ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ንሰዓታት ኣብ ዘጋጠሞ ‘ጸገም ሲስተም’ ክንደይ ብር ወጺኡ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 6 መጋቢት 2016 ኣቈጻጽራ ግእዝ ምሸት ኣብ ስርዓት ምዝውዋር ገንዘብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ከምዝተኸስተ ብዝተነግረ ጸገም፡ ልዑል መጠን ገንዘብ ቅኑዕ ብዘይኰነ መገዲ ምውጽኡ ይግለጽ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ንጥፈታት ባንክ እታ ሃገር ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኵነታት ብዘጋጠመ ጸገም፡ ዓማዊል እቲ ባንኪ፡ ልዕሊ ዘዋህለልዎ መጠን ገንዘብ ካብ 'ኤቲኤም' ከምኡ’ውን ብሞባይል ባንኪን ልዑል መጠን ገንዘብ ወሲዶም ኣለው።
ነዚ ስዒቡ እቲ ባንኪ ንዝተወሰነ ግዜ ኣገልግሎታት ደው ብምባል ነቲ ጸገም ክቈጻጸሮ ከምዝኸኣለ እኳ እንተገለጸ፡ በቲ ኣጋጣሚ ክንደይ ገንዘብ ከምዝወጸ ኮነ ከምዝተንቀሳቐሰ ብንጹር ኣይተገለጸን።
ዝተፈላላዩ ምንጭታት፡ እቲ ብዘይግቡእ መገዲ ዝተንቀሳቐሰ ገንዘብ ካብ ኣማኢት ሚልዮናት ክሳዕ ቢልዮናት ብር ከምዝበጽሕ ይግምቱ።
ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽየትድ ፕረስ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ጸገም ኣብ ዘጋጠሞ እዋን፡ 2.4 ቢልዮን ብር (40 ሚልዮን ዶላር) ምዃኑ ጠቒሱ።
ፕረዚደንተ እቲ ባንክ ኣቤ ሳኖ ግና ሎሚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ብጠቕላላ ኣብቲ ኣጋጣሚ 10 ሽሕ ሰባት ንኣገልግሎታት እቲ ባንክ ከምዝተጠቀሙ እኳ እንተገለጸ እቲ መጠን ገንዘብ ካብቲ ዝተጠቕሰ “ኣዝዩ ዝወሓደ እዩ" ኢሉ።
ንሱ ወሲኹ ነቲ መጠን ገንዘብ ንምንጻር ኦዲት ይግበር ምህላውን ጌና ከምዘይተወድአን ሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ እቶም ‘ብዘይግቡእ መገዲ’ ገንዘብ ወሲዶም ዝበሎም ዓማዊል እቲ ባንክ ክሳዕ መወዳእታ እዚ ሰሙን ምስ ዘይመልስዎ ስማቶም ናብ ፖሊስ ክዋሃብ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ኣቶ ሳቤ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዓማዊል ኣብ ሕሳባቶም ዘይነበሮም ልዑል መጠን ገንዘብ ከዘዋውሩ ዝኸኣሉ፡ ኣብ እዋን መስርሕ ምምሕያሽ ስርዓት እቲ ባንክ ብዝተፈጥረ ሃጓፍ ምዃኑ ብምንጻር ብናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ከምዘይኮነ ሓቢሩ ኔሩ።
ንሱ ወሲኺ፡ ኣብቲ ጸገም ኣጋጢሙ ምህላው ኣብ ዝተፈለጠሉ ዓርቢ ምሸት ኣብ ዝነበሩ ሰዓታት መጠኑ ዘየነጸሮ፡ “ዘይጥዑይ” ክብል ዝገለጾ ብዝሒ ገንዘብ ምዝውዋሩ እዩ ገሊጹ።
ኣብታ ሃገር ዝዓበየ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ መዓልቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብቢልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ብዝተፈላለየ መገድታት የንቀሳቕስ።
ኣብቲ እቲ ጸገም ዘጋጠመሉ ሰዓታት ልዕሊ 490 ሽሕ ምዝውዋር ናይ ገንዘብ ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, CBE
እቲ ባንክ ናይ ስርዓት ምብልሻው ምስ ኣጋጠሞ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቂሞም ኣብ ሕሳባቶም እኹል ገንዘብ ዘይነበሮም ክንሶም፡ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ምዝውዋሮም ዝተገለጸ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ክፋላት እታ ሃገር ዝርከቡ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ምዃኖም’ውን ተገሊጹ ኔሩ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣብ ዝተፈላለየ ዩኒቨርስቲታት ዝርከቡ ተማሃሮ ኣብቲ ዕለት እኹል ገንዘብ ከይነበሮም ናብ ናይ ሲቢኢን ካልኦትን ባንክታት ሕሳባቶም ገንዘብ ከዘዋውሩ ምኽኣሎም ኣረጋጊጾም እዮም።
ብዘይካ’ዚ ብለይቲ ኣብ ውሽጢ እተን ዩኒቨርስቲታትን ኣብ ቀረባን ኣብ ዝርከባ ኤቲኤም፡ ተማሃሮ ገንዘብ ንምውጻእ ነዊሕ መስርዕ ጌሮም ምንባሮም ተዛሪቦም።
ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ እቲ ዘጋጠሞ ጸገም ኣብ መንጐ ተማሃሮ ብቕልጡፍ ብቴለፎን ከምዝተዘርግሐ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ተማሃሮ ነጊሮም።
እቶም ተማሃሮ “ዘይገንዘቦም ዘውጽኡ” እቲ ባንክ ናይ ሳይበር መጥቃዕቲ ዘጋጠሞን ክንርከብ ኣይንኽእልን ኢና ካብ ዝብል ዝተስሓሓተ ግምት ምዃኑ እቲ ፕረዚደንት ተዛሪቡ።
እቲ ባንክ እቲ ጸገም ምስ ኣጋጠመ፡ ኣገልግሎታት ክቋረጽ ብምግባር፡ ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ መፍትሒ ድሕሪ ምግባሩ ኣገልግሎቱ ዳግማይ ምጅማሩ ይፍለጥ።
እቲ ባንክ ኣብቲ እቲ ጸገም ዘጋጠመሉ ሰዓታት ንዝተገበረ ምዝውዋር ኣጊዱ መርመራ ክገብር እንከሎ ካብ ሕሳባት ንግዳዊ ባንክ ዝተቐበሉ ናይ ካልእ ባንክ ሕሳባት ከምዘይንቀሳቐሱ ከምዝተገበረ ቢቢሲ ካብ ምንጭታት ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።
ንሕሳባት ዓማዊል ካብ ዝኣገዱ ውልቃዊ ባንክታት ሓደ ዳሽን ባንክ ኰይኑ፡ ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ ሰራሕተኛ እቲ ባንክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ንግዳዊ ባንክ ዘጋጠመ ኵነታት ኣብቲ ባንክ ገለ ሕሳባት ንግዚኡ ተኣጊዶም ምህላዎም ገሊጹ።
ኣብቲ እዋን ልዕሊ 4500 ምዝውዋር ናይ ገንዘብ ናብ ዳሽን ባንክ ከምዝተገበረ ዝገለጸ እቲ ሰራሕተኛ ባንክ፡ ምጽራያት ክሳዕ ዝፍጸም ብዙሕ ሕሳባት ደስኪሉ ኣሎ ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







