ስለምንታይ እዩ ባትሪ ተሌፎንና ቀልጢፉ ዝመውት?

ንጎሆ ተንሲእካ፡ ንሰለስተ ሰባት መልእኽቲ ጽሑፍ ሰዲድካ፡ ክልተ ኢመይላት መሊስካ፡ ገለ ኣርባዕተ መርበባት ሓበሬታ ሃሰስ እንተኢልካ ብፍላይ ከኣ ንዩትዩብ ገጽካ እንተሰጊርካ፡ ገና ፍርቂ መዓልቲ እንከሎ ባትሪ ተሌፎንካ የንቈልቝል።

ብስንኪ’ዚ ድማ ባትሪ ተሌፎን ምምላእ ‘ሪቻርጅ’ ሓደ ካብ ቀንዲ መዓልታዊ ስራሕካ ይኸውን።

እተን ቀዳሞት ዝነበራ ተሌፎናት፡ ክሳብ ክንድኡ ቀልጢፈን ባትሪ ኣይወድኣን ነይረን። ስለምንታይ?

እተን ተሌፎናት፡ ‘ጂኤስኤም ኔትወርክ’ ዝጥቀማ ‘2G’ ዝበሃላ ዓይነት እየን ነይረን።

በዚ ኸኣ ነተን ተሌፎናት፡ ዘይከምዘን ናይ ሎሚ ንዅሉ ነገራትና ኣይተጠቐምናለንን።

ኣገልግሎተን ን ምድውዋል፡ ኣብ ገሊኡ ድማ መልእኽቲ ጽሑፍ ንምልውዋጥ ጥራይ እዩ ነይሩ።

ባትሪአን ሓንሳእ ምስ መልአ ድማ ንሓደ ሰሙን ኣቢሉ ክጸንሑ ይኽእል።

ኣብዚ እዋን ግን፡ ዳርጋ ዝበዝሕ ስራሕናን ህይወትናን ምስ ተሌፎን እናተተሓሓዘ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ተሌፎናት፡ መደወሊ፡ መሓበሪ ኣንፈት፡ መአዘዚ መግቢ ይዅን ዝተፈላለየ ኣቝሑን፡ መርኣዩ ቪድዮ፡ መከታተሊ ዜና፡ መስኣሊ ካሜራ. . . ወዘተ እቲ ቝጽሪ ኣመና ብዙሕ እዩ።

እዚ ዅሉ ስርሓት ድማ ብኡ መንጽር ልዑል ሃልኪ ባትሪ ይሓትት።

ኣብዚ እዋን፡ ተሌፎናትን ኮምፒዩተራትን ሓበሬታ ብቕልጡፍ ዝሃልኽን፤ ነዚ ድማ ኤሌክትሮናት ብረቀቕቲ ገመዳት ኤሌክትሪክ ብፍጥነት ክጓዓዙ የድሊ።

እዚ መስርሕ’ዚ ድማ ብዙሕ ሙቐት ስለዝፈጥር፡ ነተን ኤለክትሮኒካዊ ኣቝሑ መዝሓሊ ቨንቲሌተር ክግጠመለን የድሊ፤ እዚ ዅሉ ንጥፈት ድማ ዓቕሚ ባትሪ ይሓትት።

ምኽንያት ምጕዳል ባትሪ እንክትንተን

ዶክተር ኣንጀላ ኒኮራ፡ ኣብ ስሊኮን ቫሊ ኣብ ዝርከብ ማእከል ምርምር ዶቸ ተሌኮም ተመራማሪት ኰይና፡ ኣብ ባትሪ ሞባይል ብዝገበረቶ መጽናዕቲ እያ ዝያዳ ትፍለጥ።

ሓንቲ ሞባይል ካብ 15,000 ክሳብ 20,000 ጁል [መዐቀኒ ጸዓት] ትሓትት።

ብመሰረት መጽናዕቲ ዶ/ር ኣንጀላ፡ ሓንቲ ተሌፎን ምስ ኢንተርነት ብምትእስሳራ ጥራይ ካብዚ ጸዓት’ዚ 12 ጁል ትወስድ።

እዚ ድማ እታ ተሌፎን ካብ ኢንተርነት ዝዀነ ሓበሬታ ንምውራድ ንእትወስዶ ሓይሊ ኣየጠቓልልን፣ ኣብ ኢንተርነት ብምህላዋ ጥራይ ዝሃልኽ እዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መርበባት ሓበሬታ ንጡፋት ኣብ ዝዀኑሉ፡ ተጠቀምቲ ዝያዳ ሓይሊ ባትሪ ተጠቂሞም’ዮም ናብቲ መርበብ ዝበጽሑ።

ንኣብነት መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ኣብ ተሌፎንካ ንምኽፋት 3 ጁል ሓይሊ ጸዓት የድሊ።

ብዘይካ’ዚ፡ መርበባት ሓበሬታ ኣፕል ንምኽፋት 34 ጁል ይወስድ፣ ዊኪፒዲያ እውን ተመሳሳሊ ጸዓት ይደሊ።

ሓያለ፡ ንሃልኪ ባትሪ ተሌፎናት ዓማዊሎም ብዙሕ ደንታ ዘይብለን ትካላት ድማ፡ ኣብዚታት ብዙሕ ከም ዘይግደሳን፡ ውሑድ ባትሪ ዘህልኽ መርበብ ንምምዕባል ብተገዳስነት ከምዘይሰርሓን ዶ/ር ኣንጀላ ተመልክት።

