ኢትዮጵያ፡ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ኣብ ንግዲ ሰደድን ችርቻረን ክሳተፉ ምፍቃዳ እንታይ ጽልዋ ኣለዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ስልጣን ድሕሪ ምሃዙ ካብ ዝወሰዶም ስጕምትታት ሓደ ቍጠባ እታ ሃገር ንዕዳጋታት ወጻኢ ክፉት ክኸውን ምግባር እዩ ነይሩ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ጽላት ቴሌኮም ንዕዳጋታት ወጻኢ ክፉት ክፉት ድሕሪ ምዃኑ ሳፋሪኮም ናብ ዕዳጋ’ታ ሃገር ከምዝተጸንበረ ይዝከር።
ብተመሳሳሊ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ዓመት ጽላት ባንክ ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ክኽፈት ዝቐረበ ፖሊሲ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ጸዲቑ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይዞም ውሳነታት ዝሰዓበ ካልእ ናይ ፖሊሲ ውሳነ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እቲ ውሳነ” ወጻእተኛ ኣውፈርቲ ኣብ ንግዲ ሰደድ [export]፡ ኣታዊ ንግዲ [import]፡ ከምኡ’ውን ኣብ ንግዲ ጃምላ [whole sale]ን ንግዲ ችርቸራ [retail]ን ኽሳተፉ ዘኽእል እዩ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ ቦርድ ኢንቨስትመንት ነዚ ውሳነ ኣብ ግብሪ ዘውዕል መምርሒ ኣውጺኡ ኣሎ።
ኮሚሽን ወፍሪ ኢትዮጵያን ሚኒስትሪ ንግድን ዞባዊ ርክብን እውን ሓሙስ 10 ሚያዝያ 2016 (ግእዝ) ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቦም እዮም።
እቶም ጽላታት ንወጻእተኛ ኣውፈርቲ ተኸልኪሎም ምጽንሖም እተን ትካላት ኣብ ዝሃብኦ መግለጺን ኣብ መእተዊ እቲ መምርሒን ተጠቒሱ ኣሎ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ "ኣውፈርቲ ውሽጢ ዓዲ ብናይ ወጻኢ ወፍሪ ዝመጽእ ጸቕጢ ውድድር ብምክልኻል ርእሰ-ማል ንኸፍርዩ ዕድል ንምሃብ፤ ምስ ዓለምለኻዊ ስርዓተ ንግዲ ክላለዩን ተመኵሮ ክረኽቡን ዝዓለመ፡ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሚ ዝተመስረተ ዘላቒ ቍጠባ ናይ ምህናጽ ሃገራዊ ዕላማ” ስለዘለዎ ምዃኑ እዩ ተገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ ፖሊሲ እቲ ክልከላ "ከምዚ ዝድለ ብግቡእ መጠን ዕላማኡ ኣመዝጊቡ ክበሃል ኣይከኣልን" ይብል’ቲ መግለጺ።
"ኣብቶም ዝተኸልከሉ ጽላታት ጸገማት ሰፊሕ ተበጻሕነት ኣገልግሎት፡ ጽሬትን ብቕዓትን ኣሎ" ብምባል እቲ ዝተሓሰበ ውጽኢት ከምዘይተረኸበ ወሲኹ የመልክት።
ብሰንኪ’ዚ ድማ “ምስ ግዜ ንዝመጹ ዘይሕጋዊ ተግባራት ተቓሊዑ’ዩ” ይብል።
