2022፡ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ብሽክልታ ዝደመቑላ ዓመት

ዓመተ 2022 ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኪኖ ብኣፍሪቃ ብደረጃ ዓለም ደሚቖም ዝወጽኡላ ዓመት ኰይና’ያ ተመዝጊባ።

ንታሪኽ ብሽክለታ ኤርትራ ር ገናጺልና ምስ እንርኢ ዓመት 2022 እታ ዝበረኸ ዓወታት ዝተመዝገበላ ዓመት’ያ ነይራ።

እቲ ታሪኽ ግን ንኤርትራ ጥራይ ዘይኰነ እንከላይ ንታሪኽ ብሽክለታ ኣፍሪቃ’ውን ሓበን ዝፈጠረ’ዩ ነይሩ።

ሕልፊ ኩላቶም ተቐዳደምቲ ከኣ ቢንያም ግርማይ፡ እቲ ዝያዳ ክደምቕ ዝኸኣለ ተቐዳዳማይ’ዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ኣብ ግራንድ ቱር ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ

ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቤልጂም፣ ዓዲ ጣልያ፣ ካናዳን ካልኦት ቦታታትን ብዘመዝገቦ ዓወታት ቅድሚ ሕጂ ብኣፍሪቃውያን ዘይተበጽሐ ዓወታት ክሓፍስ ክኢሉ።

እቲ ኣብ እንዳ ማርያም ሲነማ ሮማ ሞኖፖልዮ፡ ዓቐበታት መንጉዳ፡ ሸግርንን ልቢ ትግራይን ዝተሰሓለ ቢንያም ካብ ኩለን ኣዋርሕ ናይ 2022 እቲ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ዘመዝገቦ ዓወት ግን ንኹሉ ደጋፊኡ ጸባ ዘስተየ ዓወት’ዩ ነይሩ።

ቢንያም፡ 27 ጥሪ ኣብ ትረፍዮ ኣልሱዳ ፖርት ዲ ኣልሱዳ ቀዳማይ ብምውጻእ’ዩ ንዓመተ 2022 ብዓወት መዊስዋ።

ኣብ 27 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣብ ቤልጂም ዝካየድ መበል 84 ውድድር ገንት ውቨልገን ‘ውን ቀዳማይ ብምውጻእ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ቀዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሉ።

እቲ ውድድር 248.8 ኪሎ ሜትር ዝሸፈነ ኮይኑ ቢንያም ግርማይ ራብዓይ ርእሱ ካብ ዓባይ ጉጅለ ብምህዳም፡ ኣብ መወዳእታ ንመወዳድርቱ ብቕጽበታዊ ውድድር ብምስዓር’ዩ ነቲ ገዚፍ ዓወት ክጎናጸፍ ክኢሉ።

ቢንያም ግርማይ ዓመት 2022 ናይ መጀመርታ ውድድር ግራንድ ቱር ኣካይዱ፤ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ 2022።

ኣብ መጀመርታ ውድድሩን ኣብ መጀመርታ መዓልትን ከኣ ብቅጽበታዊ ውድድር ንቫን ደርፑል ተኸቲሉ ካልኣይ ብምውጻእ ነቶም ኣብቲ ውድድር ዝነበሩ ናይ ቅጽበታዊ ውድድር ተቐዳደምቲ ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ተመሳሳሊ ውድድር ኣብ ሻሙናይን ሓሙሻይን መድረኽ ሓሙሻይ፡ ኣብ ሻዱሻይን ሳልሳይን መድረኽ ራብዓይ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ከኣ ካልኣይ ወጺኡ።

17 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ብቕጽበታዊ ውድድር ዝረትዖ ቫን ደርፑል ንልዕሊ 300 ሜትሮ ቅጽበታዊ ውድድር ብምክያድ ነቲ ምኩር ቫን ደርፑል ኣላሽ ኣቢሉ ቀዳማይ ብምውጻእ ቀዳማይ ኣብ ግራንድ ቱር ናይ መድረኽ ዓወት ዘመዝገበ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሉ።

