ትግራይ፡ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ንኽሲ 'ፈተነ ቕትለት' ኣይተ ጌታቸው ዝሃቦ ምላሽ

ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ትግራይ / ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, Tigray Bureau of peace and security /Getty Images

ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ብጌታቸው ረዳ ዝቐረበ ክሲ "መሰረት ኣልቦ" ጥራሕ ዘይኰነስ፡ "ኰነ ተባሂሉ ዝተማህዘ ጠቐነ እዩ፡" ብምባል ኰኒኑዎ።

እቲ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ወጥሪ ስዒቡ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኣቶ ጌታቸው 'ዩኤምዲ' (UMD) ምስ ዝተባህለ ቻነል ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ዳርጋ ምስ ፈተነ ቅትለት ዝመሳሰል ሓደጋ ኣጓኒፉዎ ምንባሩ ምዝራቡ ትማሊ ምጽብጻብና ዝዝከር እዩ።

ብዛዕባ እዚ መልሲ ዝሃበ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ኣብ ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ሓለዋን ተፍትሽን ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፡ "ካብዚ ወጻኢ ንኣይተ ጌታቸው ንምሓዝ ኰነ ንምቐታል ዝዀነ ይዅን ዓይነት መበገሲ ከም ዘይነበረን ክህልው እውን ከም ዘይኽእልን፡" ኣብቲ ንቢቢሲ ዝሃቦ ቃል ሓቢሩ።

ዕጡቓት ንኸንቲባታት መቐለን ዓዲግራት ሓዊሱ፡ ብርክት ዝበሉ ኣብያተ ጽሕፈት ምምሕዳራት ኣብ ዝተቘጻጸርሉ እዋን፡ ኣቶ ጌታቸው ንመገሻ ኣዲስ ኣባበ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝኸደሉ ህሞት ማዕገትን ውጥን ቅትለትን ከም ዝተፈተነሉ እዩ ተዛሪቡ።

እቲ ትማሊ ብወግዒ ካብ ስልጣኑ ከም ዝተላዕለ ዝተገልጸ ኣይተ ጌታቸው ከም ዝብሎ፡ ኣብቲ ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ - መቐለ፡ ዝወስድ መንገዲ ዝርከብ ኬላ (ነቝጣ ፍተሻ) ዝሕሉ ዕጡቕ ኣየሕልፍን ኢሉ ከልኪሉዎ ነይሩ።

ሓደ ብስሙ ዝጠቐሶ 'ፖትሮል' (ዕጡቓት ዝሓዘት መኪና) ዝነበሮ ኣዛዚ'ውን ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝሰዓቦን ፖሊስ ፈደራል (ሓለዋ ጸጥታ መዓርፎ ነፈርቲ) ከም ዝኸልከሉዎም'ውን ኣብሪሁ።

ኣብቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከም ምክትል ፕረዚደንትን ሓላፊ ጸጥታን ኰይኑ ተመዚዙ ዝጸንሐ ሌተና ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ እቲ ጌታቸው 'ፈተነ ቅትለት' ክብል ዝገለጾ ፍጻመ፡ ብናጻ ኣካል ክምርመር ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።

ምስቶም፡ ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር መትዕርራያት ክግበር ዝጸውዑ ገለ ኣዘዝቲ ደው ዝበለ ቢሮ ሰላምን ሰላምን ጸጥታን ትግራይ ግን፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር 'ዕልዋ' ዝበሎ ስጕምቲ ከም "ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ" ኢሉ ዝጸውዖ ኰይኑ፡ ነቲ ትማሊ ብዕሊ ካብ ሓላፍነቱ ዝተፋነወ ፕረዚደንት ዝቐረቡ ክስታት 'ፈተነ ቅትለት' ብትሪ ዝነጽግ ምላሽ ሂቡ።

"የግዳስ እቲ ክቐትለኒ ስዒቡኒ ኢሉ ስሙ ዝጸርሖ ኣብቲ ከባቢ ዝመርሕ ዝነበረ ኣዛዚ ሰራዊት ንሓደ ካብ ዓጀብቲ ኣይተ ጌታቸው ረኺቡ 'ኣንገላቲዖምኹም ድዮም' ኢሉ ከም ዝሓተተን ፍጹም ዝበጽሐ ምንግልታዕ ከም ዘይነበረ ከም ዘረጋገጸሉን፡" ስሞም ክገልጹ ዘይመረጹ ሓላፍቲ እቲ ቢሮ ተዛሪቦም።

ከምኡ'ውን እቲ ቢሮ፡ እቲ ኣዛዚ ኮር፡ 'ጌታቸው ይቕረታ ከይሓተትናዮ ወጺኡ' ኢሉ ከም ዝተዛረበ እየ ዝፈልጥ ይብል።

ኣይተ ጌታቸው: ብድሕሪኡ "ኣምሊጡና" ኢሎም ገዛ ዓጽዮም ዝተዘራረቡ ኣዘዝቲ ሰራዊት ከም ዘለዉ መረዳእታ ኣለኒ ንዝበሎ፡ ሽዑ ካብ ኣኼባ ዝኽሪ ሃጸይ ዮሃንስ ተላዒሉ ከም ዝተበገሰን መገሻኡ ግልጺ ኰይኑ ዝርአ ከም ዝነበረን ፍሉጥ እናሃለወ፡ ሰባት ንምጥቃን ኰነ ኢሉ ዝተዛረቦ እዩ ይብል ካብቲ ቢሮ ዝተዋህበ ምላሽ።