በዚ መሰረት መርበባት ሓበሬታ ነዚ ጸገም እዚ ንምቅላል ገለ ምምሕያሻት ክገብራ ከም ዝኽእላ ኸኣ እታ ተመራማሪት ኣተሓሒዛ ትገልጽ።

ጸገም ኔትወርክ

ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ ማሳቹሰትስ (MIT) ፕሮፌሰር ኮምፒተር ሳይንስ ሃሪ ባላክሻናን ከም ዝብሎ፡ እቲ ጸገም ኣብ መርበባት ሓበሬታ ጥራይ ዝሕጸር ከምዘይኰነ የረድእ።

ትካላት ወሃብቲ መርበብ ኢንተርነት ዝኽተላኦ ኣገባብ ኣሰራርሓታት’ውን ባትሪ ብቕልጡፍ ክመውት ኣብ ምግባር ኣጃም ኣለወን።

ብመገዲ ኢንተርነት ሓበሬታ ከነሰጋግር ኣብ እንደልየሉ እዋን፡ ኣቕራቢ ኢንተርነት ዝያዳ ሓይሊ ይፍኑ።

እቲ ሓንሳእ ዝተፈነወ ጸዓት ግን፡ ዋላ’ውን ውሑድ ሓይሊ ዝሓትት ስራሕ እንተቐጸልና፡ እቲ መጀመርታ ዝተፈነወ ነዊሕ ክጸንሕን ዝያዳ ሓይሊ ባትሪ ክመጽን ዕድል ኣሎ።

ፕሮፌሰር ሃሪ ከም ዝብሎ ድማ፡ እዚ ልዑል ሓይሊ ንባትሪና ኣዝዩ ቀልጢፉ የድክሞ።

ሃልኪ ባትሪ ካብ ተሌፎን ናብ ተሌፎን ከም ዝፈላለን፡ እንጥቀመሉ ኔትዎርክ ኢንተርነት ከም ዝውስኖን እቲ መጽናዕትታት የመልክት።

ስለዚ እዩ ድማ ኣብዚ እዋን ነዊሕ ዝጸንሕ ባትሪ ክህልወካ ተመራጺ ዝከውን።

‘3G’ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ ኸኣ፡ እዚ ዓይነት ኔትወርክ ዝጠልቦ ዓይነት ባትሪ ክምዕብል ነይርዎ። 

ምቝጣብ ጸዓት

ሞባይላትና፡ ብዙሓት ዝተፈላለየ መጠን ጸዓት ዝደልዩ መተግበሪታት [ኣፕሊኬሽን] ክጽዕና ዝኽእላ እየን። ብፍላይ ስክሪን ሞባይል ተሌፎናት ንምርኣይ ብዙሕ ሓይሊ እዩ ዘህልኽ።

ሓደ ካብቶም ጸዓት ብምቝጣብ ዝልለዩ ኤሌክትሮኒካዊ መጽሓፍቲ እነንብበሉ ስክሪን ኪንድል እዩ።

ኣብዚ ግዜና ካብ ዝተራእዩ እቲ ዝበለጸ ባትሪ ዝቝጥብ ቴክኖሎጂ ምዃኑ ክኢላታት ይሰማምዑ።

ደጊምካ ብምምላእ እትጥቀመሉ ባትሪ ኣብ 1990ታት ክምሃዝ ከሎ፡ ስግንጢር’ዩ ነይሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ተተካኢ ጸዓት ዝሓሸ ኣማራጺ ዝዀነሉ እዋን ተበጺሑ’ሎ።

እንተዀነ፡ ባትሪ ተሌፎን ካብ ጸሓይ ብቐጥታ ከም ዝመልእ ክግበር ዝጸንሀ ፈተነታት፡ ዛጊት ከምቲ ዝድለ ክዕወት ኣይከኣለን ዘሎ።

እቲ ኻልእ ፈተነ ድማ ንሓንቲ ተሌፎን ብማዕበል ራድዮ ‘ቻርጅ’ ንምግባር ዝፍተን ዘሎ እዩ።

እዚ መጽናዕታዊ ፈተነ፡ ብዓበይቲ ኩባንያታት ጉግልን ኢንተልን ደገፍ ረኪቡ ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብ ሲያትል ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ዋሽንግተን ተመራማሪ ዝዀነ ጀሽዋ ስሚዝ ዘበገሶ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ተሌፎናት ካብ ማዕበላት ራድዮ ብቐሊሉ ሓይሊ ንኽረኽባ ንምግባር ዝግበር ዘሎ ፈተነ ንምዕዋት፡ መደበራት ቲቪ ኣሜሪካ፡ ካብ ተወራት ማዕበላተን ዘድሊ ሓይሊ ክውሰድ ፈቒደን ኣለዋ።

ብመሰረት’ዚ መጽናዕቲ፡ ክሳብ 30 ኪሎ ሜተር ካብ ዝጓዓዝ ማዕበል ራድዮ እዩ ሓይሊ ክወስድ ዝፍተን ዘሎ።

እንተዀነ እዚ ሓይሊ እዚ ደወል ተሌፎን [ድምጺ] እኹል’ኳ እንተዘይኰነ፡ ሓጸርቲ ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ንምልውዋጥ ግን ዘኽእል እዩ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ ተሌፎን ባትሪ ከይወድአት ነዊሕ ንኽትጸንሕ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ።