እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጥኑሳትን ኤችኣይቪ ዘለዎምን ኣመልከትቲ ከይቁጸሩ ዝገበረ ትካል ቊጠዐ ፈጢሩ
በዓል መዚ እቶት ኬንያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ ምልመላ ሰራሕተኛታት፡ ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ኤድስ ዘለዎምን ጥኑሳትን፡ ከይቁጸሩ ገይሩ ዝብል ሓበሬታ ምውጽኡ ስዒቡ ኣባላት ቤት ምኽሪ የጻርዩዎ ከምዘለዉ ተገሊጹ፡፡
በዓል መዚ እቶት ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 133 ኣመልከትቲ ስራሕ ናይ ጥዕና ምርመራ ድሕሪ ምግባሮም ካብ ውድድራት ከምዝሰረዞም ገሊጹ።
እቶም ካብ ውድድር ዝተሰረዙ ኣመልከቲ፡ ከም ኣኽበርቲ ምእካብ ግብሪ ንዝጻወትዎ ተራ ንምድላው፡ ንኡስ ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ተዳልዮም ነይሮም።
ሕጊ ኬንያ ኣብ ምቑጻር ሰራሕተኛታት ኩነታት ጥዕና መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ክፍጸም ዝኽልክል’ዩ።
እቶም ዝተመልመሉ ሰራሕተኛታት ሕክምናዊ መርመራታት ከምዝተገብረሎም ዝገልጽ ዜና ምስተቓልሐ ንኣባላት ባይቶ ከምዘሰንበደን ከምዘቖጥዖምን ይግለጽ።
ኣቦ መንበር ኮሚቴ ሃገራዊ ምትእስሳርን ማዕረ ዕድላትን ዝኾነ ኣባል ባይቶ ምዕራብ ማንደራ፡ ኣዳን ሓጂ "ኣብቲ ምልመላ ከቢድ ግህሰት መሰላት ከምዝተፈፀመ ዘጠራጥር ኣይኮነን" ይብል።
ንላዕለዎት ሰበስልጣን በዓል መዚ እቶት ኬንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ልዕሊ 20 ዓንቀጻት ቅዋምን ዝምልከቶም ሕግታት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝጠሓስኩም ተቐበልዎ" ኢሉ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን በዓል መዚ እቶት ኬንያ ዝኾነት ሪስፓህ ሲሚዩ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣስታት 1400 ተሓጋገዝቲ ኣገልግሎት እቶት ንኡስ ወተሃደራዊ ስልጠና ዘካየደ ሓይልታት ምክልኻል ኬንያ "ኩሉ ግዜ ንዝተመልመሉ ሰባት መርመራ ኤችኣይቪ/ኤይድስን መርመራ ጥንስን ይገብር’ዩ" ኢላ።
እታ ሓላፊት ኣስዒባ “እቲ ስራሕ ንኡስ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝሓትት ስለዝኾነ ኣካላዊ ብቕዓትን ኣብ እዋን ልምምድ ምክልኻል ህይወትን ይሓትት" ዝበለት ኮይና "እቲ ናይ ጥዕና ምርመራ መሰረት ዝገበረ ምልመላ ድልውነት ስልጠና ንምዕቃብን ንኽመልመሉ ዝኽእሉ ሰባት ሓደጋ ንምንካይን ዝሕግዝ'ዩ ነይሩ" ኢላ።
ዋና ኮሚሽነር በዓል መዚ እቶት ኬንያ ሃምፍሪ ዋታንጋ፡ ነቲ ኮሚቴ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ናይ 133 ውጽኢት ምርመራ ምስጢራዊ ምዃኑን ሰባት ኤችኣይቪ/ኤይድስ ስለዘለዎም ኣድልዎ ተፈጺምዎም ንዝብል ክሲ ግን ነጺግዎ።
እቶም ኣባላት ባይቶ ግን፡ ሕጊ እታ ሃገር ኩነታት ጥዕና ሓደ ሰብ ኣብ ምልመላ ኣድልዎ ዝኽልክል ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቶም ኣመልከቲ ስራሕ ንምንታይ ከምዝተነጽጉ ክፈልጡ ጠሊቦም።
እቶም ሓገግቲ ኣካላት ነቲ ብሓለፍቲ እቶት ዝተዋህበ መብርሂ ብምንጻግ፡ ኩሉ ንኡስ ወተሃደራዊ ስልጠናታት መርመራ ኤችኣይቪ ኣየድልዮን እዩ ኢሎም።
ኣብቲ ምልመላ ግደ ወተሃደራዊ ሓይሊ እውን ኣብ ሕቶ ምልክት ኣእትዮምዎ።
እቶም ኣባላት ባይቶ ምሉእ መርመራ ክካየድ ከምዝሰርሑ ድማ ቃል ኣትዮም።
"እዚ ጉዳይ ግዜ የድልዮ'ዩ፡ ቅድሚኡ ግን፡ በዓል መዚ እቶት ንምንታይ ነቶም 133 ብቕልጡፍ ክቖጽሮም ከነገድዶ ከምዘይብልና መብርሂ ክህበሉ ይግባእ" ይብል ኣባል ባይቶ ካሲፑል ኦንግኦንዶ ዌረ።
ኣባል ባይቶ ሰሜን ተሶ ኦኩ ካውንያ "ውሳኔታትናን እማመታትናን ንኻልኦት ትካላት ከም ኣብነት ንኸገልግሉ፡ ኣብ ስርሓት በዓል መዚ እቶት ብዕምቆት ክምርመር" ጸዊዑ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ክልተ ማሕበረሰብ ጥራይ ቆላሕታ ዝገበረ መስርሕ ቁጻር እዩ ብዝብል መበገሲ ናይ 1406 ሰራሕተኛታት እቶት ምልመላ ድሕሪ ውዱቕ ምግባሩ ኣብ ክልተ ሰሙኑ’ዩ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ መብዛሕትኦም ምልመላታት ካብ ብሄራት ፕረዚደንትን ምክትል ፕረዚደንትን ስለዝተኻየደ እቲ ከይዲ ምልመላ ዘይ ሕገ መንግስታዊ ምዃኑ ወሲኑ።
በዓል መዚ እቶት ብዙሓት ኣመልከቲ እቶም መራሕቲ ካብ ዝተረኸብሉ ብሄራት ከምዝነበሩ ዘቕረቦ መርትዖ ብመረዳእታ ዝተደገፈ ከምዘይኮነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።