ኲናት ቓዛ፡ ሓማስ ንዝቐረበሉ ሓድሽ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ መልሲ ሂቡሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓማሳ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ንኽብል ዝቐረበ ንድፈ ሓሳብ መልሲ ከምዝሃበሉ ገሊጹ።
ዝርዝር ናይቲ ብኣሜሪካ፡ ቐጠር፡ ግብጽን እስራኤልን ኲናት ደው ንኽብል ዝተነደፈ ሓሳብ ኣይተገለጸን ዘሎ።
እንተዀነ ኣቐድም ኣቢሉ እቲ ሓሳብ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ሓማስ ካብቶም ጅሆ ዝሓዞም፣ እስራኤል ከኣ ካብቶም ተኣሲሮም ዘለዉ ፍሊስጤማውያን ንኽለዋወጡ ዝሓገዘ እማመ ዝመሳሰል ከምዝዀነ ይግለጽ።
ኣሜሪካን እስራኤልን ነቲ ሓማስ ሂብዎ ዘሎ መልሲ የጽንዓኦ ከምዘለዋ ገሊጸን ኣለዋ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ነቲ ሓማስ ዝሃቦ መልሲ ኣመልኪቱ ሎሚ ረቡዕ ምስ ሰብ መዚ እስራኤል ከምዝዘራረብ ገሊጹ ኣሎ።
ብሊንከን ነቲ ሓምስ ዝሃቦ መልሲ ኣሜሪካ ብኸመይ ከምእትርእዮ’ኳ እንተዘይገለጸ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ግን እስራኤል ነቲ ብሓማስ ዘሎ ሕቶታት ክትቐበሎ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ምዃኑ ኣተንቢሁ’ሎ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓማስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ቀሪቡ ዘሎ ንድፈ ሓሳብ፡ “ብእወታ ከምዝርእይዎ” ብምግላጽ እንተዀነ ንቓዛ ዳግማይ ኣብ ምህናጽ፡ ኣብ ምምላስ ነበርቲ ቓዛ፡ ነቶም ተፈናቒሎም ዘለዉ ሰብኣዊ ሓገዛት ኣብ ምቕራብ ኣብ ዝብል ምምሕያሻት ክግብር ሓቲቶም ከምዘለዉ ሓቢሩ።
እቲ በዓል መዚ ሓማስ ብተወሳኺ ነቶም ተሃሪሞም ዘለዉ ፍልስጤማውያን ክሳብ ናብ ደገ ከይዶም ዝሕከምሉ ዕድላት ክጣጣሕ’ውን ሓማስ ሓቲቱሉ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ኣብ ቓዛ ተዂሲ ደው ከብል ዘኽእል ንድፈ ሓሳብ ናብ ሓማስ ቅድሚ ሰሙን’ኳ እንተተሰደደ፡ ወከልቲ ሓማስ “ዘይንጹርን ኣደናጋርን” ስለዝነበረ ነቲ ዝተሰደደሎም ንድፈ ሓሳብ ንኸጽንዑ ክሳብ ትማሊ ግዜ ከምዝወሰዶም ንሮይተርስ ገሊጾም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቐጠር ሸክ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣ'ታኒ ንመልሲ ሓማስ ብሓፈሻ፡ “ብእወታ” ከምዝርእዮ ሓቢሩ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1200 ብምቕታል ኣስታት 250 ሰባት ጅሆ ድሕሪ ምሓዙን እዩ ኲናት ቓዛ ተወሊዑ።
ካብቲ ዕለት ኣትሒዞም ልዕሊ 27 ሽሕን 500 ሰባት ኣብ ቓዛ ከምዝተቐተሉ ይንገር።
ሓማስ ዘመሓድሮ ክፋል ቓዛ ካብ 2007 ጀሚሩ ብግብጽን እስራኤልን ተኸርዲኑ’ዩ ዝርከብ።
ሓማስ ብሓያለ ሃገራት ከም ግብረ ሽበራዊ ጕጅለ’ዩ ዝፍለጥ።
ኣብዚ ጽሑፍ ናይ ኣዳላዊ ምምሕያሽ ተገይሩ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ ሕዳር ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ብዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ካብቶም ጅሆ ተታሒዞም ዝነበሩ 105 እስራኤላውያንን ወጻእተኛታትን ነጻ ክወጽኡ እንከለዉ ከም መባድልቲ፡ እስራኤል 240 ፍልስጤማውያን እሱራት ነጻ ከምዝሰደደት ይዝከር።
እዚ ንድፈ ሓሳብ፡ ሰራዊት ሓማስ ኣብ ቓዛ ንዝርከቡ መራሕቲ ሓማስ ንምህዳን ዝገብሮ ዘሎ ስርሒታት ጽቡቕ ገስጋስ የርኢ ከምዘሎ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን ይመጽእ ስለዘሎ፡ እስራኤል ክትቅበሎ ዘሎ ተኽእሎ ከጽብቦ ከምዝኽል’ዩ ዝግለጽ።
እንተዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ ነቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ንኸፍትሖም ዝጽውዕ ውሽጣዊ ተቓውሞታት ይብርትዖ ስለዘሎ ነዚ ስምምዕ ክቕበሎ ይኽእል’ዩ ዝብሉ’ውን ኣለዉ።
እቲ ካልእ እስራኤል ነቲ ስምምዕ ክትቅበሎ ክድርኽ ዝኽእል ረቋሒ፡ እቲ ኣብቲ ዞባ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው'ዩ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ተልኣቪቭ ምጋሹ’ውን ንእስራኤል ጸቕጢ ንምፍጣር ክኸውን ከምዝኽል ይግመት።
ኣሜሪካ፡ ብ28 ጥሪ ኣብ ዮርዳኖስ ኣብ ዝርከብ መዓስከራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን ንዝተቐተልዎ ሰለስተ ወተሃደራታ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ዝርከቡ ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት መጥቃዕትታት ትፍጽም’ኳ እንተሃለወት፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ከይዓርግ ብጥንቃቐ ተካይዶ ከምዘላ’ያ ትገልጽ።
ኣሜሪካ፡ እዚ ንድፈ ሓሳብ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪ ከዝልቕ ዝኽእል ከምዝዀነ’ያ ትገልጽ።
እስራኤል ካብቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ 136 እቶም 31 ከምዝተቐተሉ ትማሊ ሰሉስ ብወግዒ ምግላጻ ይዝከር።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ሪር ኣድሚራል ዳንኤል ሃጋሪ ስደራ ናይቶም ዝተቐተሉ 31 ከምዝተነገሩን መንግስቲ እስራኤል ነቶም ዝተረፉ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዎ ንምፍታሕ ይደፍእ ከምዘሎን ገሊጹ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ "እዚ ሞራላዊ፡ ሃገራውን ዓለምለኻውን ግዴታና’ዩ፡ እዚ እቲ ቀንዲ ንምርሓሉ ብሶላ’ዩ ስርሒታታና ከኣ ብኸምዚ ኢና ክንቅጽሎ” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







