እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ፡ ሓደ ሰብ ተዅሲ ከፊቱ 6 ሰባት ቀቲሉ
ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ቨርጂንያ ኣብ እትርከብ ቼሳፔከ እትበሃል ከተማ፡ ኣብ ሓደ ዕሙር ድኳን ሓደ ሰብ ብዝኸፈቶ ኣድራጋ ተዅሲ ኣስታት 6 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ፖሊስ እታ ኸተማ ገሊጹ።
ጸበጻባት ካብታ ከተማ ከም ዝሕብርዎ፡ እቲ ተዅሲ ከፊቱ ሰባት ዝቐተለ ውልቀ ሰብ ናይቲ ዎልማርት ዝተበሃለ ዓቢ ማእከል ዕዳጋ ሓላፊ መኽዘን ከም ዝዀነን ንሓያለ ሰባት ድሕሪ ምቕታል ንሱ’ውን ነብሰ ቕትለት ፈጺሙ።
ምምሕዳር እታ ኣብ ምብራቕ ክፍለ ግዝኣት ገማግም ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ እትርከብ ከተማ ቼሳፔክ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ፡ “ፖሊስ ከም ዝሓበሮ ኣብ ዎልማርት ሓደ ውልቀ ሰብ ብዝኸፈቶ ተዅሲ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ” ይብል።
ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዉሱን ሓበሬታ’ዩ ተዋሂቡ ዘሎ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ከተማ፡ “ትሕቲ ዓሰርተ ሰባት” ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ሰባት ከምዝቘሰሉን ብምሕባር፡ መንቐሊ እቲ ብነብሰ ቕትለት ዝተዛዘመ መጥቓዕቲ ከምዘይፈለጥዎን የጻርይዎ ከምዘለዉን ሓቢሩ።
ጸብጻብ ፖሊስ እቲ መጥቃዕቲ ብኣቈጻጽራ እቲ ከባቢ፡ ከባቢ ሰዓት 10:12 ድሕሪ ቐትሪ ከምዝተፈጸመ ይሕብር።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ እታ ከተማ ልዮ ኮሲንኪ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ውሽጢ ዎልማርት ከምዝተኻየደን እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ በይኑ’ዩ ነይሩ ኢሎም ከምዝግምቱን ሓቢሩ።
ትካል ዎልማርት ኣብ ዝጸሓፎ ናይ ሓዘን መልእኽቲ፡ “ኣዝዩ ዘሰንብድ ፍጻመ” ብምባል ምስ ኣኽበርቲ ሕግን ጸጥታን ብሓባር ኰይኑ ይሰርሕ ምህላዉ ሓቢሩ።
ሰነተር ክፍለ ግዝኣት ቨርጅንያ ሎሲ ሉካስ ብወገና፡ “ኣዝዩ ዘሰንብድ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ” ብምባል ገሊጻቶ።
እታ ሰነተር ኣስዒባ፡ “እዚ ኣብ ሃገርና ብብረት ዝተሰነየ ጐነጽ መፍትሒ ከይተረኸቦ ኣይክድቅስን’የ” ኢላ።
ኣብ 2019’ውን ኣብ ከተማ ኢል ፓሶ ኣብ ዝርከብ ዎልማርት ብዝተፈጸመ ተመሰሳሊ መጥቃዕቲ 23 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝዝከር’ዩ።