እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢራን፡ ምስ ተቓውሞታት ብዝተሓሓዝ ብሞት ዝተቐጽዐ ሞሕሰን ሸካሪ
ኢራን ንሓደ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ናዕብታት ብምስታፉ ዝተኸሰሰ ዜጋ እታ ሃገር ብሞት ቀጺዓ።
ሞሕሰን ሸካሪ፡ ሓሙስ ንጉሆ ብማሕነቕቲ ከምዝተቐተለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ።
ሰውራዊ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር፡ "ሞሃረበህ" (ኣንጻር ኣምላኽ ጽልኢ) ፈጺሙ ብዝብል ክሲ ገበነኛ ኮይኑ ብምርካቡ'ዩ ንሞት ፈሪድዎ ነይሩ።
ሞሕሰን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ንሓደ ካብ ቀንዲ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ጣህራን ከምዝዕጾ ዝገበረን ብጎዞማ ሓደ ኣባል ጸጥታ ዘቑሰለን "ናዕበኛ" ዝብል ክሲ'ውን ቀሪብሉ ነይሩ።
"ንራኣዩለይ ኣብ ዝተኻየደ ዘይግቡእ ፍርዲ" እዩ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ ክብል ሓደ ኢራናዊ ተሓላቒ ተቓውምኡ ገሊጹ።
"ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ መርሸንቲ ቅልጡፍን ሓያልን ግብረመልሲ ክህበሉ ኣለዎም" ክብል ዳይረክተር ናይቲ ኣብ ኖርወይ ዝመደበሩ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን ዝተባህለ ጉጅለ ማሕሙድ ኣሚሪ-ሞጋዳም ጸዊዑ።
"መርሸንቲ ሞሕሰን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዕቱብ ሳዕቤን እንተ ዘይኣብጺሑ፡ ጃምላዊ መርሸንቲ ናዕበኛታት ከጋጥም'ዩ"
ሚዛን ዝተባህለ ማዕከን ዜና ክፍሊ ፍትሒ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሞሕሰን ሸካሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 መስከረም ንጎደና ሳታር ካሃን ከምዝዓጸወን፡ ንሓደ ኣባል ባሲጅ ዝተባህለ ሓይሊ ጸጥታ ብጎዞሞ ክሃርም ፈቲኑ ዝብል ክሲ ነቲ ሰውራዊ ቤት ፍርዲ ቀሪብሉ።
ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር ድማ ብረት ብምውጥዋጥ "ክቐትል፡ ግብረሽበራ ከስዕብን ጸጥታ ሕብረተሰብ ዘሪጉን" ብዝብል በቲ ቤት ፍርዲ ናይ ሞት ፍርዲ ተወሲኑሉ።
ይግባይ ኢሉ'ኳ እንተነበረ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብ20 ሕዳር እቲ ቀዳማይ ፍርዲ ክጸንዕ ብምውሳኑ ኣይሰለጦን።
ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት ኢራን ከምዝብሎ፡ ሞሕሰን "ኣብ ዝምርመረሉ ዝነበረ እዋንን [ፍርዳዊ] መስርሕን ምስ ጠበቓኡ ከይራኸብ ተሓሪሙ"።
እቲ ዓቃባዊ ኣገልግሎት ዜና ፋርስ'ውን ሰዓታት ቅድሚ ምርሻኑ "ግዱድ ኑዛዘ" ኣቃሊሓ ነይሩ። ኣብቲ ዝተቓልሐ ቪድዮ፡ ኣብ ምዕጉርቱ ጎርጺ ይርአ።
ሰውራዊ ኣብያተ-ፍርዲ እታ ሃገር ንካልኦት 10 ሰባት'ውን ምስቲ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ተመሳሳሊ ክስታት "ጽልኢ ኣንጻር ኣምላኽ" ወይ "ብልሽውና ኣብ ምድሪ" ንሞት ተፈሪዶም ምህላዎም ሰብመዚ ኣፍሊጦም።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝብሎ፡ እቲ ፍርዲ፡ "ነቲ ህዝባዊ ምልዕዓል ንምጭፍላቕ" ከምኡ'ውን "ኣብ ህዝቢ ራዕዲ ንምፍጣርን" ዝዓለመ'ዩ።