ነዚ ስዒቡ ድማ እቲ ዘፈር ድልየትን ዓቕምን ንዘለዎም ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ምኽፋት ኣገዳሲ ምዃኑ የስምር።
ክኢላታት ስነ-ቑጠባ ኣብዚ ውሳነ መንግስቲ ዝተፈላለየ ርእይቶ ኣለዎም።
ቍጠባዊ ኵነታት እታ ሃገር ብቐረባ ዝከታተልን ስሙ ክግለጽ ዘይደለየን ሓደ ክኢላ ቍጠባ፡ "ምኽፋት ባዕሉ ነቲ ጸገም ንምምካት ርግጸኛ መፍትሒ ኣይኰነን" ይብል።
"ኣብ ኢትዮጵያ ዝርአ ዕዳጋ ንወጻእተኛታት [ኣውፈርቲ] ምኽፋት መፍትሒ ኵሉ ነገር'ዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣጸጋሚ'ዩ። ምኽፋት ከም መፍትሕ ኵሉ ነገር ምርኣይ ዓቢ ጌጋ'ዩ" ይብል እቲ ክኢላ።
ክኢላ ኢኮኖሚን ፋይናንስን ዝዀኑ ዶክተር ዓብደልመናን መሓመድ ብወገኑ፡ ኣብቲ መምርሒ ዝተጠቕሱ ጸገማት ብኽልተ መንገዲ ክፍትሑ ከምዝኽእሉ ይዛረብ።
እዚኦም ድማ ሓደ ውድድር፡ ካልኣይ ድማ መንግስታዊ ቍጽጽር ምዃኖም እቲ ዶክተር ይጠቅስ።
"ጽቡቕ ሕጊታት እንተሃለወ'ውን ውድድር ኣብ ዘይብሉ ዕዳጋ ጸገም ኣሎ። ውድድር ብመጠኑ ጸገማት ይፈትሕ እዩ።"
እቶም ጽላታት ንወጻእተኛ ኣውፈርቲ ተኸልኪሎም ምጽንሖም “ዘምጽኦ ረብሓ የለን። ክኽፈት ምግባር ቅኑዕ'ዩ፤ ግን ውጽኢት ክህልዎ ድዩ ኣይህልዎን ካልእ ጉዳይ'ዩ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, BBC/AMENSISA IFA
ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ኣብ ቍጠባ ምስታፎም በረኸት ዶ መርገም?
ቍጠባ እታ ሃገር ንወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ምኽፋት "ሳዕቤኑ በረኸት ድዩ ወይስ መርገም?" ዝብል ክትዕ ብተደጋጋሚ ይስማዕ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተርን ካልኦት ሰበስልጣንን፡ መንግስቲ ዝወሰዶ ውሳነ "ቍጠባ ንምምሕያሽ" እዩ ክብሉ ይስምዑ።
እቲ ቀንዲ ሕቶ ወጻእተኛ ኣውፈርቲ ኣብ ሰደደን ኣታዊን ንግዲ ምስታፎም ክሳብ ክንደይ እቲ ዝድለ ውጽኢት ከምዝህልዎም እዩ።
ሓደ ካብቲ ቀንዲ መለለዪ ቍጠባ ኢትዮጵያ ኣብ መንጐ ሰደድን ኣታዊን ዘሎ ዘይምዕሩይነት እዩ።
ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ዘይምዕሩይነት፡ “ኣብ ሰንሰለት ምፍራይ ጸገም ስለ ዘሎ” ምዃኑ እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ክኢላ ስነ-ቝጠባ ይገልጽ። "ግን ድማ ሰደድ ክንገብር ዘይምኽኣልና እቲ መሰረታዊ ጸገሙ፡ ኣብ ዙርያ ኣፍራይነት ዝገበርናዮም ምትእትታዋት ብዙሕ ዕዉታት ዘይምንባሮም’ዩ።"
እቲ ክኢላ፡ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ናብታ ሃገር ምእታዎም፡ ኣብ ሰደድ ርኡይ ለውጢ ከየምጽእ ከምዝኽእል ይኣምን።
"ልዑል ርእሰ-ማል ዘለዎም ኣውፈርቲ ክመጹ ይኽእሉ እዮም፤ እታ ሃገር ከተፍሪ እንተዘይክኢላ ግን ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ። ናብታ ዘላ ምህርቲ ምምንጣል ከምርሕ ይኽእል" ይብል።
