እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰለስተ ፈለስቲ ኮፕቲክ ግብጺ ‘ብጭካነ’ ኣብ ገዳም ተቐቲሎም
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ሓደ ገዳም ሰለስተ ግብጻውያን ፈለስቲ ቤተ-ክርስቲያን ኮፕቲክ “ብጭካነ ከም ዝተቐትሉ" እታ ቤተ-ክርስትያን ኣፍሊጣ።
ኣባ ታክላ ሙሳ፣ ኣባ ሚናህ ኣቫ ማርቆስን ኣባ ዩስቶስ ኣቫ ማርቈስን ዝተባህሉ ሞነኰሳት ትማሊ ሰሉስ ምሸት ከም ዝተቐትሉ ሊቀ ጳጳሳት ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ኮፕቲክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ ሓቢሮም።
ሓደ በቲ ቅትለት ዝተጠርጠረ ግብጻዊ ኣባል እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ኣሎ።
እዚ ቅትለት ኣብ መላእ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ማሕበረሰብ ኦርቶዶክሳውያን ኮፕቲክን ኪኑኡን ሓያል ስንባደ ኣስዒቡ ኣሎ።
“ቃንዛናን ሓዘንናን፡ ብቃላት ክንገልጾ ኣይንክእልን፤ እንተዀነ ኣብ ገነት ኣብ ሕቑፊ ኣቦታትና ኣብርሃም፡ ይስሃቅን ያእቆብን ከም ዝሕጎሱ ንፈልጥ ኢና” ይብል መግለጺ እታ ቤተክርስቲያን።
ኣብ ለንደን ዝርከብ ኮፕቲክ ኦርቶዶክስያዊት ቤተክርስቲያን ሊቀ ጳጳስ ኣንጀሎስ፡ ነቲ ቅትለት “ዘሕዝንን ዘሰንብድን” ክብሉ ገሊጾሞ።
እቶም ፈለስቲ፡ ኣብታ ካብ ርእሰ ከተማ ፕሪቶርያ ንምብራቕ 30 ኪ.ሜ ርሒቓ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ኩሊናን ኣብ ዝርከብ ገዳም ቅዱስ ማርቆስን ቅዱስ ሳሙኤልን እዮም ተቐቲሎም።
ሰለስቲኦም ብኻራ ዝተወግአ ቁስሊ ከም ዝጸንሖም ወሃቢ ቃል ፖሊስ እቲ ከባቢ ንሮይተርስ ሓቢሩ።
ሓደ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ሓጺን ብዘለዎ በትሪ ከም ዝተሃርመን ሃዲሙ ክሕባእ ከም ዝኽኣለን ንፖሊስ ተዛሪቡ።
ፖሊስ ምኽንያት እቲ ቅትለት ንምፍላጥ ምጽራይ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ "ዝዀነ ክቡር ኣቕሓ(ታት) ከይወሰዱ ካብቲ ቦታ ከም ዝወጽኡ'ውን" እቲ ወሃቢ ቃል ኣመልኪቱ።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ልዑል ጐነጻዊ ገባናት ዝፍጽሙላ ሃገር ኮይና፡ ኣብ ዓለም ካብተን ዝለዓለ መጠን ቅትለት ዝፍጸመለን ሃገራት ሓንቲ እያ።
ፈለስቲ፡ ኣብታ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ጥንታውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ሓንቲ ዝዀነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኮፕቲክ ህይወቶም ንጸሎትን መንፈሳዊ ዕብየትን ኣወፍዮም’ዮም ዝነብሩ።