ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣሳእል 'ገንዘብ ዘሪፎም' ዝበሎም ዓማዊሉ ምዝርግሑ ሕጋዊ ድዩ?

ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ ቴክኒካዊ ጸገም ኣብ ዘጋጠሞ እዋን ገንዘብ ዝወሰዱ ውልቀ ሰባት ክሳብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ሰሙን ክመልሱ ዘጠንቀቐ ኰይኑ፡ እንተዘይኰይኑ ብሕጊ ከምዝሓቶም ኣፍሊጡ ነይሩ እዩ።
እቲ ዘቕመጦ ገደብ ግዜ ምስ ሓለፈ ድማ፡ ናይቶም ዝወስድዎ ገነዘብ ዘይመለሱ ዓማዊል፡ ኣሳእልን መንነቶምን ዝሓዘ ሓበሬታ ጠቂዑ ኣሎ።
እዚ ብመሰረት ሕጊ ብኸመይ ይረአ ኢልና ዝሓተትናዮ፡ ኣብ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ዓቃቢ ሕጊ ዀይኑ ዝሰርሕ ኣቶ ተኽሊት ገብረመስቀል፡ እቲ ስጕምቲ ሕጋዊ መሰረት ከምዘይብሉ እዩ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ምንጪ ስእሊ, TEKLIT
ተኽሊት ከምዝብሎ፡ ዝዀነ ይዅን ሰብ ብዝዀነ ይዅን ኣጋጣሚ ናይ ሰብ ገንዘብ ምውሳድ ገበን እዩ።
“እቲ ስእሊ ምውጻእ ግን ከም ልምዲ ንምሽምጋል ዝግበር ‘ምበር ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ኣይምስልንን” ይብል።
ከም ኲናት፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታትን ተክኒክ ጸገማት ተበሊጽካ ገንዘብ ምውሳድ’ውን ከም ገበን ከምዝቝፀር እዩ ዝገልጽ።
እቲ በዓል ሞያ ሕጊ ከምዝብሎ፡ ሓደ ፈጻሚ ገበን ወይ ድማ ጥርጡር ብውልቀ ሓቲቱ ክረኽቦ እንተዘይክኢሉ ናብ ሕጊ ክወስዶ ይግባእ ነይሩ።
“ብስእሊ ኣፈራሪሕካ ዝግበር ግን ልክዕ ኣይኰነን፤ ብድሕሪኡ ኸ እንታይ ኢኻ ክትገብሮ?” ክብል ይሓትት።
እቲ ጉዳይ ቀዳማይ ነገር ናይ ፍትሃብሄር ሕቶ ከምዘይኰነን ዘረድእ ተኽሊት፡ እቲ ዝተወስደ ስጕምቲ ዝተዋቐዐን ዝተሓማዞቐን ከምዝዀነ እዩ ዝገልጽ።
“ንኣብነት ብስእሊ ኣቃሊዑ እንተዝምልሰሉኸ ስቕ ድዩ ክብል? ዘረፋ ዝኣክል ገበን ተፈጺሙ ስቕ ድዩ ክብል” ዝብል ዓብይ ዝበሎ ሕቶ ኣልዒሉ።
እቲ ባንኪ ካልእ ኣማራጺ ዶ ነይሩዎ ንዝብል ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ ድማ፡ ቀዳማይ ነገር በብጨንፈሩ ኣቢሉ ክሓትት ምኸኣለ፡ ካብኡ ቀጺሉ ግን ናብ ፖሊስ ክሲ ገበን ክምስርት ከምዝነበሮ የረድእ።
ጉዳይ ገንዘብ ምስ ፍትሃብሄር ዝተሓሓዝ ስለዝዀነ፡ ቀጺሉ ወይ ድማ፡ ጐድኒ ጐድኑ እቲ ክሲ ገበን ክቕጽል ከምዝነበሮ ወሲኹ ሓቢሩ።
“ናብዚ ምጕታት ንዘይምእታው እዩ ዝመስል ከምኡ ዝገብር ዘሎ። ግን ሕጋዊ መሰረት ዘለዎ ኣይኰነን። ስእሊ ምልጣፍ ተራ ሰብ ክገብሮ ዘይኽእል ዓብይ ጌጋ ዝተፈጸመ እዩ ዝመስለኒ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ እዩ ተዘሪፉ?
ንግዳዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ቴክኒካዊ ጸገም ኣብ ዘጋጠሞ እዋን፡ 2.4 ቢልዮን ብር (40 ሚልዮን ዶላር) ከምዝተዘርፈ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ጠቒሱ።
ፕረዚደንት እቲ ባንክ ኣቤ ሳኖ ግን፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብጠቕላላ ኣብቲ ኣጋጣሚ 10 ሽሕ ሰባት ንኣገልግሎታት እቲ ባንክ ከምዝተጠቐሙ እኳ እንተገለጸ፡ እቲ መጠን ገንዘብ ካብቲ ዝተጠቕሰ “ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ" ኢሉ ነይሩ።
ንሱ ወሲኹ ነቲ መጠን ገንዘብ ንምንጻር ኦዲት ይግበር ምህላውን ገና ከምዘይተወድአን ሓቢሩ።
‘‘ገና ኦዲት ይግበር እዩ ዘሎ፤ እቲ ዝውውር ዝተሓላለኸ እዩ። ሓቀኛ ዝውውር ዝፈጸሙ ከምዘለዉ፡ ዘይብሎም ገንዘብ ዘውጽኡ እውን ኣለዉ፤ ስለዚ ነጻሪ ኢና ዘለና፤ እዚ ድማ ግዜ ይደሊ እዩ’’ ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቡ ነይሩ።
ፕረዚደንት እቲ ባንኪ ኣቤ ሳኖ፡ ናይ ሲስተም ጸገም ኣብ ዘጋጠመሉ እዋን 10 ሽሕ ዝዀኑ "ሓቀኛን ዘይሓቀኛን" ውልቀ ሰባት ዝውውር ገንዘብ ከምዝገበሩ ወሲኹ ሓቢሩ።
ካብ ሕሳብ ናብ ሕሳብ ዝተገበረ ዝውውር፡ ካብቲ ማሽናት ገንዘብ ወጻኢ ዝተገበረ ንላዕሊ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጡ።
ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ የካይዶ ምስ ዘሎ ምምሕያሽ ስርዓት ምትሕልላፍ ገንዘብ ተተሓሒዙ፡ ዓርቢ 6 መጋቢት 2016 ዓ/ም [ግ] ጸገም ኣብ ዘጋጠሞ እዋን፡ ብዙሓት ዓማዊል ኣብ ሕሳቦም ካብ ዘሎ ገንዘብ ንላዕሊ ዝውውር ከምዝፈጸሙ ዕላዊ ከምዝተገበረ ዝዝከር እዩ።
ፕረዚደንት እቲ ባንኪ ኣቤ ሳኖ ከምዝብሎ፡ መብዛሕትኦም ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ካብ ዝዀኑ ዓማዊል እቲ ባንኪ፡ መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዝበጽሖ ብምሕሳብ፡ ገንዘብ ብምዝውዋሮም መንነቶም ዘይፍለጥ መሲልዎም ነይሩ።
እቲ ገበን ተፈጺምዎ ዘሎ ኣካል ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝዀነ ኵነታት ኣብ ዘጋጠሞ እዋን፡ ነቲ ኵነታት ተበሊጽካ፡ ገንዘብ ናይ ምውሳድ ተግባር ዘረፋ ስለዝዀነ፡ ልዕሊ 15 ዓመታት ዘቕጽዕ ገበን ምዃኑ በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ተኽሊት ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







