'ብድቁሳ ጾታዊ ርክብ ትፍጽም እያ ብዝብል፡ ናይ ዓመጽ ክሰይ ተሰሪዙ’

ጄድ ማክሮሰን-ኔተርኮት ዝጀመረቶ ናይ ዓመጽ ክሲ፡ "ሴክስሶምንያ" ዝበሃል ሳሕቲ ዝርአ ኵነታት ከምዘጋጠማ ስለዝገለጸት፡ ብኣገልግሎት ኣኽባር ሕጊ (ሲፒኤስ) እቲ ክሲ ክቋረጽ ተገይሩ። ኣኽባር ሕጊ፡ ብሰንኪ እቲ ኵነታት ፍርዲ ክህብ ከምዝኽእል እምነት ኣይነበሮን። ነቲ ውሳነ ዝተቓወመት ጄድ ግን ጉዳያ ዳግማይ ክምርመር ኣዋርሕ ኣሕሊፋ።

ኣኽባር ሕጊ ግን ሕጂ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ዘይምግባሩ ጌጋ ከምዝነበረ ኣሚኑ ይቕሬታ ሓቲቱዋ ኣሎ።

ግን ኣብ ምንታይ እዩ ጌጋ ተፈጺሙ? እቲ ፍጻመታት ዝተኸታተለ ቢቢሲ፡ ጉዳይ ጄድ ከምዚ ዝስዕብ የቕርቦ።

እቲ ክሲ እንታይ እዩ?

ኣብ 2017 ሰንበት ምሸት እዩ ነይሩ። ኣብ ደቡባዊ ለንደን ኣብ ዝርከብ ገዛ ኣብ ሶፋ ደቂሳ ዝነበረት ጄድ ክትበራበር እንከላ ንገዛእ ርእሳ ፍርቂ ነብሳ ዕርቃና ወጺኣ፡ ስልማት ክሳዳ ተበቲኹ፡ ኣብ መሬት ወዲቝ ረኸበቶ።

እታ ጓል 24 ዓመት መንእሰይ፡ ገለ ናብ ውሽጣ ሰሪጹ ከም ዝነበረ ጽዑቕ ስምዒት ተሰሚዕዋ፡ ብድቁሳ ከም ዝተዓመጸት ሓሲባ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት እቲ ከም ዝዓመጻ ዝተኸሰሰ ሰብኣይ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ሒደት መዓልታት ምስ ተረፎ፡ ጠበቓታት ኣገልግሎት ኣኽባር ሕጊ - ሲፒኤስ - ኣብ መደበር ፖሊስ ንህጹጽ ኣኼባ ጸዊዖምዋ።

ጉዳያ ይስረዝ እዩ ነይሩ። ጠበቓ ሲፒኤስ፡ ክልተ ክኢላታት ድቃስ፡ ኣብቲ ጉዳያ ርእይቶኦም ከም ዝሃቡን ጄድ ሓደ ፍጻመ ‘ሴክስሶምንያ’ ኣጋጢምዋ ንቕሕቲን ፍቓደኛን መሲላ ተራእያ ክትከውን ከምትኽእል ገሊጾም።

‘ሴክስሶምንያ’ እንታይ ማለት እዩ?

‘ሴክስሶምንያ’ ብሕክምና ኣፍልጦ ዘለዎ ጸገም ኰይኑ ሓደ ካብቶም 'ፓራሶምንያ' ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ እዋን ድቃስ ዘጋጥሙ ዘይተለምዱ ስምዒታትን ባህርያትን እዩ። ንኣብነት ብድቁሶም ተንሲኦም ዝዛወሩ ሰባት ኣለዉ።

‘ሴክስሶምንያ’ ድማ ነቶም ብድቁሶም ከም ግብረ-ሕቡእ፡ ጾታዊ ምንቅስቓሳት፡ ጾታዊ ዓመጽ፡ ወይ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝኣመሰሉ ጾታዊ ባህርያት ዝዋፈሩ ሰባት ይገልጽ።

እዚ ኵነታት ዘለዎም ሰባት ጾታዊ ባህርያት ኣብ ዝፍጽሙሉ እዋን ኣዒንቶም ክኸፍቱን ጾታዊ ድምጽታት ከስምዑን ዝኽእሉ'ኳ እንተዀኑ፡ ካብ ድቃሶም ገና ኣይተበራበሩን። ሓንሳብ ምስ ተበራበሩ ድማ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ነገር ኣይፈልጡን እዮም።

