እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚልዮናት ኣእዱግ ስለምንታይ ከምዝቕተሉ ትፈልጡ'ዶ?
ስቲፍ ማይ ንኽወርድ ይዅን ዕለታዊ መነባብሮኡ ንኽመርሕ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኣእዱግ እዩ ዝምርኮስ። ኣብታ 20 ማይ ዝመልአ ጀሪካን እትጽዕን ካሮሳኡ ምስ ተወጥሐ፡ ኣእዱጉ እዮም እናጓረቱ ናብ ኵሎም ዓማዊሉ ዘብጽሕዎ። ኣእዱጉ ምስ ተሰርቍዎ ግን ስርሑ ክቕጽል ኣይከኣለን።
ከም ልማዱ ዕለታዊ ናብራኡ ንምግባር ተንሲኡ። ንግሆ ድማ ካብቲ ኣብ ወሰን ከተማ ናይሮቢ ዝርከብ ገዛኡ ወጺኡ እንስሳታቱ ከናዲ ናብ ሜዳ ወረደ።
"ክርእዮም ኣይከኣልኩን፤ ምሉእ መዓልቲ፡ ምሉእ ለይትን ንጽባሒቱ ድማ ፈቲሸ" ክብል ይዝክር።
ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ግን ካብ ሓደ ዓርኩ ኣዕጽምቲ እቶም እንስሳታት ከም ዝረኸበ ዝሕብር መልእኽቲ መጺእዎ።
"ተቐቲሎም፣ ተሓሪዶም፣ ቆርበቶም እውን ተገፊፉ፤ ኣብኡ ኣይጸንሐን።"
ከምዚ ዝኣመሰለ ስርቂ ኣእዱግ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ኣፍሪቃ - ከምኡ'ውን ኣብ ካልእ ክፋላት ዓለም ልሙድ ኰይኑ ኣሎ።
ስቲፍን - ኣእዱጉን ከኣ ኣብቲ ኣካታዒ ዓለማዊ ንግዲ ቆርበት ኣእዱግ ግዳያት እዮም።
መበገሲኡ ከኣ ካብቲ ኣብ ኬንያ ዝርከብ ሜዳ ብኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ርሒቝ እዩ ዝርከብ።
ኣብ ቻይና፡ ኣብ ቆርበት ኣድጊ ብዝርከብ ጀላቲን ዝስራሕ ባህላዊ መድሃኒት ልዑል ጠለብ ኣለዎ።
ኤጂያኦ ይበሃል።
ጥዕና ዘደንፍዕን ንእስነትካ ዝዕቅብን ባእታ ከም ዘለዎ ይእመን። ነቲ ጀላቲን ንምውጻእ ድማ፡ ቆርበት ኣድጊ ይፈልሕ። ካብኡ ድማ ናብ ሓሩጭ፡ ከኒና ወይ ፈሳሲ ይስራሕ ወይ ድማ ኣብ መግቢ ዝሕወስ ኰይኑ ይስራሕ።
ኣንጻር እቲ ንግዲ ዝጉስጕሱ ሰባት፡ ከም በዓል ስቲቭ ዝኣመሰሉ፡ ናብራኦም ብ ኣእዱግ ዝምርኮሱ ሰባት ግዳያት ናይቲ ጠለብ ባህላዊ ቀመም ኤጂያኦ ምዃኖም ይዛረቡ።
ካብ 2017 ጀሚሩ ኣንጻር እቲ ንግዲ ጐስጓስ ዘካየደ መካነ መዕቆቢ ኣእዱግ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ፡ ብደረጃ ዓለም ብውሑዱ 5.9 ሚልዮን ኣእዱግ ነቲ ጠለብ ንምምላእ ይሕረዱ።
ቢቢሲ ነቶም ኣሃዛት ብናጻ ከረጋግጽ እኳ እንተዘይከኣለ፡ እቲ ገባሪ ሰናይ ትካል እቲ ጠለብ ይዓቢ ከምዘሎ ይዛረብ።