ወሲኹ፡ እቲ ስርዓት ምፍራይ ድሌታት ናይቶም ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ንምምላእ ኣብ ዝተወሰኑ ዓይነታት ፍርያት ትዅረት ክገብር ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታ ከምዘለዎም እውን ይገልጽ።
"ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ምናልባት ሸርፊ ወጻኢ ከምጽእ ይኽእል'ዩ። ኣብ ነዊሕ ግዜ ግን ንጽላት ሰደድ ዝጐድእ እዩ። ካብቲ ሕጂ ዘሎ ዓይነት ፍርያት እናነከየ እዩ ዝኸይድ" ክብል ስክፍታኡ ንቢቢሲ ኣካፊሉ።
ዓብደልመናን መሓመድ ብተመሳሳሊ ኣብ ንግዲ ሰደድ ዘሎ ጸገም፡ ወጻእተኛ ኣውፈርቲ ጥራይ ዘይኰኑስ "ጸገም ምፍራይ እዩ" ይብል።
እቲ መምርሒ ኣብ ንግዲ ሰደድ ክዋፈሩ ዝደልዩ ኣውፈርቲ ከማልእዎም ዘለዎም ረቛሒታት ብዝርዝር ይገልጽ እዩ።
ጥረ ቡን ናብ ወጻኢ ከቕርብ ዝደሊ ወጻእተኛ ኣውፋሪ፡ ንዝሓለፉ ተኸታተልቲ ዓመታት ብማእከላይ ገምጋም 10 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ቡን ካብ ኢትዮጵያ ዝዓደገ ክኸውን ኣለዎ። ብተወሳኺ ፍቓዱ ኣብ ዝረኽበሉ ዓመት፡ 10 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ቡን ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ውዕል ክኣቱ ኣለዎ።
ብመሰረት እቲ መምርሒ፡ ሓደ ዘይቲ ናብ ወጻኢ ከቕርብ ዝደሊ ኣውፋሪ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት በብዓመቱ ሓሙሽተ ሚልዮን ዝግመት ዘይቲ ዝዓደገ ክኸውን ኣለዎ።
ኣብ ንግዲ ጫት ንዝዋፈር ኣውፋሪ፡ እቲ መጠን ገንዘብ ናብ ሓደ ሚልዮን ይወርድ። ብመሰረት እቲ መምርሒ ጥሪት ናብ ወጻኢ ሰደድ ክገብር ዝደሊ ናይ ወጻኢ ኣውፋሪ ናይ ዕድጊ ታሪኽ ክህልዎ ኣይግደድን።
ዓቕሚ ምፍራይ ናይታ ሃገር ትሑት ምዃኑ ግን ወጻእተኛ ኣውፈርቲ ኣብ ንግዲ ኣታዊ ከተኵሩ ክገብሮም ይኽእል እዩ ይብል እቲ ስነ-ቝጠባዊ ምሁር።
ወጻእተኛ ኣውፈርቲ፡ ካብ ንግዲ ሰደድ ብተወሳኺ፡ ብዘይካ ኣብ ድኹዒን ነዳድን ኣብ ንግዲ ኣታዊ ክሳተፉ ከምዝፍቀደሎም እቲ መምርሒ የመልክት።

ምንጪ ስእሊ, BBC/AMENSISA IFA
ዘመነ መርካቶ የብቅዕ’ዶ ይኸውን?
እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ስነ-ቍጠባዊ ምሁር፡ "እቲ ቀንዲ ጸገም ንግዲ ጅምላን ችርቻረን፡ ምትእስሳር ቀረብ ሰንሰለት'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ርእይቶኡ ኣካፊሉ።
ቀረብ ሰንሰለት ኣወሃሂዱ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ስርዓት ንምፍጣር ኣጸጋሚ ምዃኑ እቲ ክኢላ ይሕብር። ነዚ ጸገም ንምፍታሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ "ኣለ በጅምላ!” ኢሉ ዘጣየሾ መስርሕ ነዊሕ ከምዘይጸንሐ ይዝክር።