ሕጊ ካብ ምኽባር ወፍሪ ወጻኢ፡ "ንኣይተ ጌታቸው ኰነ ንዝዀነ ይዅን ኣብ ወረዳታትን ዞባታትን ኣብ ስራሕ ዝጸንሑን ደሓር ሃዲሞም ዝወጽኡን ሰባት ንምእሳር፡ ሓሳብን መደብን ከም ዘይነበረ፡" ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ትግራይ የብርህ።

እንተዀነ፡ እቲ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እናውጽአን ማሕተም እናሕደገን፡ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኣል ንዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዝዀኑ ሓለፍቲ ዘረክብ ዝነበረ ዕጡቕ፡ ኣብ ከም ዓዲ ጉደም ካብ ህዝቢ ዝገጠሞ 'ተቓውሞ' ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ሰባት መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመን ብዙሓት ከም ዝተኣስሩን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ሕወሓት

ምንጪ ስእሊ, TTV/DW

ኣብ ብዓል ጥምቀትከ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣይተ ጌታቸው ብተወሳኺ፡ ኣብ ታሕሳስ 27 ኣብ ብዓል ጥምቀት፡ ካልእ ፈተነ ቅትለት ተወጢኑ ከም ዝነበረ ይገልጽ።

ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽአ ሓደ ብዓል ሃብቲ ምስ ሓደ ኣባል ጸጥታ - ቪኣይፒ ናይ ምቕታል ፈተናታት ከም ዝነበረን ከም ዝፈሸለን ሓቢሩ።

"እቲ ገበን ግብረ ሽበራ እዩ፣ ኣብ ፈደራል እዩ ክረአ ዝግባእ፣ እንተዀነ፡ ዕብይ ዝበሉ ሰባት'ውን ዝተሳተፉሉ ስለ ዝዀነ - ብዝብል፡ ካብ መንግስቲ ፈደራል ውክልና ሓቲትና እቲ ምጽራይ ኣብ ትግራይ ክኸውን ገይርና ነይርና፡" ይብል።

እቲ ቢሮ: ብዛዕባ እዚ ክሲ ብዝምልከት ድማ፡ "እቲ ብዓል ሃብቲ ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን መቐለን ትካላት ይውንን። እቲ ተጋዳላይ ድማ ንሰበስልጣን ክዕጅብ ብሓለዋ ዝተመደበ እዩ፡" ይብል።

ኣይተ ጌታቸው ንኽልቲኦም "ክቐትሉኒ ይሓስቡ ነይሮም፡" ብምባል ከም ዘእሰሮም ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ይገልጽ።

ነቲ ቅትለት ዝወጠኑዎ ሰለስተ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ከም ዝዀኑ ብምሕባር፡ ነቲ ተግባር ቅትለት ድማ በቲ ብዓል ሃብቲን እቲ ኣብ ሓለዋ ዝተመደበ ሓላዊ-ቪኣይፒ ክፍጽምዎ ከም ዘዋደዱዎ ኣይተ ጌታቸው ከም ዝኸሰሰ ካብ ቢሮ ሰላምን ጸጥታን ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

"ኰይኑ ግና እቶም ተጠርጠርቲ ፈተነ ቅትለት ከም ዘይፈጸሙ፣ እኳ ደኣ 'ይሓስቡ ነይሮም' ተባሂሎም ስለ ዝተኣሰሩ፡ ቤትፍርዲ ነቲ 'መሰረት ዘይተረኸቦ' ክሲ ብምንጻግ ብዋሕስ ክወጽኡ ከም ዝገበረ፡" ይገልጽ።

ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ጉዳይ እቶም ተጠርጠርቲ ብደረጃ ፈደራል ክረአ ከም ዝተሃቀነ፡ በዚ ድማ እቲ ብዓል ሃብቲ ኣዲስ ኣበባ በጺሑ ናብ ስድራኡ ክብገስ እንክብል፡ ፖሊስ ተቐቢሉ ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተዎ እቲ ቢሮ ይገልጽ።

"ይዅን እምበር፡ ቤትፍርዲ ፈደራል እውን ብተመሳሳሊ ብዋሕስ ክወጽእ ገይሩ እዩ፡" ብምባል፡ እቲ ብዓል ሃብቲ ካብ ማንም ንላዕሊ ምስቶም ሰብመዚ ግዚያዊ ምምሕዳር ጥቡቕ ቅርበትን ዕርክነትን ከም ዝነበሮ ሓበሬታ ኣሎኒ ይብል።

ኣቶ ጌታቸው ኣብቲ ብሰንበት ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ "ፕረዚደንት ዓጊትካ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ 'ፊዚካሊ ኢሊሚኔት' ምግባር [ብኣካል ምቕንጻል] ድሌት ከም ዘሎ ምፍላጥ እዩ ዘደንግጸካ፣ እዚ ኣብ ትግራይ ክፍጠር እዩ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን፡" ኢሉ።