ንኢንዱስትሪ ኤጅያኦ ጠለቡ ንምምላእ ብልክዕ ክንደይ ኣእዱግ ከም ዝቕተሉ ቅኑዕ ስእሊ ክትረክብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ድማ ኣብታ ክልተ ሲሶ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝርከቡ 53 ሚልዮን ኣእዱግ ዝነብሩላ ኣፍሪቃ፣ ዝተፈላለየ መርገጺታት እዩ ዘሎ።
ሰደድ ቆርበት ኣእዱግ ኣብ ገለ ሃገራት ሕጋዊ ክኸውን እንከሎ ኣብ ገለ ድማ ዘይሕጋዊ እዩ።
ይዅን እምበር እቲ ዘሎ ልዑል ጠለብን ቆርበቶም ዝሽየጠሉ ክባር ዋጋን ተደማሚሩ ንስርቂ ኣእዱግ ከጋድዶ እዩ ዝርአ።
ኣንጻር እዚ ተግባር ዝጕስጕስ ዘሎ መካነ ኣእዱግ ከም ዝገልጾ፡ እቶም ኣእዱግ ካብ ዶብ ናብ ዶብ ብምጓዓዝ ናብተን ሰደድ ቆርበት ኣድጊ ሕጋዊ ዝገበራ ሃገራት ንምእታው ከም ዝጓዓዙ ይሕብሩ።
ይዅን እምበር፡ መንግስቲ ነፍሲ ወከፍ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ብራዚል፡ ነቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ኣእዱግ ምላሽ ንምሃብ፡ ምሕራድን ሰደድን ኣእዱግ ንምእጋድን ተዳልዮም ስለዘለዉ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ነጥበ መቐይሮ ክመጽእ ይኽእል እዩ።
ኣብ መዕቆቢ ኣእዱግ ዝሰርሕን ኣብ ናይሮቢ ዝነብርን ሰሎሞን ኦንያንጎ፡ "ካብ 2016 ክሳብ 2019ን፡ ኣስታት ፍርቂ ኣእዱግ ኬንያ [ንንግዲ ቆርበት ንምቕራብ] ከምዝተሓርዳ ንግምት" ይብል።
እዞም እንስሳታት፡ ሰባት፡ ኣቑሑት፡ ማይን መግብን ዝስከሙ እዮም፣ ዓንዲ ሕቘ ድኻታትን ገጠራዊ ማሕበረሰባትን እዮም። ስለዚ ስፍሓትን ቅልጡፍ ዕብየት ንግዲ ቆርበትን ንጐስጐስትን ክኢላታትንን ኣሰናቢድዎም እዩ፤ ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብ ጸረ ንግዲ ቆርበት ሰልፍታት ክሳተፉ ደሪኽዎም ኣሎ።
ብደረጃ ኣፍሪቃ፡ ኣብቲ 17ን 18ን ለካቲት ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣጀንዳ ኰይኑ፡ ንዘይተወሰነ ግዜ እገዳ ክግበር ዘኽእል እማመ ጸዲቑ ኣሎ።
ግናኸ እቲ ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ብራዚልን ክግበር ዝኽእል እገዳ ንንግዲ ኣእዱግ ናብ ካልእ ከግዕዞ ይኽእልዶ?