ኣብ ንግዲ ጅምላ ክሳተፉ ዝመጹ ወጻእተኛ ኣውፈርቲ፡ "ነቲ ቀረብ ሰንሰለት ከወሃህዱ ይኽእሉ እዮም" ይብል። ምእታው እዞም ኣውፈርቲ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከቡ ጅምላ ሸየጥቲ "ካብ ጸወታ ከውጽእ ኣዝዩ ተኽእሎ ኣሎ" ዝብል ስክፍታ ኣለዎ።
ዓብዱልመናን እውን ብተመሳሳሊ ተመኵሮ "ኣለ በጅምላ!” ብምዝካር "ዝዀነ ፍረ ከየፍረየ ኣበይ ከምዘሎ እኳ ኣይፍለጥን" ይብል።
"መንግስቲ ኢትዮጵያ ምኽፋቱ ጽቡቕ እኳ እንተዀነ፡ ብሕጊ ጥራይ ስለዝተቐመጠ ለውጢ ክመጽእ'ዩ ማለት ኣይኰነን" ይብል ዓብዱልማናን፡ "እቲ ሕጊ ስለዝወጸ ጥራይ፡ ኣውፈርቲ ናብታ ሃገር ክኣትዉ እዮም ማለት ኣይኰነን።"
ብመሰረት እቲ መምርሒ፡ ወጻእተኛ ኣውፈርቲ ንኣውፈርቲ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ተፈቒዶም ኣብ ዝጸንሑ ኵሎም ንግዲ ችርቻረ ንግዲ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ ዓውዲ ንምስታፍ፡ ኣውፈርቲ መንግስቲ ዘቐመጦ ቅድመ ኵነት ከማልኡ ይግደዱ።
እቲ ስነ-ቝጠባዊ ምሁር፡ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ኣብ ንግዲ ችርቻረ ምስታፎም "ኣብ ሓጺር ግዜ ፍልልይ ዋጋ ከምጽእ ይኽእል'ዩ" ይብል። ምስ ግዜ ግን "እዞም ዓበይቲ ቸርችርቲ ነቶም ነጋዶ ችርቻረን ንዓደግቲን ምስ ሓዙ ግን ሰባት በቲ ንሳቶም ዘቐምጥዎ ዋጋ እዮም ክገዝኡ" ብምባል ኣብ ነዊሕ ግዜ ዘለዎ ጽልዋ የብርህ።
“ዋላ’ኳ ምርግጋእ ዋጋ ክመጽእ እዩ እንተተባህለ፡ እዚ ንሓጺር ግዜ እዩ ክመጽእ። ነቲ ቀረብ ሰንሰለት ክሳብ ዝጥቕልልዎ እዩ” ክብል ስክፍታኡ የካፍል።
ወሲኹ፡ "ምኽፋት ናይዚ ነገር፡ ዘመነ መርካቶ የብቅዕ ኣሎ ማለት ክኸውን ይኽእል’ዩ" ክብል ኣብታ ሃገር ማእከል ችርቻረ ዝዀነት መርካቶ ካብ ዕዳጋ ክትወጽእ ተኽእሎ ከምዘሎ ይገልጽ።
"መርካቶ ኣብ ንግዲ ኣታዊ እያ ትነጥፍ። ኣእተውቲ ምስ መጹ፡ ኣብ መርካቶ ካብ ጸወታ ዝወጹ ብዙሓት ነጋዶ ክህልዉ’ዮም።"
ዶክተር ዓብደልመናን ብወገኑ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ንተጠቃሚ መፍትሒ ክህሉ እዩ ዝብል ተስፋ ዘይምሓዝ ዝበለጸ'ዩ" ይብል።
ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ናብታ ሃገር ምስ ኣተዉ ዝፍጠር ውድድር፡ "እቲ ቀዳማይ ተጠቃሚ ዓዳጊ እዩ" ዝብል እቲ ክኢላ፡ "ውድድር ምስ ዝህሉ ቍጠባ እታ ሃገር'ውን ተጠቃሚ ይኸውን። መንግስቲ እውን ካብ ግብሪ ይጥቀም" ክብል ተኻቲዑ።
ብዛዕባ ነጋዶ ውሽጢ ዓዲ ብዝምልከት ድማ "ብቐሊሉ ካብ ንግዲ ዝወጹ” ከምዘይመስሎ ይዛረብ።
እቲ ዶክተር፡ "ከምቲ ዝዀነ ሰብ ህይወቱ ብውድድር ዝመርሕ፡ ንግዲ'ውን ብውድድር ክኸውን ኣለዎ። ሓለዋ እናተገብረሉ ንዘልኣለም ክጸንሕ ዘለዎ ኣይመስለንን" ክብል ይውስኽ።
