ሰራዊት ትግራይ ሒዝዎም ካብ ዝጸንሐ ናይ ውግእ መስመራት ይወጽእ ምህላዉ ተገሊጹ

ሰራዊት ትግራይ ካብቲ ሒዝዎ ዝጸንሐ መስመራት ናይ ውግእ ይወጽእ ምህላው ማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣቓሊሐን።

እቲ ብዝሑ ዘይተገለጸ ሰራዊት ካብቲ ዝጸንሖ ግንባራት ደቡብ፡ ማይቅነጣል፡ ዛላምበሳ፡ ነበለት፡ ጨርጨር፡ ኩኩፍቶ፡ ሕጉምብርዳ፡ በሪ ተኽላይን ኣበርገለን ካብ ትማሊ ጀሚሩ ክወጽእ ከምዝጀመረ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። 

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኣብ ዩትዩብ ኣብ ዝተዘርገሐ ቪድዮ'ውን፡ ሰራዊት ህወሓት ብመሰረት ኣብ ሞንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብ ጽባሕ ቀዳም ጀሚሮም ከበደቲ ብረታታቶም ከረክቡ ምዃኖም ገሊጹ።

እቲ ኣምባሳደር “ብዘዕባ ምርካብ ከበድቲ ብረታት ዝምልከት፡ ንሶም [ህወሓት] 17 ሕዳር’ዮም ብረቶም ከረክቡ ነይርዎም፡ እንተኾነ እዚ ክትግበር ኣይክኣለን ሕጂ ግን 3 ታሕሳስ ከረክቡ ተወሲኑ’ሎ” ኢሉ።

ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቒ ሰራዊት ትግራይን ኣተገባብራኡን ዝምልከት መደብ ንኸውጽእ ዝቘመ ሓባራዊ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ካብ 30 ሕዳር 2022 ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሽረ ኣኼባ የካይድ ምህላዉ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ፕሪቶርያን ኣብ ናይሮብን ብዝገበርዎ ዘተ፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ገደብ ክኣቱን ሰራዊት ህዝባዊ ወያን ሓርነት ትግራይ ዕጥቑ ክፈትሕን፡ ማዕረ ማዕረኡ ድማ "ሓይልታት ወጻእን፡ ካብ ምዱብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ" ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይልታትን ካብ ትግራይ ክወጽኡ ዝብል ነጥብታት ዝሓዘ ውዕል ከምዝኸተሙ ዝዝከር’ዩ።

እዚ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን ብመሰረት ኣብ ናይሮቢ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣቐዲሙ ክራኸብ መደብ'ኳ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት እቲ ርክብ ከምዝተደናጐየ እቲ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ሽረ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ሓባራዊ ኮሚቴ ንኽንደይ መዓልታት ከምዝካየድ'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ክዛዘም ምዃኑ እቲ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን ኣመልኪቱ'ሎ።

ኣምባሳደር ባጫ ደበለ ብወገኑ ኣዝዘቲ ናይ ክልቲኡ ወገን፡ ንኣገባብ ኣፈታትሓ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን እቶም መዕጡቓት ኣብ ዝተመደበሎም ቦታ ብሓደ ዝእከብሉ ኣገባብን ኣመልኪቶም “መዓልታዊ ኣኼባ የካይዱ ኣለዉ” ኢሉ።

እቲ ኣምባሳደር “ኣነ ብዝረኸብክዎ ሓበሬታ እቲ ንዕጡቓት ኣብ ሓደ ቦታ ናይ ምእካብ መስርሕ ተጀሚሩ ኣሎ” ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቀይሕ መስቐል ኢትዮጵያ፡ 13 መካይን ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀልን 3 መካይን ናይ ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያን ኣስታት 200 ቶን መግብን መድሃኒትን ዝርከቦ ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን ናብ መቐለ ከምዝኣተዋ ገሊጹ።

እተን መካይን ካብ ማሕበር ሽኮርያ ኢትዮጵያ ዝተወፈየ ኢንሱሊንን ንድያሊሲስ ዘድሊ ነገራትን’ውን ከምዝተማልኣ እቲ ብቀይሕ መስቐል ኢትዮጵያ ብትዊተር ዝተመሓላለፈ መልእኽቲ የረድእ።