ብመሰረት ሕጊ ዓዲ እንግሊዝን ዌልስን፡ ሓደ ሰብ ደቂሱ እንተዀይኑ ንጾታዊ ርክብ ከምዝተሰማምዐ ኣይቍጸርን። ይዅን እምበር፡ ሓደ ሰብ ፍቓድ ከምዝረኸበ "ምኽንያታዊ እምነት" እንተሃልይዎ፡ ብዓመጽ ገበነኛ ከምዘይኰነ'ውን ይገልጽ።

ጄድ፡ ሴክስሶምንያ ኣለዋ ድዩ የብላን?

"ሃንደበት ካበይ ከምዝመጸ ኣይፈለጥናን፡ ኣደናጊሩና" ክትብል ጄድ፡ ክሳብ ሽዑ ብዛዕባ ‘ሴክስሶምንያ’ ሰሚዓ ከምዘይትፈልጥ ትገልጽ።

"ኣብ ውሽጢ 13 ዓመታት ክልተ ናይ ነዊሕ ግዜ ርክብ ነይሩኒ፡ ከምዚዓይነት ነገር ግን ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን።"

እቲ ብኣገልግሎት ዓቃብ ሕጊ - ሲፒኤስ ዝተዋህበ ውሳነ፡ እቲ ጉዳይ ክዕጾን፡ ተኸሳሲ ብወግዒ ነጻ ክኸውንን ማለት እዩ።

ጄድ፡ ብዛዕባ ድቃሳ ንመጀመርታ ግዜ ዝተሓተተት፡ ቃላ ክትህብ ናብ መደበር ፖሊስ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን እዩ ነይሩ።

ካብ ሓደ ኣባል ፖሊስ ንዝቐረበላ ሕቶ መልሲ ኣብ ዝሃበትሉ እዋን፡ ወትሩ ዓሚቝ ድቃስ ከምትድቅስን ኣብ ዕድመ ንእስነታ ሓደ ክልተ ግዜ ብድቁሳ ከም ዝተዛወረትን ገሊጻ።

እዚ ርእይቶ፡ ኣብቲ ምሉእ እቲ ኣድካሚ መስርሕ ክሳብ ጉዳያ ዝቋረጽ ተረሲዑ ዝጸንሐ እዩ ነይሩ።

ኣብታ ዝተበሃለት ምሸት እንታይ’ዩ ኣጋጢሙ?

ናብ ፖሊስ ደዊላ እቲ መስርሕ ክጅመር ዝገበረት ቤል ዝተበሃለት ብልጽቲ መሓዛ ጄድ እያ።

ክልቲአን፡ ኣቐዲመን ምሸት ናብ ኣብ ደቡባዊ ለንደን ዝርከብ ባር ወጺአን ነይረን።

መስተን ዕላልን ዝነበሮ ደስ ዝብል ምሸት ነይሩ። እቲ ባር ክዕጾ እንከሎ ቤል ታክሲ ጸዊዓ። ጄድ ግን ምስ ውሑዳት ሰባት ናብ ገዛ ሓደ ዓርካ ከይዳ ናይ መወዳእታ መስተ ክትሰቲ ወሲና።

ከባቢ ሰዓት ክልተ ለይቲ፡ ሰባት ኣብቲ ሳሎን ገና እናዕለሉ ከለዉ፡ ምስ ምሉእ ክዳና ኮቦርታ ተሸፊና ኣብ ኩርናዕ ሶፋ ጥቕልል ኢላ ደቂሳ።

ሰዓት ሓሙሽተ ካብ ድቃሳ ክትበራበር እንከላ መትሓዝ ጡባ ተፈቲሑ፡ ስረኣን ሙታንታኣን ወጺኡ ከምዝነበረ ትዛረብ። ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ናይቲ ደቂሳትሉ ዝነበረት ሶፋ ሓደ ሰብኣይ ከም ዝረኣየት’ውን ትገልጽ።

"እንታይ ተፈጢሩ? እንታይ ጌርካ?' ኢለ ኣፋጢጠሉ። ግን 'ዝተበራበርኪ መሲሉኒ' ኢሉኒ።”

"ተሲኡ ወጹኡ ከይዱ፡ ነቲ ማዕጾ ድማ ክፉት ገዲፍዎ። ኣነ’ውን ተሌፎነይ ኣውጺአ ንቤል ክድውለላ ጀሚረ..."

