ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንዝሕብሩ ሰባት ውዕለት ክኸፍል'ዩ

ጥማር ቅርሺ ኢትዮጵያን ዶላርን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምቁጽጻር ንዝተሓባበሩ ውልቀሰባት ዝተፈላለየ መጠን ገንዘብ ከምዝኸፍል ኣፍሊጡ።

ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ዶክተር ይናገር ደሴ፡ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ መንግስቲ ዘይሕጋዊ ገንዘብ ንምቁፅፃር ዝተፈላለዩ ስጉምትታት ይወስድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ኣብታ ሃገር እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ፡ ምንሃር ዋጋታት ንብረትን መነባብሮን ንምርግጋእ ዘኽእሉ ዝበሎም ዝተፈላለዩ ኣገባባት ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ሃገራዊ ባንኪ፡ ካብቲ ልዕሊ ዝተፈቕደ መጠን ገንዘብ ዝሓዙ ንዝጥቁሙ 15 ሚኢታዊ፣ ዘይሕጋዊ ሸርፊ ወፃኢ ንዝጥቁሙ 15 ሚኢታዊ፣ ዘይሕጋዊ ሓዋላ ንዝሕብሩ ድማ 25 ሽሕ ቅርሺ ውዕለታ ከምዝኸፍል እቲ ኣመሓዳሪ ሓቢሩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ዘይሕጋዊ መሸጣ ወርቂ ንዝሕብር 15 ሚኢታዊ ዋጋ እቲ ኣብ ቀይዲ ዝውዕል ወርቂ ዝኸፍል ኮይኑ፡ ምሕታም ናይ ሓሶት ባጤራ (ቅርሺ) ንዝጥቁም ድማ፡ ካብ 20 ሽሕ ክሳብ 200 ሽሕ ብር ከምዝኽፈል ተገሊፁ ኣሎ።

ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ኣብ ምጥቋም ንዝተሓባበሩ ሰባት ንምትብባዕ፡ እቲ ክፍሊት ውዕለት ዝምልከትን ድሕነቶም ዝተሓለወ ክኸውን ንምግባርን፡ መምርሒታት ተዳልዮም ከምዘለዉ እቲ ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንኪ ወሲኹ ገሊጹ።

ካብ ናይ ውሽጢ ሃገር ጸሊም ዕዳጋ ባጤራ ገዚኦም፡ ካብ ወፃኢ ኣቑሑት ዘእትዉ ውልቀሰባትን ትካላትን፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዘለዎም መጠን ገንዘብ፡ ንሃገራዊ ባንኪ ናይ ባንኪ 'ስቴትመንት' ከቕርቡ'ውን ክግደዱ እዮም።

ዋጋ ሸርፊ ዶላር፡ ኣብታ ሃገር ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እናወሰኸ ዝመጽአ ዀይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ መጠን ሸርፊ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝለዓለ ምዃኑ ይገልጹ።

ኣብ ሕጋዊ ባንኪ፡ ንሓደ ናይ ኣመሪካ ዶላር ከባቢ 52 ብር ዝሽረፍ እንትኸውን፣ ኣብ ፀሊም ዕዳጋ ድማ ብዕፅፊ ይሽየጥ ከምዘሎ ነጋዶ ይዛረቡ።

ነዚ ንምቁፅፃር ድማ፡ መንግስቲ ነቶም ጥርጡራት ዘይሕጋውያን ነጋዶ፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ቀይዲ ከእቱ ከምዝፀንሐ ይግለጽ።

ዶክተር ይናገር ደሴ ከምዝብሎ፡ 391 ሰባት ብዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ንጥፈታት ሓዋላን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ጉዳዮም ብሕጊ ይረአ ኣሎ።

ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ፡ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ተሓባበርቲ ዝኾኑ ሓለፍቲ ባንክን ሰራሕተኛታትን ምፅራያት ይካየደሎም ከምዘሎ ገሊጹ።

ሃገራዊ ባንኪ፡ ቅድሚ ሕዚ፡ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ልዕሊ 100 ሽሕ ብር፡ ትካላት ድማ ልዕሊ 200 ሽሕ ብር ኣብ ኢዶም ክሕዙ ከምዘይግባእ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።