"ሓደ ናይ ውሽጢ ዓዲ [ኣውፋሪ] ካብቲ ዕዳጋ እንተወጺኡ፡ ካልእ ናይ ወጻኢ ኣውፋሪ ክመጽእ'ዩ። እቶም ወጻእተኛታት ዋጋ ክውስኹ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ እቲ ውሽጣዊ ዳግማይ ናብ ዕዳጋ ክኣቱ ይኽእል እዩ" ይብል።
"ዘይፍትሓዊ ውድድር ኣብ ዝረኣየሉ እዋን" ሓያል ቍጽጽር መንግስቲ ከምዘድሊ ድማ ወሲኹ ይገልጽ። ነዚ መንግስታዊ ቍጽጽር ንምትግባር ድማ "መንግስታዊ ትካላዊ ምምሕያሽ ብሓባር ክውሰድ ኣለዎ" ይብል።
እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ክኢላ፡ "ከም በዓል ሞያ መጠን ቍጠባ ዕጹው ኰይኑ ክቕጽል እዩ ዝብል ሓሳብ የብለይን፤ ካብ ካልኦት ዝተኸፍቱ፡ ካብ ከፊቶም ምምሕዳር ዘይከኣሉ ቍጠባታት፡ ካብ ዓቕሚ ዘይብሎም ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ካብ ዘለዉ ቍጠባታት ግን ክንመሃር ኣለና። እታ ሃገር ቍጠባ ንክትቈጻጸር እንታይ ክንገብር ከምዘለና ብጥንቃቐ ክንርኢ ኣለና" እዩ ዝብል።
ነዚ ድማ ከም ምኽሪ፡ "ንዓበይቲ ኣውፈርቲ ችርቻረ ካብ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝርከባ ንኣሽቱን ትካላት ክገዝኡ ዘገድድ ወይ ጸቕጢ ዝፈጥር ሕጋዊ ቅርጻታት ምቕማጥ" እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተራ ቍጠባውን ፖለቲካውን ኵነታት እታ ሃገር
ቢቢሲ ቃለ መሕትት ዝገበረሎም ክልቲኦም ክኢላታት ስነ-ቝጠባ፡ ድሕሪ ምትግባር እቲ መምርሒ፡ ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ናብታ ሃገር ንኽኣትዉ ክመሓየሹ ዘለዎም ኵነታት ከምዘለዉ ይሕብሩ።
ዓብደልመናን፡ "ወጻእተኛ ኣውፈርቲ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ወፍሪ ንምግባር ርጉእ ቍጠባን ፖለቲካዊ ኵነታት ይጠልብ" እዩ ይብል።
"እዞም ነገራት ኣብ ዘየለውሉ፡ ኣብ ወረቐት ስለ ዝሰፈሩ ጥራይ ለውጢ ክመጽእ'ዩ ማለት ኣይኰነን" ብምባል ወጻእተኛታት ኣውፈርቲ ብሓደ ለይቲ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ማለት ከምዘይኰነ የብርህ።
እቲ ካልእ ክኢላ ድማ ወጻእተኛ ኣውፈርቲ ንኽኣትዉ "ዘይተባብዑ" ነገራት ከምዘለዉ ይሕብር።
ሓደ ካብዞም ቅድመ ኵነታት ድማ ምሕደራ ሸርፊ ወጻኢ እታ ሃገር እዩ። "እቲ ዝኸሰብዎ ብቐሊሉ ከውጽእዎ ዝኽእልሉ ፋይናንሳዊ መሓውር የለን" ይብል።
"እዚ ኵነታት እንተዘይተቐይሩ ወጻእተኛ ኣውፈርቲ ብቐሊሉ ክመጹ ኣይክኽእሉን እዮም። ንሕና ድማ ነዚኦም እንተቐይርናዮም፡ ዋሕዚ ገንዘብ ናይ ምቍጽጻር ዓቕምና ክጐድል'ዩ"
ዓብዱልመናን እውን ምስዚ ሓሳብ ይሰማማዕ፤ "ሓደ ኣውፋሪ ናብ ኢትዮጵያ መጺኡ ድሕሪ ወፍሪ ገንዘቡ ከውጽእ ምስ ዝደሊ፡ ኵነታት ሸርፊ ወጻኢ ዓቢ ሕማም ርእሲ ይኸውን ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







