ኢራን፡ ራፐር ተቓዋሚ መንግስቲ ብሞት ክቕጻዕ ይኽእል እዩ

ኣንጻር መንግስቲ ኢራን ንዝተኻየዱ ሰልፍታት ተቓውሞ ዝደገፈ ኢራናዊ ራፐር፡ ብሞት ከቕጽዕ ብዝኽእል፡ “ኣብ ምድሪ ዝፍፀም ገበን ብልሽውና” ተኸሲሱ።

ወዲ 31 ዓመት ራፐር ቱማጅ ሳለይሂ፡ ፕሮፖጋንዳ ብምልባዕ፡ ምስ ጸላኢ ብምትሕብባርን ኣንጻር መንግስቲ ጐነጽ ብምንዕዓብን ተጠርጢሩ ክሲ ከምዝተመስረቶ፡ ሓደ በዓልመዚ ቤት-ፍርዲ ኢራን ተዛሪቡ።

እዚ በዓል ስልጣን፡ ሳሌይሂ ቱማጅ ጠበቓ እንከይሃለዎ እዩ ክሲ ተመስሪትዎ ንዝብል ነቐፌታ ይነጽግ።

ራፐር ሳለይሂ ኣንጻር መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተፀምቢሩ ክቃወም እንከሎ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ (ቪድዮ) ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ’ዩ ተኣሲሩ።

ቱማጅ ሳለይሂ፡ ቅድሚ 10 ሰሙናት ጓል 22 ዓመት ማህሳ ኣሚኒ ዝተበሃለት መንእሰይ፡ ንጽኑዕ ሕጊ ሕጃብ እታ ሃገር ጥሒሳ ብዝብል ብፖሊስ ተኣሲራ እንከላ ሂወታ ድሕሪ ምሕላፋ ዝተወልዐ ናዕቢ ተቓውሞ መንግስቲ ዝድግፍ ደርፊ ራፕ ሰሪሑ እዩ።

ኣብ ኢራን ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብዚ ተቓውሞ ዛጊት ብውሑዱ 451 ሰልፈኛታት ከም ዝተቐተሉን 18 ሽሕን 170 ሰባት ከም ዝተኣሰሩን ኣፍሊጡ። እቲ ትካል 60 ኣካላት ጸጥታ ከም ዝሞቱ’ውን ሓቢሩ።

እቲ ራፐር ቅድሚ ምእሳሩ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ “ነቐፍቲ ቪድዮታት ምዝርጋሕ፡ ብሓይልታት እቲ ስርዓት ዒላማ ንኽትከውን ስለዝገብር ከቢድ ከም ዝኾነ” ገሊፁ ነይሩ።

ኢራናውያን ኣብ ዘሰምብድ ኵነታት ይነብሩ ከምዘለዉ ዝሓበረ ቱማጅ ሳለይሂ፡ “ኢራናውያን፡ ነቲ ስልጣኑ፡ ገንዘቡን ኣፅዋሩን ንምውሓስ ክብል ምሉእ ህዝቢ እታ ሃገር ንምቕታል ድሉው ዝኾነ ማፊያ ስርዓት ይጋጠሙ ኣለዉ” ኢሉ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኢራን፡ ራፐር ቱማጅ ሳለይሂ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ እንከሎ ዘርእይ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣመሓላሊፉ ነይሩ።

ኣብቲ ምስሊ፡ ኣዒንቱ ብጨርቂ ዝተሸፈነ ሰብ ኣብ መሬት ተንበርኪኹ፡ ሳለይሂ ከምዝዀነ ብምሕባር፡ ኣብ ሓደ ሰልፊ ተቓውሞ ኣካላት ፀጥታ ኢራን ንኽሃድሙ ምዝራቡ ጥፍኣት ከም ዝኾነ፡ ብዘንቀጥቅጥ ድምፂ ክዛረብ ይስማዕ።

ሓሳብካ ብነጻነት ኣብ ምግላፅ ኣድሂቡ ዝሰርሕ ትካል ኣርቲክል 19፡ ሳለይሂ ብኣስገዳድ ቃል እምነት ከም ዝህብ ምግባር ኰኒኑ።

ኣብ ለንደን ዝነብር ዘመድ እቲ ራፐር ዝዀነ ኣዛዴህ ባባዲ፡ ኣብ ልዕሊ ሳለይሂ ንምብያን ስኑዕ መረዳእታ ክቐርብ ከም ዝኽእል ንሲቢሲ ገሊፁ።

ኢራናውያን ከየንቲ፡ ንማእሰርቲ እቲ ራፐርን ነቲ ሞት ፍርዲ ከስዕብ ዘኽእል ክሲን ብምቅዋም፡ ብመገዲ ትዊተር ሓሳቦም ይገልፁ ኣለዉ።

ብዙሓት ኢራናውያን ከየንቲ ነዚ ተቓውሞታት ብምድጋፎም ብመንግስቲ እታ ሃገር ክእሰሩ እንከለዉ፤ መንግስቲ ካብኣቶም ንውሑዳት ጥራይ እዩ ፈቲሑ።