ክልተ ፖሊስ መጺኦም ንጄድ ናብ መርመራ ፎረንሲክ ወሲዶምዋ። ኣብቲ መርመራ፡ ኣብ ርሕሚ ጄድ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ተረኺቡ፤ ናይቲ ኣብ ሶፋ ዝነበረ ሰብኣይ ከምዝዀነ ድማ ተረጋጊጹ።

እቲ መስርሕ ጉዳይ ጄድ

እቲ ጥርጡር ኣብ መጀመርታ ብፖሊስ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን ዝዀነ ርእይቶ ኣይሃበን። ኣኽባር ሕጊ ብዓመጽ ክኸሶ ወሲኑ። ንሱ ግን ገበነኛ ከምዘይኰነ ገሊጹ። መስርሕ ፍርዲ ዝጅመረሉ ዕለት ተወሲኑ።

ግን ከይተጀመረ ተሪፉ።

ጄድ፡ ኣኽባር ሕጊ ጉዳያ ምቁራጹ ጌጋ ምዃኑ ከተረጋግጽ ቈሪጻ ተላዒላ ነይራ፤ ይግባይ ክትብል ዘለዋ ግዜ ውሱን እዩ ነይሩ።

ቃለ መሕትት ፖሊስ፡ ውጽኢት መርዛም ነገራት፡ መግለጺ መሰኻኽርን ጸብጻብ ክኢላታት ድቃስን ንዅሉ መርትዖታትን ክወሃባ ሓቲታ ንዅሎም ድማ መርሚራ።

በቲ ዘንበበቶ፡ ብፍላይ ድማ ብርእይቶ እቶም ክልሰ-ሓሳባት ክኢላታት ድቃስ ሰንቢዳ። ክልቲኦም ክኢላታት ብኣካል ረኺቦምዋ ኣይፈልጡን፡ ርእይቶኦም ግን ጉዳያ ንኽዕጾ ዘኽእል ዓቢ ትርጕም ዘለዎ እዩ ነይሩ።

እቲ ብተኸሳሲ ወገን ዝቐረበ ቀዳማይ ክኢላ፡ ጄድ እዋን ‘ሴክስሶምንያ’ ከምዘጋጠማ "ሓያል ተኽእሎ" ከምዘሎ ብምድምዳም፡ "ከም ሓደ ኣዒንቱ ከፊቱ ብንጥፈት ኣብ ጾታዊ ርክብ ዝተዋፈረን ደስታ ዘርኢን ሰብ ዝበለ ባህርያት ኣርእያ ክትከውን ትኽእል እያ" ኢሉ።

ብድሕሪኡ ኣኽባር ሕጊ ናይ ገዛእ ርእሱ ክኢላ ቈጺሩ። "ዋላ ኣብ 16 ዓመት ዕድመ ሓደ ግዜ ዘጋጠመ ታሪኽ ብድቁስካ ምጕዓዝ፡ ከምኡ'ውን ቀጻሊ ብድቁስካ ምዝራብ ወይ ዝዀነ ስድራቤታዊ ታሪኽ፡ ‘ሴክስሶምንያ’ ዝምልከት ዝንባለ ንምምስራት ምሉእ ብምሉእ እኹል እዩ" ክብል ደምዲሙ።

ጄድ ቃላት ስኢና። "እዚ ከመይ ገይሩ ሓደ ዝተነጸለ ፍጻመ [ናይ ‘ሴክስሶምንያ’] ክኸውን ከም ዝኽእል፡ እዚ ድማ በቃ ብኣጋጣሚ ሓደ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክገብር ፈጺመ ክፈቕደሉ ዘይደሊ ሰብ ምሳይ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን ከጋጥም ከም ዝኽእል ኣይርድኣንን'ዩ" ትብል።

ጄድ ገንዘብ ከፊላ ናይ ገዛእ ርእሳ ርእይቶ ክትረክብ ወሲና። ናብ ኣብ ለንደን ኣብ ሆስፒታል ድቃስ ዝሰርሕ ዶክተር ኢርሻድ ኢብራሂም ድማ ከይዳ።

