እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መቐለ: ወነንቲን መራሕትን ታኽሲ ስለምንታይ እዮም ስራሕ ደው ኣቢሎም ዘለዉ?
ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ወነንቲን መራሕቲን ታኽሲ ካብ ሰኑይ ኣትሒዞም ንራብዓይ መዓልቶም ኣዲሞም ኣለዉ።
መንቀሊ እቲ ኣድማ መንግስቲ ዘውፀኦ ተመን ዋጋ ርትዓዊ ኣይኮነን ካብ ዝብል ከም ዝብገስ ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ መራሕቲ ታኽሲ ገሊፆም።
ከላሊ ሓድሽ ሓደ ካብቶም ኣብ መቐለ ታኽሲ ብምዝዋር ዝናበር ኰይኑ፡ 'ፍትሓዊ እዩ' ንዘይበሎ መንግስታዊ ኣሰራርሓ ይነቅፍ::
"ሕቶና ነዊሕ ዝገበረ ናይ ታሪፍ (ተመን ዋጋ) እዩ። ብድሕሪኡ ባዕሎም ዘውፅእዎ ታሪፍ ሂቦሙና። ኣየዋፅአናን ኢልናዮም። ዝኾነ ክኸውን ኮፒ(ቅዳሕ) ሓዙ ኢሎሙና ሒዝናዮ። ብድሕሪኡ ኣብ መንገዲ ፀኒሖም ንገለና 500 ብር ንገሊኡ ድማ 1000 ብር ይቐፅዕዎ።
"ቅድሚ ሎሚ ናብ ዝበዝሕ ከባቢ ብ10 ብር ኢና ነሳፍር ነይርና:: ኣብታ ታሪፍ 9 ገይርናያ ኢና ኢሎም ሓንቲ ቅርሺ ዘይመለስካ ኢሎም ዝቐፅዑ። ንሕና ድማ በዚ ኣምሪርና ብሰኑይ ስራሕ ጠጠው ኣቢልና" ይብል::
ተሻለ ኣድሓኖም እውን ሓደ ካብቶም ቅርታ ሓዲርዎም ስራሕ ደው ዘበሉ መራሕቲ ታኽሲ እዩ።
"ኣድማ እንተይኮነ ሕቶና ይመለስ ኢና ዝበልና። ምስቲ ሕዚ ዘሎ ምኽባር ናብራ ኣብ ታኽሲ ጥራሕ እዩ እምበር ኣብ ካልኦት ዘፈራት ዕዳጋ ይፍታሕ ኣሎ። ቅድሚ ወርሒ እዩ ጠጠው ክነብል ተሓሲቡ ዝነበረ። ኮይኑ ግና ማሕበር ሰብ ታኽሲ ሕቶና ሒዙ ክሳብ ክልል ክንከይድ ኢና ብምባል እናሰራሕና እምበር ጠጠው ኢልካ ሕቶ ኣይቐርብን ኢሎሙና። ንሕና እውን ተሰማሚዕና።
"ቅድሚ ሎሚ ዝወፀአ ታሪፍ ግን ድማ ተግባራዊ ንኸይግበር ዝተትሓዘ ኣሎ። እቲ ሕዚ ኣውፂኦሞ ዘለዉ ግና ንዋጋ መለዋወጢ ኣቑሑት መኪናን ነዳዲን ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን ዝብል እዩ ክትዕና እምበር ስራሕ ደው ናይ ምባል ወልፊ የብልናን" ብምባል መበገሲ ስራሕ ደው ምባሎም የረድእ።
ኣብ ከተማ መቐለ ሰለስተ ማሕበራት ሰብ ታኽሲ ኣለዋ። ለምለም ኲሓ፣ ህዳሰን ሓወልትን ይበሃላ።
ኣገልግሎት ታኽሲ ደው ምስ በለ ሰለስቲኦም ማሕበራት ኣብ ሓደ ደብዳበ ንመንግስቲ ፅሒፎም።
እቲ ንቤትፅሕፈት ምምሕዳር መጓዓዝያ ከተማ መቐለ ዝፀሓፍዎ ደብዳበ: እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ኣገልግሎት ታኽሲ ኣብ ኣፍልጦ ማሕበርናን ኣመራርሓ ቦርድ ወፃኢ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ብምኽንያት እቲ ንራብዓይ መዓልቲ ደው ኢሉ ዘሎ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ታኽሲ መቐለ: ተጠቀምቲ ከቢድ ምንግልታዕ ጥራሕ እንተይኮነ ኣደዳ ክባር ዋጋ ኩንትራት ባጃጅ እውን ክኸውን ከምዝኸኣለ ይገልፁ።
ወይዘሮ ትበርህ ኣስገዶም: ካብ ማእከል ከተማ ናብ ዳዕሮ ዝበሃል ገዛውተን ቅድሚ ሎሚ 10 ብር ይኸፍላ ምንባረን ይዝክራ። ብሰንኪ ኣገልግሎት ደው ምባሉ ንባጃጅ 30 ብር ክኸፍላ ተሓቲተን ገሃንመሃን ከምዝኾና ይዛረባ።