እንተዀነ፡ ቢንያም ግርማይ ኣብ እዋን ጽንብል ምቕባል ሽልማት ዓስራይ መድረኽ፤ ብናይ ሻምፓኝ መኽደኒ ዓይኑ ስለ ዝተሃረመ ነቲ ውድድር ክውድኦ ኣይክኣለን፤ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ኣቋሪጹ።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር፡ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ብምዃን ኣብ ውድደር ክሮኖሜትር’ውን ሰናፍ ዘይምዃኑ ኣመስኪሩ።

ብተወሳኺ፡ 9 መስከረም ኣብ ኩቤካ ካናዳ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ምስ ፍሉጣት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ብምውድዳር ሳልሳይ ኰይኑ ዝወጽኣሉ ውድድር’ውን ሓደ ካብቲ ኣብ 2022 ዘመዝገቦ ዓበይቲ ዓወታት’ዩ።

እቲ ፕሮፈሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ብ13 ታሕሳስ ንሳልሳይ ግዚኡ ኣከታቲሉ ዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ተባሂሉ።

ብዘይካ እዚ ካልኦት ኣርባዕተ ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ምስ ዝበለጹ 10 ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ 2022 ተሮቊሖም።

ወዲ ጋንትኡ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ልዊስ መንትጀስ፡ንቢንያም ተኸቲሉ ካልኣይ ክኸውን እንከሎ ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2020 ከምኡ'ውን 2022 ናትናኤል ተስፋጽዮን ሳልሳይ ኰይኖም ተመሪጾም።

ርዋንዳዊ ሞጉሻ ሞየስ ራብዓይ፡ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ሄኖክ ሙሉብርሃን ሓሙሻይ፡ ኣማኑኤል ገብረእግዝኣብሄር ሻውዓይ፡ ዕዉት ዙር ሰርብያ 2022 ዳዊት የማነ ከኣ ሻሙናይ ብምዃን፡ ምስ ዝበለጹ ዓሰርተ ተቐዳደምቲ ተሰሪዖም።

እዚ ዓመታዊ ብኣዳለውቲ ዙር ጋቦን [ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ] ዝውሃብ ሽልማት ሎሚ ዓመት ንመበል 11 ግዜ’ዩ ንዝበለጸ ተቐዳዳማይ ኣፍሪቃ ሽልማት ሂቡ።

ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ካብቲ 11 ሽልማታት ሸውዓት ግዜ ብምዕዋት ላዕለዋይ ኢድ ክሕዙ ክኢሎም ኣለዉ።

ቢንያም ኣብ ዓመተ 2022፡ 56 መዓልታት ውድድር ብምክያድ 9478 ኪሎ ሜትር ዘዊሩ ኣብ ዩሲኣይ 1900 ነጥቢ ከዋህልል ክኢሉ።

ንዙር ርዋንዳ ክልተ ግዜ ዝተዓወተሉ ናትናኤል

ናትናኤል ተስፋጽዮን ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ንካልኣይ ግዚኡ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ እቲ ውድድር ዝዀነሉ’ውን ሓደ ካብ ዓበይቲ ዓወታት ተቀዳደምቲ ኤርትራ ዓመተ 2022 ኮይኑ ተሰኒዱ ኣሎ።

ካብ 23 ለካቲት ጀሚሩ ንሽሞንተ መድረኻት ኣብ ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ፡ ናትናኤል ዕዉት ብጫ ማልያ፡ ንመንእሰይ እትውሃብ ጻዕዳ ማልያን ንዝበለጸ ኣፍሪቃዊ ተቐዳዳማይ እቲ ዙር ንዝውሃብ ማልያን ክዕወተሉ ክኢሉ።

ዙር ርዋንዳ ናብ ደረጃ 2.1 ክብ ምስ በለ ምስ ጋንታ ኣስታና ዝወዳደር ዝነበረ ኤርትራዊ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ 2019፡ ናትናኤል ተስፋጽዮንከኣ ኣብ 2020 ከምኡ ከኣ 2022 ክዕወትሉ ክኢሎም።

ናትናኤል፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታሊ ኣብ ሓሙሻይ መድረኽ ሻሙናይ ኣብ መበል 15 መድረኽ ከኣ ሻውዓይ ብምውጻእ ምስ ቀዳማት ዓሰርተ ብምዃን ውድድሩ ዝዛዘመሉ ኣብ ጂሮ ዘመዝገቦ ዝበለጸ ውጽኢት’ዩ።

