ኢትዮጵያ፡ ተመሃሮ ኣብ ሓደ ለይቲ ናብ 'ሃብታማት' ዝቐየረ ቴክኒካዊ ጸገም ባንኪ

ኤ-ቲ-ኤም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘጋጠሞ ናይ “ሲስተም ጸገም” ስዒቡ ኣብ ናይ ባንኪ ሒሳቦም እኹል ገንዘብ ዘይብሎም ግን ድማ ነቲ ጸገም ተጠቒሞም ብዙሕ ገንዘብ ዘዘዋወሩ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ ከምዝኾኑ ተገሊጹ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ጅማ ሓደ ናይ 5ይ ዓመት ተመሃራይ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ብዘሓት ተመሃሮ እቲ ዩኒቨርስቲ ኣብ ባንኪ እኹል ገንዘብ ዘይብሎም ክንሶም ካብ ኤቲኤም መሽናት ካሽ ከምዘውጽኡን ናብ ናይ ካልኦት ሒሳብ ባንኪ ገንዘብ ከምዘሰጋገሩ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ዓርቢ ፍርቂ ለይቲ ሰዓት 6፡30ን ካብ ቤተ መጽሓፍቲ ወጽኤ ናብ መደቀሰይ ከይደ ደቂሰ። ክሳብ ሽዑኡ ዋላ ሓንቲ ዝሰማዕኹዎ ነገር ኣይነበረን። ተመሃሮ ከባቢ ሰዓት 7 ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ክዛረቡ ሰሚዔ ካብ ምድቃሰይ ነቒሔ” ይብል እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተመሃራይ።

ክሳብ ሰዓት 8 ዝኸውን ተመሃሮ ካብተን ኣብቲ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ ዘለዋ ኤቲኤም መሽናት ገንዘብ የውጽኡ ከምዝነበሩን ድሓር ግን ፖሊስ መጺኡ ደው ከምዘበልዎን ሓቢሩ።

“ብግምት ከባቢ ሰዓት 8 ብኤቲኤም ገንዘብ ምውጻእ ይኹን ኦንላይን ባንኪንግ ተቛሪጹ”ኢሉ።

ንጽባሒቱ ቀዳም ዩኒቨርስቲ ጅማ ዘይናቶም ገንዘብ ዝወሰዱ ተመሃሮ ነቲ ገንዘብ ክመልስዎ ከምዘለዎም ዘጠንቅቕ ምልክታ ከምዝወጽአ ዝሓበረ እቲ ዘዘራረብናዮ ተመሃራይ፡ እቶም ገንዘብ ዝወሰዱ ተመሃሮ ይመልስዎ ስለምህላዎም ግን ርግጸኛ ከምዘይኮነ ተዛሪቡ።

ገለ ካብ 'ኤ-ቲ-ኤም' (ATM) ገንዘብ ከውጽኡ ዝተረኸቡ ተመሃሮ ግን ብፖሊስ ከምዝተትሓዙ ተገሊጹ።

ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተመሃራይ ዩኒቨርስቲ ዲላ፡ ገለ ተመሃሮ ዓርቢ ካብ ሰዓት 6 ክሳዕ 8 ለይቲ ካብ ኤቲኤም ገንዘብ ከውጽኡን ብኦንላይን ገንዘብ ከዘዋውሩን ከምዝተዓዘበ ገሊጹ።

“ክሳዕ ሓደ ሚልዮን ብር ዝግመት ገንዘብ ዘዘዋወረ ተመሃራይ ከምዘሎ ሰሚዒና” ይብል ንሱ።

ሎሚ ሰኑይ ድማ ፖሊስ ፈዴራል ኣብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርስቲ ከምዝረኣየን፡ ገንዘብ ኣዘዋዊሮም ንዝተብሃሉ ተመሃሮ ይኣስሩ ከምዘለዉ ምስማዑን ሓቢሩ። እንተኾነ ገንዘብ ዝወሰዱ ተመሃሮ ክመልሱ ድልየት ዘለዎም እኳ እንተለዉ ንኽመልሱ ከምዝፈርሑ ግን ተዓዚቡ።

እቲ ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ (commercial bank) ዘጋጠመ ናይ “ሲስተም ጸገም” ኣብ ተመሃሮ ዩኒቨርስቲ እታ ሃገር ብስፍሓት ዝተናፈሰ ክኸውን እንከሎ እቲ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ተመሃራይ ዩኒቨርስቲ ዲላ “ኣነ’ውን ስልከይ ሳይለንት ገይረ ደቂሰ ኮይነ እምበር ኣዕርኹተይ ደጋጊሞም ደዊሎሙለይ ነይሮም’ዮም” ኢሉ።

ዩኒቨርስታት ብፍላይ ኣዲስ ኣበባ፣ ሃዋሳን ጅማን ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይናቶም ገንዘብ ዝወሰዱ ተመሃሮ ስጉምቲ ከምዝወሰዱ መጠንቅቕታ ኣውጺኦም ነይሮም።

ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሰራሕተኛ ዩኒቨርስቲ ዲላ፡ ነቲ ጸገም ተጠቒሞም ገንዘብ ወሲዶም ዝነበሩ ተመሃሮ ብፍቓዶም ዝመለሱ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢሩ። ምንጭና ከምዝሓበሮ ዛጊት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ገንዘብ ብፍቓድ እቶም ዝወሰዱ ተመሃሮ ከምዝተመለሰ ጠቒሱ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ እቲ ጸገም ከምዘጋጠሞ ምስተፈለጠ ኩለን ኣብታ ሃገር ዝሰርሓ ባንክታት ናይ ኤቲኤም ኣጎልግሎተን ንሓደ ሰዓት ክቋረጽ ብሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ መምርሒ ከምዝተውሃበን ምንጭታት ቢቢሲ ሓቢሮም።

ካብቶም ገንዘብ ብብዝሒ ዝተዘዋወረሎም ባንክታት ሓደ ዳሽን ባንክ ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ሓደ ሽሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሰራሕተኛ እቲ ባንኪ፡ ሽዑ መዓልቲ 4500 ሰባት ካብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ናብ ዳሽን ባንኪ ገንዘብ ከምዘዘዋወሩ ሓቢሩ።

እቶም ገንዘብ ዝተዘዋወረሎም ሒሳብ ባንክታት ከምዝተኣገደ እውን ምንጭና ሓቢሩ።

ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ እቲ ናይ ኣጎልግሎት ምቁራጽ ብሰንኪ “ዘጋጠመኒ ናይ ሲስተም ጸገም” እዩ ካብ ዝብል መግለጺ ካልእ ዝሃቦ መብርሂ የለን።