ብሕማቕ ጨና ኬፕታውን ምሉእ ዘሰክሐት ኣላሕም ዝጸዓነት መርከብ

ኣብ ኬፕታውን ረሳሕ ጨና ፈጢራ ተባሂላ ክትውቀስ ዝጸንሐት ከብቲ ዝጸዓነት መርከብ ፡ ናብ ዒራቕ ከምዝተበገሰት ሓደ ጕጅለ ድሕነት እንስሳታት ኣረጋጊጹ።

እታ ኣል ኩዌት ዝብል ስያመ ዘለዋ መርከብ፡ ካብ ብራዚል ዝተበገሰት ኮይና ነተን 19 ሽሕ ኣላሕም ዝኸውን ቀለብ ንምጽዓን ብሰንበት ኣብ ወደብ እታ ከተማ ዓሪፋ ነይራ።

ነበርቲ ነዊሕ ከይጸንሑ በቲ ጨና ከማርሩ ጀሚሮም።

ሓደ ነተን ኣብታ መርከብ ዝተጽዓና ጥሪት ዝገምገመ ትካል፡ እቲ ኵነታት "ፍንፉን" ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ እዚ ድማ ቀልቀልን ሽንቲን ዝተሓወሶ ብምዃኑ እዩ ክብል ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ድሕነት እንስሳታት ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እተን ኣላሕም ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣብታ መርከብ ከም ዝጸንሓን ምስ ብዙሓት እንስሳታት ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ፍሳስ ከዕርፋ ከምዝተገደዳን ገሊጹ።

እቲ ኣብ ድሕነት እንስሳት ኣድሂቡ ዝሰርሕ ትካል፡ ኣብ መንጐ ሰንበትን ሰሉስን ኣብ ዝተኻየደ መርመራ ዝሓመማን ዝተጐድኣን ኣላሕም ከምዝረኸበ ገሊጹ።

ሸሞንተ ብሰንኪ መጕዳእቲ ክሞታ ክግደዳ እንከለዋ፡ ካልኦት ድማ ኣብታ መርከብ ሞይተን ተረኺበን።

"እዚ ፍጻመ፡ እንስሳታት ብህይወት እንከለዉ ብባሕሪ ሰደድ ምግባር ኣብ ልዕሊ ህይወታውያን ፍጡራት ዘየድሊ ስቓይ ዘስዕብ ዘስካሕክሕን ግዜኡ ዝሓለፎን ተግባር ምዃኑ ከም ጽኑዕ መዘኻኸሪ ኰይኑ የገልግል" ይብል እቲ መግለጺ።

እቲ ትካል ድሕነት እንስሳት ብባሕሪ ዝግበር መጓዓዝያ ህያዋን ከብቲ ንሓንሳብን ንሓዋሩን እገዳ ክግበር ዘቕረቦ ጻውዒት ደጊሙ።

ሓንቲ ነባሪት ኬፕታውን ሌራቶ ባሺንግ፡ እቲ ብሰኑይ ካብ መርከብ ኣልኩዌት ዝወጽእ ጨና "ኣብ ህይወተይ ካብ ዝሸተትኩዎ እቲ ዝኸፍአ ጨና" ክትብል ገሊጻቶ።

እቲ ጨና ኣዝዩ ሕማቕ ብምንባሩ፡ "ኣብ ድሕሪት ጎርሮይ ተሸኺሉ’ዩ ተሰሚዑኒ ኢላ።

ካልእ ነባሪ እታ ከተማ ድማ እቲ "ልዕሊ ዓቐን" ጨና ናይታ መርከብ “ካብቲ ክትሓስቦ እትኽእል ንላዕሊ ስለዝነበረ ምስትንፋስ ተደናጒየ" ኢሉ።