ተመራመርቲ ንኤችኣይቪ ካብ ዋህዮታት ቈሪጾም ክኣልዩ ምኽኣሎም ገሊጾም

ተመራመርቲ ብኤችኣይቪ ካብ ዝተለኽፈ ዋህዮ፡ ነቲ ቫይረስ ከኣልዩ ምኽኣሎም ገሊጾም።

እቲ መስርሕ ሽልማቶ ኖቤል ብዝተዓወተ ቴክኖሎጂ ‘ጂን-ኤዲቲን’ ከምዝተኻየደ እቶም ተመራመርቲ ይሕብሩ።

ኣዝዩ ረቂቕ እኳ እንተኾነ ልክዕ መቐስ ዝመስል መሳርሒ ብምጥቃም፡ ነቲ “ዘየድሊ” ዲኤንኤ ከምዝእለ ወይ ከምዝለምስ ይግበር።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዕላማ፡ ንመላእ እቲ ኣካል ካብቲ ቫይረስ ነጻ ምግባር ኰይኑ ውሑስን ውጽኢታውን ምዃኑ ንምርግጋጽ ብዙሕ ስራሕ የድሊ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ዝርከቡ መድሃኒታት ነቲ ቫይረስ ደው ከብልዎ እኳ እንተከኣሉ፡ ከወግድዎ ግና ዓቕሚ የብሎምን።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ፈተነኡ ነዚ ከዕውት ዝኸኣለ፡ እቲ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣምስተርዳም ዝርከብ ጉጅለ ንርኽበቱ ኣመልኪቱ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፡ እቲ መስርሕ ብዙሕ ከምዝጐድሎን ንኤችኣይቪ ዝፍውስ መድሃኒት ንክኸውን ጌና ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኖቲንግሃም ኣብ ሕክምና ስተም ሴልን ፈርዕን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ዶክተር ጀምስ ዲክሰን ብወገኑ፡ እቲ ሓድሽ ርኽበት ብግቡእ ክምርመር ኣለዎ ይብል።

“እዚ መስርሕ ኣብ መላእ ኣካላት ክፍጸም ከምዝኽእል ንምርኣይ፡ ብዙሕ ስራሕ ከድሊ እዩ። እዚ ኤችኣይቪ ኣብ ዘለዎም ሰባት ጽልዋ ንክህልዎ ብዙሕ ምዕባለ የድሊ” ኢሉ።

ካልኦት ተመራመርቲ’ውን ነቲ ሽልማት ኖቤል ዝረኸበ መገዲ ብምጥቃም ኤቼኣይቪ ንምፍዋስ ይጽዕሩ ኣለው።

ኤግዚዥን ባዮ ተራፕዩቲክስ፡ ሰለስተ ኤችኣይቪ ዝነበሮም ወለንተኛታት ድሕሪ 48 ሳምንታት፡ ዝኾነ ከቢድ ጐድናዊ ሳዕቤናት ከምዘይተራኣዮም ገሊጹ።

ለንደን ኣብ ዝርከብ ኢንስቲትዩት ፍራንሲስ ተመራማሪ ዝኾነ ዶክተር ጆናታን ስቶይ ብወገኑ ንኤችኣይቪ ካብ ዝተበከለ ዋህዮ ምፍልላይ “ኣዝዩ ከቢድ” ስራሕ እዩ ይብል።

ወሲኹ ከኣ “ሕጂ’ውን እቲ ዘሰክፍ፡ ጐድናዊ ሳዕቤናቱ እንታይ ክኸውን ይኽእል ዝብል እዩ፡” ኢሉ።

ኤችኣይቪ ኣብ ደም ምስ ዝኣቱ ብቕልጡፍ ብምዝርጋሕ፡ ኣካላትና ንሕማማት ናይ ምክልኻል ዓቕሙ የዳኽም።

ብኤችኣይቪ ዝተጠቕዑ መብዛሕትኦም ሰባት፡ ተረፍ ዘመን ህይወቶም ጸረ-ኤችኣይቪ መድሃኒት ክወስዱ የድልዮም።

ነቲ መድሃኒት ምውሳድ ምስ ዘቋርጹ፡ እቲ ምስፍሕፋሕ ኣቋሪጹ ዝነበረ ቫይረስ ተበራቢሩ ጸገም ከስዕበሎም ይኽእል።

ካብ ኤችኣይቪ ምሉእ ብምሉእ ነጻ ክኾኑ ዝኸኣሉ ሰባት ኣዝዮም ሒደት እዮም። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ከኣ ነቲ ከቢድ ሕክምና መንሽሮ ኣብ ዝገበሩሉ እቲ ቫይረስ ብምጥፍኡ እዩ።

እንተኾነ ኤችኣይቪ ንምጥፋእ እዚ መገዲ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ሞያውያን ኣይመኽሩን።