"ካብ ሓደ ጫማ፡ ሓድሽ ሽጉጥ ክገዝእ እመርጽ"

ፔንሰን ምሎትስዋ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ኣብ ዝኸዶ ቦታ ሽጉጥ ሒዙ’ዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ። ናብ ድኳናት: ቤት መግቢን ዋላ ናብ ጂምናዝየም ብዘይ ሽጉጥ ክንቀሳቐስ ኣይኽእልን።

እታ ሃገር ማእለያ ዘይብሉ ገበናት ትቃለስ ኣብዘላትሉ ግዜ ምሎትስዋ ሽጉጥ ሒዝካ ካብ ምዛር ካልእ ኣማራጺ ዘሎ ኮይኑ ኣይተሰምዖን።

እቲ ኣብ ስራሕቲ ዩቱብ ዝነጥፍ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣነ ጠንቋሊ ኣይኮንኩን - መዓስ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጸመኒ ፈጺመ ኣይፈልጥን እየ" ኢሉ።

"እቲ ዘሕዝን ግን ንነብሰይ ንምክልኻል ብተደጋጋሚ ሽጉጠይ ክጥቀም ተገዲደ" ክብል ንብዓት እናነብዐ፡ ሓደ ለይቲ ድሕሪ ድራር ሓደ ሌባ ቦርሳኡ ክምንጥሎ ካራ ከምዘውጽኣሉ የዘንቱ።

ሽጉጡ ስሒቡ ነቲ ክሰርቆ ዝፈተነ ኢዱ ንላዕሊ ክገብርን ካራኡ ክድርብይን ብምግባር ካብ መጥቃዕቲ ከምዝድሓነ ዝገልጽ እቲ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዩቱበር፡ እንተኾነ ካብ ምፍርራሕ ሓሊፉ ከምዘይተኮሰሉ ይዛረብ።

ምሎትስዋ ክንደይ ጠበንጃ ከምዘለዎ ካብ ምግላጽ’ኳ እንተተዓቀበ መንግስቲ ህይወት ዜጋታቱ ምውሓስ ስለዘይከኣለ ብጥብቂ ህይወቱ ንምሕላው ከምዝጥቀመሉ ተዛሪቡ።

ነባሪት ጆሃንስበርግ ሊኔት ኦክስሊ ምስ እዚ ትሰማማዕ። ከምዚ ዓይነት ሓደጋታት ሽዑ ንሽዑ ክትገጥሞ ኣለካ ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለዋ።

ደቂ ኣንስትዮ ሽጉጥ ተዓጢቐን ነብሰን ንምክልኻል ዘኽእለን ስልጠና ክትህብ’ውን ጀሚራ እያ።

"ካብ ሓደ ጫማ፡ ሓድሽ ሽጉጥ ክገዝእ እመርጽ" ክትብል እታ 12 መሳርሕታት ዕጥቂ እትውንን ጓል 57 ዓመት ነባሪት ጆሃንስበርግ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ትካላ ‘ገርልስ ኦን ፋየር’፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነተን ዝተዓመጻ፡ ዝተሃርማ፡ ዝተዘረፋ ወይ ገለ ደረጃ ዓመጽ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ይሕግዝ።

ኣብታ ሃገር ዝፍጸም ዘሎ መጠን ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ዓለም ካብ ዝለዓሉ ደረጃታት ሓደ እዩ።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ በዓል ቤታ ኣብ ቅድሚ ዓይና ምስተቐለን ወዲ 6 ዓመት ወዳ ኣብ ግዜ ዝምታ ገዛ ሓደጋ ምስገጠሞን ተጸንቢራትና። እቲ በዓል ቤታ ክቕተል እንከሎ ንሳ ነብሰጾር እያ ነይራ።

"ሰባት ውሕስና ነብስና ኣብ ኢድና ከምዝኾነት ይግንዘቡ ኣለዉ" ዝብል መደምደምታ ዘለዋ መምህር ኣጠቓቕማ ጠበንጃ ሚስ ኦክስሊ "ባህሊ ጠበንጃ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ርእሰ ምክልኻልን ኣድላይነትን" ከምዝኾነ’ያ ትምጉት።

ሕጊ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝሕብሮ፡ ሽጉጥ ክሕዙ ፍቓድ ዘለዎም ሰባት ነቲ መሳርሒ ሓቢኦም ክዕጠቕዎ ከምዝኽእሉ ይድንግግ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 2.7 ሚልዮን ሰባት ሽጉጥ ብሕጋዊ መገዲ ከምዝዓጠቑ መረዳእታ እታ ሃገር ይሕብር። እዚ ቁጽሪ ካብ ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ 8 ምኢታዊት ምዃኑ’ዩ።

ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ገበን ክመጽእ ከሎ፡ ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝኸስሩ ዘለዉ ይመስሉ። ኣብታ ሃገር መጠን ቅትለት ኣብ 20 ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ’ሎ። ሽጉጥ ምዕጣቕ ኣማራጺ ዘይብሉ መማረጺ ኮይኑ’ሎ።

ዳይረክተር ‘ጂኤፍኤስኤ’ ኣዴለ ኪርስተን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ገበን እናወሰኸ ይቕጽል ምህላዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ "ባህሪ ዓመጽ ብረት" ይቕየር ከምዘሎ ሓቢራ።

ጃምላዊ ተኹስን ቅትለትን "ባህሪ" ደቡብ ኣፍሪቃ ይኸውን ከምዘሎ ድማ ትዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጥቓ ከተማ ፒተርማሪትዝበርግ ኣብ ዝርከብ ገዝኦም ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 10 ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ብጥይት ምስ ተቐተሉ እታ ሃገር ተናዊጻ ነይራ።

ብዙሓት ካብዞም ገበናት ብዘይሕጋዊ ኣጽዋር ዝፍጸሙ እዮም።

ሓደ ካብ ምንጪ ናይዞም ዘይሕጋዊ ጠበንጃታት፡ እቲ ንሲቪል ንምክልኻል ዝዓለመ ትካል ፖሊስ ከምዝኾነ ፖሊስ ነበር ክርስቲያን ፕሪንስሉ ገሊጹ።

ኣብ መንጎ 2007ን 2015ን ኣስታት 2000 ጠበንጃታት ንናይ ከተማ ከተርቲ ከምዝሸጠ ድማ ይግለጽ። እዚ ዕጥቂ ምስ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ቅትለትን ሞት 89 ህጻናትን ዝተኣሳሰር ምዃኑ ተገሊጹ።

"ኣብ መንጎ ህዝብን ፖሊስን ዓቢ ናይ ዘይምትእምማን ጸገም ኣሎ" ትብል ሚስ ኪርስተን።

ነዚ ናይ ጸጥታ ክፍተት ንምምላእ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሰባት ድሕነቶም ኣብ ኢዶም ከምዝኾነት ኣሚኖም ይንቀሳቐሱ ኣለዉ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ሓደ ሰብ ፍቓድ ሽጉጥ ንኽረክብ ልዕሊ 21 ዓመት ክኸውን ከምዘለዎ ዝሓትት ኮይኑ ካብኡ ብተወሳኺ ስልጠና ክወስድ፡ ብዙሕ መርመራታት ክገብርን ናይ ኣእምሮ ብቕዓት መርትዖ ከርኢን ከምዘለዎ ይሕተት እዩ።

ነዊሕን ኣድካምን መስርሕ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ቁጽሪ ናይቶም ፍቓድ ጠበንጃ ዝቐረቡ ሕቶታት ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ መርበብ ሓበሬታ ኒውስ24 ዘካየዶ መርመራ ይሕብር።

"ሽጉጥ ምውናን ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ምድሓን ንጡፍ ተሳታፊ ክትከውን ምምራጽ'ዩ" ክብል ኣማኻሪ ኣጽዋር ጊዴዎን ጆበርት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ጽላት ስፖርታዊ ተኹሲ'ውን ንጡፍ ዝኾነ ወዲ 38 ዓመት መንእሰይ፡ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ምስ ኣጽዋር ዘለዎም ዝምድና "ዝተሓላለኸን ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎን" ምዃኑ ይዛረብ።

"ሽጉጥ ናይ ገዛእ ርእሰይ ድሕነት ንምውሓስ ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጽን ሓላፍነትን ገይረ እየ ዝሪኦ" ይብል።

ሽጉጥ ተዓጢቕካ ናይ ምንቅስቓስ ባህሊ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ነጸብራቕ ናይቲ ዓመጽ ዝተመልኦ ታሪኽ እታ ሃገር ዘመላኽት እዩ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳብ 1994 ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ውሑዳት ጸዓዱ ዝነበረት ኮይና ጸሊም ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ሰባት ክሳብ 1983 ኣብ ዝነበረ ግዜ ሽጉጥ ብሕጋዊ መገዲ ክዕጠቑ ኣይፍቀደሎሙን ዝነበረ።