ኣብ ጉዳያት ዓመጽ ርእይቶ ክኢላ ናይ ምሃብ ተመኵሮ ዘለዎ ዶክተር ኢርሻድ፡ ግዳይ ‘ሴክስሶምንያ’ ከጋጥሞ እዚ ናይ መጀመርታ ግዜ እዩ። ኣብ ካልኦት ክሲታት፡ እቶም ተኸሰስቲ እዮም ‘ሴክስሶምንያ’ ከምዘለዎም ዝገልጹ።

ቢቢሲ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣካይዱ’ኳ እንተነበረ፡ ተኸሳሲ፡ እቲ ከሳሲ ‘ሴክስሶምንያ’ ኣለዎ ዝበለሉ ካልእ ናይ ዓመጽ ጉዳይ ግን ኣብ ብሪጣንያ ክረክብ ኣይከኣለን።

ዶክተር ኢብራሂም፡ ሳይንሳዊ መጽናዕቲ ድሩት ከምዝዀነን ‘ሴክስሶምንያ’ ንምፍላጥ ዝሕግዝ ንጹር መንገዲ ከምዘየለን ይገልጽ። ንሱ፡ ዘጋጠምዎ ሰባት ብተለምዶ ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖምን ብድቁሶም ጾታዊ ባህሪ ናይ ምርኣይ ታሪኽ ከምዘለዎምን ይሕብር።

ጄድ፡ ኣብ እዋን ድቃስ ንዝፍጠር ማዕበል ሓንጐል፡ ምስትንፋስን ምንቅስቓስን ዝከታተል መርመራ ድቃስ (ፖሊሶሞኖግራፊ) ተገይሩላ።

እቲ መርመራ ከምዘመልክቶ፡ ጄድ ከምትሕርንኽን ቀሊል ‘ስሊፕ ኣፕንያ’ (ኣብ እዋን ድቃስ ምትንፋስ ደው ዝብለሉን ዝጅምረሉን ልሙድ ኵነታት) ኣሎዋ። እዞም ክልተ ኵነታት ንሴክስሶምንያ ክድርኹ ዝኽእሉ ረቛሒታት ስለዝዀኑ ጄድ ዝተነጸለ እዋን ሴክስሶምንያ ኣየጋጠማን ኢልካ ምድምዳም ከምዘይከኣል ዶክተር ኢብራሂም ይገልጽ።

ጄድ፡ ኣብቲ ዘጋጠማ ነገር ሴክስሶምንያ ተሓታቲ ክኸውን ዝኽእለሉ ዕድል ብንጹር ንኽነግራ ሓቲታቶ።

"እዚ ናይ ቢልዮን ዶላር ሕቶ እዩ" ይብል ዶክተር ኢብራሂም። "ውዱእ፡ እወ ወይ ኣይፋል ዝብል መልሲ ምሃብ ኣይክኣልን'ዩ።"

ጄድ ብድሕሪኡ'ውን ሴክስሶምንያ ከምዘይብላ እያ ትኣምን። እንተዀነ ግን እቶም ክኢላታት የብላን ክብሉ ብዘይምኽኣሎም ጕህያ።

ብሰንኪ ሴክስሶምንያ ‘ገለ ገበነኛ ሰባት ነጻ ይዀኑ’

ጄድ፡ ሴክስሶምንያ ከም መከላኸሊ ክቐርብ እንከሎ፡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ብኸመይ ከም ዝርአ ዝያዳ ክትፈልጥ ናብ ጠበቓ ኣቕኒዓ።

ባሪስተር ኣሊሰን ሳመርስ ኬሲ፡ ሴክስሶምንያ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ሰብ ኣብ ዝተኸሰሰሉ ጉዳያት ዓመጽ ዝተኸላኸለት ጠበቓ እያ።

ንሳ፡ ክኢላታት ድቃስ ዳርጋ ፈጺሞም ሓደ ሰብ እቲ ኵነታት ኣለዎ ድዩ የብሉን ብውዱእ ክዛረቡ ከምዘይክእሉ፡ እንተዀነ "ይከኣል እዩ" ምባል ንዳያኑ ገበነኛ ኣይኰነን ኢሎም ንኽፈርዱ እኹል ክኸውን ከምዝኽእል ንጄድ ገሊጻትላ።

"ከም ውጽኢት ናይዚ፡ ገለ ገበነኛ ሰባት ነጻ ዝዀኑ ይመስለኒ ድዩ? እወ። ብሓፈሻ ግን ከበድቲ ገበናት ዝፈጸሙ ኰይኑ ግን ብሓቂ ገበነኛ ዘይኮኑ ሰባት ካብ ዝፍረዶም፡ ገለ ገበነኛ ሰባት ነጻ እንተዀኑ እየ ዝመርጽ" ኢላ።

