እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ናይ ሓሶት ኣይፎን ብምፍራይ ዝተትሓዙ ቻይናውያን
ፖሊስ ሞዛምቢክ ናይ ሓሶት ኣይፎን ብምፍራይ ዝተጠርጠረ ትካል ብምውራር ንቻይናውያን ወነንቱ ኣብ ቁፅፅር ኣውዒሉ።
ሰበስልጣን ሞዛምቢክ፡ 1,165 ናይ ሓሶት ኣፕል ኣይፎን እየን ኢሎም ዝገመትወን ሞባይላትን ክልተ ዜጋታት ቻይናን’ዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእቲዮም ኣለዉ።
እተን ቴለፎናት ዝገጣጠማሉ ዝነበራ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ማፑቶ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ድሕሪ ዝተኻየደ ፈተሻ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ድማ ተፈሊጡ።
እቶም ናይ ሓሶት ኣይፎን ስልክታት የዳልዉ ነይሮም ብዝብል ዝተጠርጠሩ ሰባት፡ ነተን ስልክታት ፍሉይ ተኸታታሊ ቁጽሪታት [unique serial numbers] ምሃብ ሓዊሱ ዝተሓላለኸ ቴክኒካዊ ኣገባባት ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ፖሊስ ሓቢሩ።
እቶም ጥርጡራት ዝኾነ ገበን ከምዘይፈጸሙ ገሊጾም ኣለዉ።
ሰበስልጣን ጉምሩክ፡ ብመሰረት ዝበፅሖም ሓበሬታ ነቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት ከምዝረኸብዎም ሓቢሮም።
“ጥርጣረ ዘስዓበ ጥርዓን በጺሑና። ስለዚ ሓቅነቱ ንምርግጋፅ መስመራት ስርሒትና ብምዝርጋሕ ተንቀሳቒስና፤ ድሕሪ ናይ ሰለስተ ሰሙን መርመራ ከኣ ነዚ ፋብሪካ ረኺብናዮ" ይብል ኣብ ከተማ ማፑቶ በዓልስልጣን ጉምሩክ ጂኖ ጆኔ።
ካብተን ዝተታሕዛ ስልክታት ገሊኤን ናብታ ሃገር ብኮንትሮባንድ ከም ዝኣተዋ ክጥርጠራ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ ብስርቂ ዝተኣከባ ምዃነን እቲ ሓላፊ ወሲኹ ሓቢሩ።
እቲ ብዓል ስልጣን ግምሩኽ “መንበሪ ገዛ እዩ፤ ግን ድማ ከም ፋብሪካ እዩ ዘገልግል ነይሩ። ኣብዚ ሞባይላት ይስርሓ፤ IMEIs [ፍሉይ ተኸታታሊ መፍለዪ ቁጽሪ] ይግበረለንሞ ኣብ ከባቢ ኣልቶ-ማኤ ኣብ ዝርከብ ድኳን ይቕመጣን ይሽየጣን" ኢሉ።