ካርዲናል ዝርከቦም 11 ኣቡናት ብጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሶም

ካርዲናል ፈረንሳ ጂን-ፒየር ሪቻርድ ሓደ ካብቶም ብጾታዊ ዓመጽ ዝተኸሰሱ 11 ኣብ ኣገልግሎት ዘለዉ ወይ ኣቡናት ነበር ከም ዝዀኑ እታ ቤተ ክርስቲያን ገሊጻ።

እቶም ካርዲናል ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ቅድሚ 35 ዓመት ካህን ሰበኻ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ንሓንቲ ጓል 14 ዓመት ከም ዝዓመጹን፡ ሕጂ ካብ ኣገልግሎት ከም ዝርሕቁን ሓቢሮም።

ቅድሚ ሓደ ዓመት፡ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ፈረንሳ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝንቀሳቐሱ ኣሽሓት ምስ ህጻናት ጾታዊ ርክብ ዝፍጽሙ ሰባት ምህላዎም ዘርኢ መርትዖ ተረኺቡ ነይሩ።

ኵሎም እቶም ሕጂ ብጾታዊ ዓመጽ ዝኽሰሱ ዘለው 11 ካህናት፡ ኣብታ ቤተክርስቲያን ክሲ ወይ ስነምግባራዊ ስጕምቲ ክውሰዶም ትጽቢት ይግበር።

እዚ፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳ ኣብ ሉርድስ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣቡናት ፈረንሳ እዩ ወግዓዊ ኰይኑ ዘሎ።

ሊቀ ጳጳሳት ኤሪክ ደ ሞሊንስ-ቢውፎርት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቅድሚ 20 ዓመታት ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሞም ብዝብል ክሲ ካብ ኣገልግሎት ዝተሰናበቱ ሓደ ኣቡን ክረተል ነበር ሚቸል ሳንቲየር ዝርከቡዎም 11 ካህናት ምዃኖም ሓቢሮም።

እቲ ካብ ካርዲናል ሪቻርድ ዝተጻሕፈ ደብዳበ ከንብቡ እንከለው፡ ምስ ሓንቲ ጓል 14 ዓመት፡ "ብዝንቀፍ ኣገባብ" ከም ዝተራኸቡን፡ ኣብ ልዕሊኣ ከቢድን ዘላቕን ሳዕቤን ከም ዘውረዱን ጠቒሱ።

ን18 ዓመታት ካህን ቦርዶክስ ኰይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ2019 ጡረታ ዝወጽኡ ወዲ 78 ዓመት ካርዲናል ጂን-ፒየር ሪቻርድ፡ እታ ግዳይ ንዘብጽሑላ ጉድኣት ይቕሬታን ምሕረትን ሓቲቶም።

ናይ ሕጂ ካህን ዣን ፖል ጀምስ ነተን ግዳያት ዘለዎም ድንጋጸ ብምግላጽ፡ ኣብ ሃገረ ስብከት ግህሰት ዘጋጠሞ ሰብ ብግልጺ ወጺኡ ክዛረብ ጸዊዖም።

ሓላፊ እቲ ጉባኤ፡ ብዘይካ እቶም ካርዲናልን ሚቸል ሳንቲየርን፡ ሽዱሽተ ጳጳሳት ብቤት ፍርዲ ወይ ብቤተ ክርስቲያን ተኸሲሶም ከም ዝነበሩን ሓደ ካብኣቶም ከም ዝሞተን ሓቢሮም።

ካልኦት ክልተ ኣቡናት ነበር ፍርዳዊ መርመራ ክግበረሎም እንከሎ፡ ሳልሳይ ድማ ናብ ኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝተሓበረ ወሲኾም ሓቢሮም።

ኣብ ፈረንሳ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝተመስረተ ናጻ ኮሚሽን ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብ 1950ታት ጀሚሩ ኣስታት 216,000 ህጻናት ግህሰት ከም ዝወረዶምን፡ መብዛሕትኦም ካብ 10-13 ዓመት ዝዕድመኦም ኣወዳት ምዃኖምን ኣረጋጊጹ።

ሓላፊ እቲ ፓነል፡ ኣስታት 3200 ዝበጽሑ ግህሰታት ዝፈጸሙ ከም ዘለዉን፡ ገና ገበናዊ ስጕምቲ ክውሰድ ኣብ ዝኽእለሉ 22 ጉዳያት ዝተኣከበ መርትዖታት ንኣኽበርቲ ሕጊ ከም ዝተዋህበን ገሊጹ።

ፈረንሳ፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝቐርቡ ብዙሓት ክስታት ጾታዊ ዓመጽ ዘናወጸን ሃገራት እያ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ጳጳስ ፍራንሲስ ጾታዊ ዓመጽ፡ ህጻናት ንጾታዊ ርክብ ምጥቃም፡ ናይ ቈልዑ ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ ምውናንን ዝፍጸሙ ዓመጻት ምሕባእን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ቫቲካን ገበን ምዃኖም ንምምልካት ሕጊ እታ ቤተ ክርስቲያን ክቕየር ገይሮም’ዮም።

ኣብቲ ኣብ ሉርድስ ዝተኻየደ ጉባኤ ካህናት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ፡ ቤተ ክርስቲያን ፈረንሳ ብገለ ጓሶታ ብዝፍጸም ዘሎ ግህሰት መሊሳ ከም ዝተዋሕጠት ገሊጾም።