ኢትዮጵያ፡ ሓዱሽ ዝጸደቐ ኣዋጅ ክራይ መንበሪ ገዛ እንታይ ይብል?

ኮንዶ

ምንጪ ስእሊ, ERIC LAFFORGUE

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ወሰኽ ክራይ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራይ ክግበር ዝጠልብ ኣዋጅ ኣጽዲቑ።

እዚ ዝውስን ድማ ኣብ መላእ እታ ሃገር ውዕላትን ዋጋን ክራይ መንበሪ ኣባይቲ ዝቖጻጸር ኣካል መንግስቲ እዩ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፡ ክፍሊት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ "ብባንክ ወይ ብኻልእ ሕጋዊ ኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ ጥራይ" እዩ ዝፍጸም።

"ኣዋጅ ምሕደራን ቁጽጽርን ክራይ ኣባይትን" ብዝብል ኣብ 24 መጋቢት 2016 (ኣ.ግ.) ዝጸደቐ እዚ ኣዋጅ፡ ካብቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ተመኩሮ ብዝተፈልየ ኣገባብ'ዩ ጸዲቑ።

እቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ኣሰራርሓ፡ ድንጋገታትን ደንብታትን ኣብ ባይቶ ቅድሚ ምጽዳቖም ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ቀሪቦም ብዝርዝር ይግምገሙ ነይሮም እዮም።

"ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ዓቕሚ እቲ ሕብረተሰብ ዘገናዘበን፡ ኣብ እዋናዊን ህልውን ኵነታት ዝተመስረተን" ክኸውን ከምዘለዎ መብርሂ እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ይገልጽ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ኣዋጅ "ዘይምኽንያታዊ ወሰኽ ክራይ ኣባይትን ምቁራጽ ውዕልን" ዘትርፍ ከምዝዀነ’ውን እቲ መብርሂ ይጠቅስ።

ወሰኽ ክራይ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ

ብዛዕባ ዋጋ ክራይ ኣባይቲ ዝምልከት ክፍሊ እቲ ኣዋጅ፡ ኣካረይቲ ዋጋ ክራይ ኣብ ደስ ዝበሎም ግዜ ከይውስኹ ይኽልክል።

"እቲ ተቖጻጻሪ ኣካል ህሉው ቁጠባዊ ኵነታትን ካልኦት ኣገደስቲ ረቛሒታትን ኣብ ግምት ብምእታው ክውስኖ ዝኽእል ወሰኽ ክራይ መንበሪ ገዛ መሰረት ብምግባር፡ [ኣካራይ] ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ጥራይ ወሰኽ ዋጋ ክገብር" ከምዝኽእል እቲ ኣዋጅ ይጠቅስ።

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዝግበር ወሰኽ ክራይ ኣባይቲ፡ "በቲ ተቆጻጸሪ ኣካል ኣብ 1 ሰነ ንህዝቢ ዕላዊ ተገይሩ፤ ካብ 30 ሰነ ንሓደ ዓመት" ጸኒዑ ይጸንሕ።

"ቅድሚ እቲ ናይ ውዕል ግዜ ምዝዛሙ፡ ተኻረይቲ ካብቲ ገዛ ክወጽኡ ምግባር ወይ ዋጋ ምውሳኽ ኣይፍቀድን" ብምባል ዘገድድ ድንጋገ የቐምጥ።

ብተወሳኺ ኣካረይቲ፡ ከም ቅድመ-ክፍሊት ልዕሊ ናይ ክልተ ወርሒ ክራይ ከኽፍሉ ኣይኽእሉን።

ክፍሊት ክራይ ድማ ብባንኪ ወይ ብኻልእ ሕጋዊ ኤሌክትሮኒካዊ መንገዲ ክፍጸም እቲ ኣዋጅ ይድንግግ፤ ኣካረይትን ተኻረይትን "ሰነዳት ክፍሊት ክራይ ክዕቅቡ" ግዴታ ኣለዎም።

ዝዀነ ይኹን ውዕል መንበሪ ኣባይቲ ብፅሑፍ ክሰፍርን ኣብ ውሽጢ ሰላሳ መዓልታት ናብቲ ተቖፃፃሪ ኣካል ቀሪቡ ክረጋገጽን ክምዝገብን ከምዘለዎ’ውን እቲ ኣዋጅ የስምር።

"ብመሰረት እዚ ዓንቀፅ ዘይተረጋገፀን ዘይተመዝገበን መንበሪ ክራይ ተፈጻሚ ከምዘይኰነ ይቑፀር"

ብመሰረት እቲ ኣዋጅ ዝፍጸም ውዕል ክራይ መንበሪ ኣባይቲ፡ እንተወሓደ ንክልተ ዓመት ዝጸንሕ ክኸውን ይግባእ።

ምቁራጽ ውዕል

እቲ ኣዋጅ ካብ ዝደንገጎም ካልኦት ኣገደስቲ ነገራት ሓደ፡ መስርሕ ምቁራጽ ውዕል መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት እዩ።

እዚ ድማ፡ ውዕል ናይ ዝዀነ ይኹን ክራይ መንበሪ ኣባይቲ ክቋረጽ ዝኽእል ኣካረይቲን ተኻረይቲን ብዝገብርዎ ስምምዕ ከምዝዀነን መጠንቀቕታ ድማ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ክወሃብ ከምዘለዎን ይገልጽ።

እንተዀነ ኣካረይቲ፡ ውዕል ክራይ ብዘይ መጠንቀቕታ ከቋሩጹ ዘኽእልዎም 7 ምኽንያታት ኣብቲ ኣዋጅ ተጠቒሶም ኣለዉ።

ሓደ ካብዚኦም፡ "[እቲ ተኻራዪ] ነቲ መንበሪ ገዛ ብዘይ ፍቓድ ኣካራዪ ካብ መንበሪ ወጻኢ ወይ ንንግዳዊ ዕላማታት እንተተጠቒሙሉ" ዝብል እዩ።

"[ተኻራዪ] ኣብቲ ገዛ ገበናዊ ንጥፈታት እንተፈጺሙ ወይ ነቲ ገዛ ገበን ንምፍጻም ክውዕል እንተገይሩ" እውን እቲ ውዕል ክቋረጽ ይኽእል’ዩ።

ክፍሊት ክራይ ምድንጓይ’ውን ኣብቲ ኣዋጅ ካብ ዝተጠቐሱ ምኽንያታት ሓደ እዩ፤ ብመሰረት ውዕል ክልቲኦም ወገናት፡ እቲ ተኻራዪ ንመጀመርታ ግዜ ካብ 15 መዓልቲ፡ ንኻልኣይ ግዜ ድማ ካብ 7 መዓልቲ ንላዕሊ ክፍሊት እንተኣደንጕዩ፡ እቲ በዓል ገዛ ነቲ ውዕል ከቋርጽ ከምዝኽእል’ዩ እቲ ኣዋጅ ዝገልጽ።