ሰውራዊ ኣብያተ-ፍርዲ ብጽልዋ ሓይልታት ጸጥታን ስለያን ነቲ "ዘይርትዓዊ ፍርድታት" ይህቡ ከምዘለዉ'ውን ኣምነስቲ ይኸስስ።
ሓላፊ ፍትሒ እታ ሃገር፡ ጎላምሑሴን ሞሕሰኒ ኢጀይ፡ "ንቀንዲ ባእታታት ናይዚ ናዕቢ ዘየድሊ ምድንጋጽ ገዲፎም ተሪር ፍርዲ ወስኑሎም" ክብል ንዳያኑ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።
ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር'ውን ኣብ ልዕሊ'ቶም ኣንጻር እታ ሃገር "ኲናት ዝኣወጁ" ዝበልዎም ናዕበኛታት "ወሳኒ ስጉምቲ" ክውሰድ ክጽውዑ ጸኒሖም።
ሓላፊ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ተርክ፡ ኣብ ኢራን እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ ናይ ሞት ፍርዲ "ዘሰንብድ" ምዃኑ ይገልጽ።
ድሕሪ 2017፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ጥራይ ልዕሊ 400 ብሞት ከምዝተቐጽዑ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ ናዕብታት፡ መጎልበቢ ኣይገበረትን ብዝብል ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ጓል 22 ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምማታ ዝተወልዐ'ዩ።
እቲ ናዕቢ ካብ ርእሰከተማ ጣህራን ሓሊፉ ናብ 160 ከተማታትን 31 ኣውራጃታትን ልሒሙ። እዚ ድማ ድሕሪ'ቲ እስላማዊ ስርዓት ዝተኸለ ናይ 1979 ሰውራ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ሰብመዚ ግን፡ እቲ ናዕቢ ብወጻእተኛታት ዝድገፍ "ምልዕዓል" ምዃኑ'ዮም ዝምጉቱ። ዝበዝሕ እቲ ተቓውሞታት ግን ዘይጎነጻውን ሰላማውን'ዩ ነይሩ።
ፕረዚደንት ኢራን ነበር መሓመድ ካታሚ ግን፡ ነቶም ንመሰላት ደቂኣንሰትዮ ንምጥባቕ ተቓውሞታቶም ዘስምዑ ዜጋታት ዘለዎ ናእዳ ገሊጹ'ሎ።
እቲ ወዲ 79 ዓመት ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ዘይልሙድ መግለጺ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር "ግዜ ከይቀደሞም" ንጠለባት እቶም ናዕበኛታት ክቕበሉ ተማሕጺ። ሓይልታት ጸጥታ ንዝወስድዎ ዘለዉ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ድማ ነቒፉ።
ነቲ "ጓልኣንስተይቲ፡ ህይወት፡ ናጽነት" ጭርሖ ናይቲ ህዝባዊ ተቓውሞታት ድማ፡ ሕብረተሰብ ኢራን ናብ ብሩህ መጻኢ ገጹ ይጓዓዝ ከምዘሎ ዘርኢ "ጽቡቕ ጭርሖ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ካብ 1997 ክሳብ 2005 ንክልተ እብረ ነታ ሃገር ዝመርሓ ጸጋናይ ካታሚ፡ "ናጽነትን ጸጥታን ንሓድሕዶም ከምዝጻረሩ ጌርካ ምቕራብ ክፍቀድ የብሉን" ብምባል ብስም ምስፋን ጸጥታ ናጽነታት ምርጋጽ ወይ ምእንቲ ናጽነት ጸጥታ ዕሽሽ ክብሃል ቅኑዕ ኣይኮነን ኢሉ።
ዛጊት ብውሕዱ 475 ሰባት ኣብቲ ተቓውሞታት ብሓይልታት ጸጥታ ተቐቲሎም ኣለዉ። ልዕሊ 18,240 ኸኣ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኢራን ግን፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ዝርከብዎም ልዕሊ 200 ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።