"እቲ እንኮ ክብሎ ዝኽእል ነገር እንተሃልዩ፡ እቲ መስርሕ ገበናዊ ፍርዲ ነቶም ሓቀኛታት ካብቶም ዘይሓቀኛታት ጉዳያት ንኽፈልዩ ከኽእሎም ተስፋ እገብር።"

ክሲታት ሴክስሶምንያን ተመሳሰልቲ ኵነታትን ኵሉ ግዜ ኣብ ቤት ፍርዲ ብጽኑዕ ክብድሁ ከምዘለዎም መምርሒታት ኣኽባር ሕጊ ይገልጽ።

ጉዳይ ጄድ ግን ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ኣይፈልጥን። ብመጽናዕታ ተዓጢቓ፡ ግዳይ ናይ ምግምጋም መሰል ተባሂሉ ዝፍለጥ ይግባይ ኣቕሪባ።

‘ብስም ኣኽባር ሕጊ ዘይተገደበ ይቕሬታ ​​እሓትት’

ካብቲ ነቲ ጉዳይ ንምዕጻው መበገሲ ውሳነ ዝወሰደ ክፍሊ ኣኽባር ሕጊ - ሲፒኤስ - ነጻ ዝዀነ ዋና ኣኽባር ሕጊ፡ ንዅሉ መርትዖታት እንደገና መርመሮ።

እቲ ጉዳይ ናብ ፍርዲ ክቐርብ፡ ከምኡ'ውን ርእይቶ ናይቶም ክኢላታት ድቃስ፡ ጸብጻብ ተኸሳሲ፡ ክምርመሩ ከምዝነበሮም ደምዲሙ።

ዳያኑ ነቲ ተኸሳሲ ክፈርዶ "ዝያዳ ተኽእሎ" ምሃለወ ነይሩ ኢሉ።

"እንታይ ከም ዘሕለፍክን ከመይ ከም ዝስምዓክን ክግምት ኣይክእልን። ኣብ እዋን መርመራ፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ልዕለኺ ዘስዓቦ ኣዕናዊ ጽልዋ ኣስተብሂለሉ እየ" ክብል ንጄድ ጽሒፉላ።

"ዋላ’ኳ ንዓኺ ብዙሕ ምጽንናዕ እንተዘይሃለዎ፡ ብስም ሲፒኤስ ግን ዘይተገደበ ይቕሬታ ​​እሓትት።"

ንጄድ፡ ጉዳያ ናብ ዳያኑ ክቐርብ ነይርዎ ዝብል ኣፍልጦ መሪርን ጥዑምን ነይሩ፤ ምኽንያቱ እቲ ተኸሳሲ ሓደ ግዜ ብወግዒ ገበነኛ ከምዘይኰነ ተነጊሩ እዩ። ስለዚ ብዘይ ኣስገዳዲ ሓድሽ መርትዖ ንኻልኣይ ግዜ ክኽሰስ ኣይክእልን።

"ፍትሒ ክረክብ ተስፋ የብለይን" ትብል ጄድ። እንተዀነ፡ ካልኦት ተመሳሳሊ መከራ ከይሓልፉ፡ ሲፒኤስ ካብዚ ትምህርቲ ከምዝወስድ ተስፋ ኣለዋ።

ክሳብ መስከረም 2021 ኣብ ዝነበረ ዓመት፡ ኣብ እንግሊዝን ዌልስን ብፖሊስ ካብ ዝተመዝገቡ ጉዳያት ዓመጽ፡ ኣብቶም 1.3 ሚእታዊ ጉዳያት ጥራይ እቶም ጥርጡራት ክኽሰሱ ከም ዝተገበረ ኣሃዛት ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ይሕብሩ።

ሲፒኤስ፡ "ከም ዓመጽ ዝኣመሰሉ ህይወት ዝቕይሩ ገበናት ብኸመይ ከም ዝሕዙ ንምምሕያሽን፡ ብኸመይ ከም ዝተሓዙ ንምምሕያሽ ድማ ምስ ፖሊስ ብቐረባ ከምዝሰርሑን" ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

ጄድ፡ ዝወረዳ ጉድኣት ንክኽሕስ ንሲፒኤስ ከሲሳ ኣላ።