እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና ምስ ኣመሪካ ዝጀመረቶ ኣገዳሲ ምትሕብባር ደው ኣቢላ
ቻይና ምስ ኣሜሪካ፡ ኣብ ለውጢ ክሊማ፣ ወተሃደራዊ ዝርርብን ኣህጉራዊ ገበናት ንምምካት ኣብ እትገብሮ ፃዕርን ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ኣገዳሲ መዳያት ዝነበራ ምትሕብባር ደው ከምዘበለት ኣፍሊጣ።
እዚ ሓድሽ ስጉምቲ፡ ብላዕለዋይ ዲሞክራት፡ ናንሲ ፔሎሲዝምራሕ ልኡኽ ኮንግረስ ኣሜሪካ ናብ ታይዋን ድሕሪ ምኻዱ ስዒቡ'ዩ።
ንወ/ሮ ፔሎሲን ስድራቤታን’ውን እገዳ ከም እትገብር ዘፍለጠት ቻይና፡ እቲ ምብጻሕ ነቲ ኣብ ልዕሊ ታይዋን ኣለኒ እትበሎ ልኡላውነት ከም ብድሆ’ያ ትርእዮ።
እታ ባዕላ እተመሓድር ደሴት ታይዋን ግን፡ ኣካል ቻይና ገይራ ኣይትቖጽርን።
እቶም ስጉምትታት ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ትማሊ ዓርቢ እዮም ዕላዊ ኮይኖም።
ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካን ቻይናን ክግበር ተወጢኑ ዝነበረ ዘተ ክስረዝ እንከሎ፡ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ምምላስ፡ ለውጢ ክሊማን ምጽራይ ኣህጉራዊ ገበናትን ዝምልከት ምትሕብባር ደው ክብል ምዃኑ ገሊጹ።
ክልቲአን ሓያላት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ክሊማ ንምምካት ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት ይገብራ ምንባረን ይዝከር።
ኣብ መወደእታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ግላስኮ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ክሊማ፡ ቻይና ልቀት ትኪ ንምንካይ ብቕልጡፍ ምስ ኣሜሪካ ክትሰርሕ ምዃና ቃል ኣትያ ነይራ።
እተን ሃገራት፡ ከም ፈንታኒልዝ ኣመሰሉ ንግዲ ዕጸ ፋርስ ንምምካት፡ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እውን ሳሕቲ ዝረአ ሓባራዊ ምኽንያት ረኺበን እየን።
እቲ ምትሕግጋዝ ደው ናይ ምባል ውሳነ፡ ወ/ሮ ፔሎሲ "ንሓያል ተቓውሞ ቻይና ዕሽሽ ኢላ" ናብ ታይዋን ስለዝበጽሐት ዓጸፋዊ ምላሽ ምዃኑ ሚኒስትሪ ቻይና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ልኡኽ ኣሜሪካን ሚስ ፔሎሲን - ድሕሪ 25 ዓመታት ናብታ ደሴት ዝተጓዕዙ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎም ፖለቲከኛታት ኣመሪካ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ “ቅሉዕ ትንኮያታት” ክብል ኮኒንዎ።
ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ሁዋ ቹንዪንግ፡ ብዓርቢ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሐቶ መልእኽቲ፡ ንፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ምስቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ጆርግ ፍሎይድ ዝቐተለ ፖሊስ ኣነጻጺራቶ።
"ኣሜሪካ ንነብሳ ከም 'ፖሊስ ዓለም' ጌራ ክትወስዳን ንኻልኦት ሃገራት፡ ከም ጆርጅ ፍሎይድ፡ ከም ድላያ ክትደፍአንን ክትሓንቐንን ክንፈቅድ ኣይንኽእልን ኢና" ኢላ።
ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ፡ ካሪን ዣን ፒየር ብወገና፡ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሚስ ፔሎሲ ናብ ታይዋን ክትከይድ "ኩሉ መሰል ከም ዘለዋ" ብምግላጽ፡ ቻይና ዝወሰደቶ ሓድሽ ስጉምትታት “ሓላፍነት ዝጎደሎ” ምዃኑ ገሊጻ።
"ረብሓታትናን ክብርታትናን እናተኸላኸልና፡ ምስ ቤጂንግ ክፉት መስመራት ርክብ ንኽህልወና እንገብሮ ጻዕሪ ክንቅጽሎ ኢና" ኢላ።
ኣመሪካ ንታይዋን ብወግዒ ኣፍልጦ እኳ እንተዘይሃበት፡ ምስታ ደሴት ግን ድልዱል ዝምድና ኣለዋ - እዚ ድማ ታይዋን ንነብሳ ንምክልኻል ኣጽዋር ምሻጥ ዘጠቓልል እዩ።
ሚስ ፔሎሲ ኣብዚ እዋን ኣብ ናይ መወዳእታ ዑደታ ኤስያ፡ ኣብ ጃፓን ዘለ ኣኰይና፡ ቻይና "ንታይዋን ካብ ዓለም ነጺላ ናብኡ ገጽና ከይንገይሽ ክትክልክለና ኣይትኽእልን" ክትብል ተዛሪባ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ታይዋን ጆሴፍ ዉ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ዑደት "ምስሊ ታይዋን ሓፍ ዘብልን.. ማሕበረሰብ ዓለም ታይዋን ዲሞክራስያዊት ሃገር ምዃና ንኽርዳእ ዘኽእልን እዩ" ኢሉ ተኸላኺሉ።
ብተወሳኺ ቻይና ዑደት ወ/ሮ ፔሎሲ ስዒቡ፡ ብሓሙስ ኣብ ዙርያ እታ ደሴት ዝጀመረቶ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ልምምድ ኮኒኑ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ቤጂንግ ኣብ ከባቢ እታ ደሴት ኣብ ኣየርን ባሕርን ወትሃደራዊ ልምምድ ተካይድ ከምዘላን እዚ ድማ ክሳብ ሰንበት ክቕፅል ትፅቢት ይግበር። ኣብቲ ወተሃደራዊ ልምምድ፡ ልዕሊ 100 ነፈርቲ ውግእን 10 መራኽብ ውግእን ተሳቲፈን ኣለዋ፡ ገለ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ቻይናን ታይዋንን ዘሎ ዘይወግዓዊ መፍለዪ ዶብ ዝሰገራ ይመስላ። ብውሕዱ ሓደ ባሊስቲክ ሚሳይል፡ ብቐጥታ ኣብ ልዕሊ እታ ደሴት ከምዝተተኮሰ፡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና ሓቢረን።