክተር ሄሊየር ገሊጹ።
"ቀጠር ኣብዚ እዋን'ዚ ምስ ስዑዲ ዓረብ ክትወዳደር ኣይትደልን እያ፣ ስዑዲ ዓረብ ድማ ዝዀነ ጕዳይ ቀጠር ዝዀነ ዛዕባ ክትወስድ ኣይትደልን እያ፡" ይብል።
"እቲ ዘሕዝን ግን፡ ገና ኣብ ዓለም ክልቲአን ኣብ ስራሕ ክጽመዳ ዝገብሩ እኹል ጐንጺታት ኣለዉ።"