"ታኽሲ ደው ምባሎም ንዓና እዩ ጎዲኡና። መንግስቲ ስርዓት ከትሕዝ ኣለዎ። ሰብ ታኽሲ እውን ምስ መንግስቲ ክረዳድኡ ይግባ። ንሕና ንባጃጅ 30 ብር ምስ መሸየ ድማ 50ን ልዕሊኡን ከፊልና ኣይንወፆን። ካልእ ፀገምና ይኣኽለና" ብምባል ምሒር ብቑጠዐ ርእይቶ ሂበን።
ኣብ ግዜ ዕፅዋን ከበባን ትግራይ ወላ እውን እውን ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ከተማ መቐለ ዝረአ ኣገልግሎት ታኽሲ ቅጥዑ ዝጠፈኦ እዩ ነይሩ።
ኣብ ሓንቲ ታኽሲ 12 ሰባት ክሳፈሩ እናተገበኦም 20ን ልዕሊኡ ተፃቒጦም ምኻድ ልሙድ ኮይኑ ነይሩ።
ዋጋ ታኽሲ ዝኸበሮ ድማ ብማሃንዲራ ዝበሃላ ኣቑሑት ዝፅዕና መካይን ብምጥቃም ከምኡ እውን ጋሪ ፈረስ ንሰባት መመላለሲ ተመዓራርዩ ኣብ ዝተዳለወ ብምስፋር ብ10 ብር ይጥቀም ምንባሩ ይፍለጥ።
ኣብዚ ሕዚ እውን መንግስቲ ምስ ሰብ ማሕበር ሰብ ታኽሲ ብምርድዳእ ነቲ ፀገም ንምፍታሕን ስርዓት ንምትሓዝን ስጉምቲ ክወስድ ከምዝጀመረ ይግለፅ።
ኮይኑ ግና እቲ ስጉምቲ ቅድሚ ምውሳዱ ዘተን ምርድዳእን ክግበር ነይርዎ ይብሉ ንቢቢሲ ርእይቶኦም ዝሃቡ መራሕቲ ታኽሲ።
ተጋዳላይ ሃይለስላሰ ተኽሉ ኣተሓባባሪ ፖሊስ ትራፊክ ከተማ መቐለ: እቲ ብወነንቲን መራሕቲን ታኽሲ መቐለ ደው ኢሉ ዘሎ ኣገልግሎት ኣድማ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ምስቶም ሰብ ማሕበር ተቐራሪብና ተዘራሪብና ኢና። 'ታሪፍ ይውሕደና እዩ፡ እቲ ተስተኻኺሉ ዝወፀ ደንቢ መቕፃዕቲ ድማ ይኸብደና እዩ' ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒሎም። ኮይኑ ግና ይኽበድ ይቕለል ሕጊ ክንጥሕስ ኢና ኣይበሃልን ኢልና መአረምታ ሂብናዮም። ንሳቶም ግን ታሪፍ (ዋጋ ተመን) እውን ይወሰኸና። ሕልፊ ሰብ እውን ክነሳፍር ኢና ይብሉ ኣለዉ። ንሕና ድማ 'ሕጊ ክኽበር ኣለዎ' ዝብል ምላሽ ሂብና ኣለና" ብምባል ይገልፅ::
ኣብዚ ሕዚ እውን መንግስቲ እቶም ኣገልግሎት ታኽሲ ደው ኣቢሎም ዝነበሩ ሰብ ታኽሲ ናይቲ ደው ዘበልዎ ተቐፂዖም ስራሕ ይጀምሩ እንትብል ኣዚዙ ኣሎ።
"ዝኾነ ይኹን ወናኒ ታኽሲ ኣዲሙ ኣሎ። እቲ ኣድማ መንግስቲ ኣይፈልጦን። ፖሊስ ትራፊክ እውን ኣይንፈልጦን። ሕብረተሰብ ድማ ይንገላታዕ ስለዘሎ እዚ ድማ ኣግባብነት የብሉን። ኣብዚ ሰዓት እዚ ዝጠመየ ሕብረተሰብ እዩ ዘለና። ትምህርቲ መምሀሪ ዝሰኣነ ህፃን ኣሎ። ስለዚ ንዚ ዝጠመየ ሕብረተሰብ ልዕሊ እቲ ዝተዳለወ ታሪፍ (ዋጋ ተመን) ክነኽፍሎ ኢና ምባል ቀሲኖም ክሓስብሉ ይግባእ"።
"ናብ ቤት ፅሕፈት መጓዓዝያ ከይዱ መረጋገፂ ቅፅዓት ሒዙ ምስ መፀአ: ስራሕ ይጅምር። ተዘይኮይኑ ብሓይሊ ዝግበር ነገር ክህሉ የብሉን" ብምባል ኣፍሊጡ ኣሎ።
ሓደ ካብቶም ሰብ ዋናን መራሕትን ታኽሲ ኣይተ ተኸስተ በርሀ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ይዛረብ፡
"ናብ ክልል ቢሮ ምምሕዳር መጓዓዝያ ከይድና ሕቶኹም ክሳብ ሕዚ ቀሪቡለይ ኣይፈልጥን ኢሉና:: ብጣዕሚ ዝገርም ማለት እዩ። እቲ ቅድሚ ሎሚ ብመፅናዕቲ ዝተዳለወ ታሪፍ (ዋጋ ተመን) ቀቢሮም ካልእ ታሪፍ ክህቡና እንከለዉ እቶም ኣመራርሓ ማሕበርና እውን ክቕበልዎ ኣይነበሮምን። ስለዚ ክሳብ ሕዚ ተረዳዲኦም ፍታሕ ክህቡና ንፅበዮም ኣለና" እንትብል ገሊፁ ኣሎ።
ሎሚመዓልቲ ሓሙስ: እዚ ፀብፃብ ክሳብ ዝዋደድ ኣገልግሎት ታኽሲ መቐለ ኣይጀመርን ዘሎ፡ ሓሓሊፉ ግን ዝንቀሳቐሳ ታክሲታት ከምዘለዋ ተዓዚብና።