ኣብ መበል 16 መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ንመወዳድርቲ ብገፍሕ መሪሕዎምኣብ ቅድሚት እናተወንጨፈ እንከሎ ብኸቢድ ወዲቑ እንከሎ ጸወትኡ ክቅጽል’ኳ እንተኸኣለ ኣብ መበል 16 መድረኸ ግን ጸወታ ክጅምር ኣይክኣለን።

ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየድ ውድድር ኣድራያቲካ ኣንዮካ፡ ኣብ ካልኣይ መድረኽ ቀዳማይ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ከኣ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ፡ ናይቲ ውድድር ኣንበሳ ዓቐብ ተወዳዳሪ ኮይኑውድድሩ ዛዚሙ።

ብዘይካ እዚ ንመንእሰይ ኣብ እትውሃብ ማልያን ኣብ ብጫ ማልያን’ውን ካልኣይ ብምዃን ድሙቕ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ናትናኤል ኣብ ዓመት 2022፡ 68 መዓልታት ውድድር ብምክያድ 10598 ኪሎሜተር ዘዊሩ ኣብ ዩሲኣይ 605 ነጥቢ ከዋህልል ክኢሉ።

ሻምፒዮን ኣፍሪቃ 2022 - ሄኖክ

ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ ንመወዳድርቱ ብቅጽበታዊ ውድድር ብምርታዕ ቻምፕዮን ኣፍሪቃ 2022 ክኸውን ክኢሉ፡ ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር’ውን ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ባሶን ጉስታፍ ብ3 ካልኢት ጥራይ ተበሊጹ ተሸላሚ ብሩር መዳልያ ክከውን ክኢሉ።

ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብዚ ዓመት 44 መዓልታት ውድድር ብምክያድ 6329 ኪሎ ሜትር ዘዊሩ ኣብ ዩሲኣይ 466 ነጥቢ ከዋህልል ክኢሉ።

መርሃዊ ቅዱስ 26 ሰነ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ኤርትራ ንናትናኤል ተስፋጽዮን ኣኸቲሉ ቀዳማይ ብምውጻእ ቻምፕዮን ኤርትራ 2022 ኮይኑ።

መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ቻምፕዮን ኤርትራ ናይ ግዜ ውድድር’ውን ብቢንያም ግርማይ ብ20 ካልኢት ተበሊጹ ተዓዋቲ ብሩር መዳልያ ክኸውን ዝኸኣለ ምኩር ተቐዳዳማይ’ዩ።

ንሱ፡ ኣብ ዓመተ 2022 ን71 መዓልታት ውድድራ ብምክያድ 11285 ኪሎሜተር ዘዊሩ ኣብ ዩሲኣይ 146 ነጥቢ ከዋህልል ክኢሉ።

ዕውት ዙር ሰርብያ - ዳዊት

ቻምፕዮን ኤርትራ ዓመተ 2021፡ ተቐዳዳማይ ጀርመናዊት ጋንታ 'ባይክ አይድ' ኤርትራዊ ዳዊት የማነ፡ ዕዉት ብጫ ማልያ ዙር ሰርብያ ክዀነሉ ዝኽኣለ ኣጋጣሚ’ውን ሓደ ፍሉይ ዓወት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ኣብ ዓመተ 2022 እዩ።

ኣብቲ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝተኻየደ ውድድር ዳዊት ነታ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዝተረከባ ብጫ ማልያ ክሳብ መወዳእታ ክዕቕባ ስለ ዝኸኣለ’ዩዕውት ዙር ሰርብያ ክኸውን በቒዑ።

ዙር ሰርብያ ሎሚ ዓመት ንመበል 62 ግዚኡ ዝተኻየደ ኮይኑ ናይ 2.2 መዐቐኒ ዘለዎ ውድድር’ዩ።

ዳዊት የመነ ኣብ ናይ ኣንበሳ ዓቐብ’ውን ንሪጣንያዊ ክሮስ ኣርቸ ተኸቲሉ ካልኣይ ኰይኑ’ዩ ውድድሩ ዛዚሙ።

ዳዊት የማነ ኣብ ዓመት 2022፡ 34 መዓልታት ውድድር ብምክያድ 4765 ኪሎ ሜትር ዘዊሩ ኣብ ዩሲኣይ 271 ነጥቢ ከመዝግብ ክኢሉ።