ኤውሮጳውያን ኣብ ግዜ መግዛእቲ ኣብ መጀመርታ 1600ታት ጠበንጃ ናብታ ሃገር ኣምጺኦም ነይሮም።

ኣብ 1980ታት ውድብ ሶቭየት ብኣሽሓት ዝቑጸር ኤ.ኬ-47 ናብ ጸረ ኣፓርታይድ ጉጅለታት ብምልኣኽ ምልክት ሓርነት ኮይኑ ከምዝነበረ ይዝከር።

ኣብ መንጎ 1986ን 1996ን ኣብታ ሃገር ዘይምርግጋእ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሕጋዊ ዋንነት ጠበንጃ ብ40 ምኢታዊት ከምዝዓበየ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መብዛሕትኡ ናይዚ ድማ ውሑዳት ጸዓዱ፡ ኔልሰን ማንዴላ ዝመርሖ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ኮንግረስ [ኤኤንሲ] ስልጣን ከይሕዝ ብዝነበሮም ስግኣት ዝተደፋፍአ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ሕጂ ኤኤንሲ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ጸኒሑ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝካየድ መረጻ ድማ ኣፓርታይድ ካብ ዘበቅዕ ንድሓር ንፈለማ እዋን ኣብ ባይቶ ዝነበሮ ፍጹም ዝበዝሐ ድምጺ ክስእን ይኽእል እዩ።

ሰባት ዳግማይ ብረት ይዕጠቑ ኣለዉ። ገጽ ባህሊ ጠበንጃ ግን ቁሩብ ተቐይሩ ኣሎ።

ሚስተር ጆበርት፡ እቲ ልሙድ ወናኒ ጠበንጃ ደቡብ ኣፍሪቃዊ፡ "ኣብ መፋርቕ 30ታት ዝዕድሚኡ፡ ጸዓዳ፡ ደቂ ተባዕትዮን ብሓፈሻ ኣፍሪቃውያንን" ከምዝነበረ ይዛረብ። ሕጂ ግን እቲ ዋንነት ጠበንጃ ኣብ ብዙሓት ክትርእዩ ትኽእል ኢኻ” ይብል።

ኣብ 2014 19 ምኢታዊት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ወነንቲ ጠበናጁ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኾና ኣሃዱ ፖሊሲን ምርምርን ሲቪላዊ ሴክረታርያ ኣገልግሎት ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘካየዶ ጸብጻብ ይሕብር።

ሰባት ህይወቶሙን ህይወት መቕርባቶሙን ንምውሓስ ኣብ ክንዲ ናብ ፖሊስ ናብ ናይ ብሕቲ ትካላት ጸጥታ ይኸዱ ከምዘለዉ ንጹር እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ብሰንኪ ጠለብ ናይ ብሕቲ ትካላት ጸጥታ ብልዕሊ 40 ምኢታዊት ከምዝወሰኸ ኣብ ቀረባ እዋን ብናይ ባይቶ ኮሚቴ ዝተጠቕሰ ጸብጻብ በዓል መዚ ተቖጻጻሪ ኢንዱስትሪ ውልቃዊ ድሕነት ይሕብር።

ትዙ-ሁይ ቻንግ ዝተባህለት ጓል 25 ዓመት ትውልደ ቻይና ደቡብ ኣፍሪቃዊት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃለ መሕትት፡ ኣቦኣ ሽጉጥ ሒዙ ንመጀመርታ ግዜ ዝረኣየትሉ እዋን፡ ቆልዓ ከላ ናብታ ሃገር ምስ ገዓዙ ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጻ።

"ካብ መዋእለ ህጻናት ናብ ገዛይ ክወስደኒ ክመጽእ እንከሎ ኩሉሻዕ ሽጉጥ ኣብ ደረቱ ምስተዓጠቐ’ዩ ነይሩ”ትብል።

እታ ስድራቤት ካብታ ጠበንጃ እትጸልእ ሃገር ዝመጸት እኳ እንተኾነት፡ ባህሊ ጠበንጃ ደቡብ ኣፍሪቃ ክትቅበል ኣገዲድዋ።

ሚስ ቻንግ፡ ፍቓድ ጠበንጃ ክትረክብ ኣብ ከይዲ ከምዘላ ትዛረብ።

ንሳ ኣስዒባ "ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንተዘይነብር ነይረ፡ ሽጉጥ ንምርካብ'ውን ኣይምሓሰብኩን" ትብል።