ኣፍረይቲ ኤጂያኦ ካብ ቻይና ዝመጽእ ቆርበት ኣእዱግ እዮም ዝጥቀሙ ነይሮም። ብመሰረት ሚኒስትሪ ሕርሻን ገጠርን'ታ ሃገር፡ ቍጽሪ ኣእዱግ ኣብታ ሃገር ካብ 11 ሚልዮን ኣብ 1990 ናብ ትሕቲ ክልተ ሚልዮን ኣብ 2021 ወሪዱ። ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ኤጅያኦ ካብ ቍንጣሮ ፍርያት ናብ ህቡብ፡ ብሰፊሑ ኣብ ኵሉ ዝርከብ ፍርያት ተቐይሩ።
መላእ ዓለም ብፍርያቶም ክምልኡዎ ስለዝደልዩ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ኣመሪካን ኤስያን ኣብያተ ማሕረድቲ ኣቝሞም። እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ንግዳዊ ምስሕሓብ ኣምጺኡ እዩ።
ኣብታ ስጋ ኣድጊ ምብላዕ ክልኩል ዝዀነላ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2017 ኣብታ ሃገር ካብ ዘለዋ ክልተ መሕረዲ ኣእዱግ፡ ንህዝባዊ ተቓውሞን ጐስጓስ ማሕበራዊ ሚድያን ምላሽ ብምሃብ ሓንቲ ካብአን ተዓጽያ።
ታንዛንያን ኣይቮሪኮስትን ድማ ኣብ 2022 ሰደድ ቆርበት ኣድጊ ኣጊደን።
ብመሰረት ምሁርቲ ርክብ ቻይናን ኣፍሪቃን ፕሮፌሰር ሎረን ጆንስተን ካብ ዩኒቨርሲቲ ሲድኒ፡ ዕዳጋ ኤጂያኦ ኣብ ቻይና ካብ ኣስታት 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣብ 2013 ናብ ኣስታት 7.8 ቢልዮን ዶላር ኣብ 2020 ዝወሰኸ ዓቢ ንግዲ እዩ።
ንዝተፈላልዩ መራሕቲ ሃገራት ዓቢ ሕቶ ኰይንዎም ዘሎ ግን፡ ኣእዱግ ኣብ ምማዕባል ንዝርከባ ሃገራት ብሂወቶም እንከለዉ ዶ ወይስ ምስ ሞቱ የርብሕዎም ዝብል እዩ።
እታ ፕሮፈሰር ብተወሳኺ ኣድጊ ንወዲ ሰብ ንዘመናት ኣገልጊልዎ እዩ። ብፍላይ ድማ ንደቀንስትዮን ህጻናትን፣ ኣድጊ እንድሕር ዘይሃልዩ እታ ጓል ኣነስተይቲ እያ ንናይ ኣድጊ ቦታ ተኪኣ እተገልግል። እዚ ድማ ንዓአተን ወጽዓ ጥራይ ዘይኮነስ ዓገብ እውን እዩ፤ ምኽንያቱ እቲ ንዕአን ወጺዕካ ዝስራሕ ኤጅያዶ ብቐዳምነት ንሃብታማት ቻይናውያን ኣንስቲ ተባሂሉ እዩ ዝስራሕ ትብል።
እዚ ንኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐ መድሃኒት ኰይኑ፡ ካብ ምስትኽኻል ዑደት ደም ክሳብ ንድቃስ ምሕጋዝን ከምኡ እውን ፍርያምነት ምዕባይን ብዙሕ ረብሓታትን ከም ዘለዎ ይእመን። ኣዝዩ ዝሃበበ ግን ኣብ 2011 ዝተዳለወ ናይ ቻይና መደብ ተለቭዝን፣ ' ኢምፕረሰስ ኢን ዘ ፓላስ' ዝብል - ልብ ወለዳዊ ዛንታ ናይ ሓደ ሃጸያዊ ቤት ምስ ሰርሐ እዩ።
ካብ መዕቆቢ ኣእዱግ ዝዀነ ጃነከ መርክስ፡ ሃገራት ኣእዱገን ንምክልኻል ሕጋዊ ተበግሶ ብዝወሰዳ መጠን "ዝያዳ ክኸብድ'ዩ።"
"እቲ ክንርእዮ እንደሊ፡ ኩባንያታት ኤጂያኦ ኵለን ብሓባር ቆርበት ኣድጊ ካብ ወጻኢ ምእታው ደው ከብላን ኣብ ነባሪ ኣማራጺታት ወፍሪ ክገብራን'ዩ -ን ኣብነት ከም ዋህዮኣዊ ሕርሻ (ኣብ ቤተ-ፈተነታት ኮላጅን ምፍራይ)። ነዚ ንምግባር ድሮ ውሑስን ኣድማዕን መገድታት ከኣ ኣሎ እዩ፡" ይብል።
ምክትል ዋና ኣካያዲ ስራሕ መዕቆቢ ኣእዱግ ፈይዝ በርደን ብወገና፡ ንግዲ ቆርበት ኣድጊ "ነባሪ ፍታሕ ዘይኮነን ኢሰብኣውን እዩ" ኢላ።