መቐለ፡ ንተፈናቐልቲ ህጻናት ተስፋ እትህብ ዘላ ማህሌት ታደሰ

ኣብ ትግራይ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ ሚልዮናት ንኸቢድ ማሕበራውን ቍጠባውን ቅልውላው ተቓሊዖም እዮም።

ብፍላይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ተፈናቒሎም ኣብ መቐለን ካልኦት ከተማታትን ትግራይ ኣዕቊቦም ዘለዉ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት፡ ኣብ ሕሱም ኵነታት ከምዝርከቡ ይግለጽ።

ነዞም ተፈናቐልትን ካልኦት ኣብ ከቢድ ቍጠባዊ ቅልውላው ዝወደቝ ሰባትን ብዝተኻእለ መጠን ንምሕጋዝ ኣብ ዝግበሩ ጻዕሪታት ብወለንታኦም ካብ ዝነጥፉ ዘለዉ ሰባት ሓንቲ ማህሌት ታደሰ ትበሃል።

ኣብ መቐለ እትነብር ማህሌት፡ ኣብቲ ውዕዉዕ ኲናት ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ብናይ ገዛእ ርእሳን ካብ ዝተፈላለዩ ወገናትን ሓገዝ ብምውጻእ፡ ንዝተጸገሙ ክትዕንግል ዝጸንሐት ኰይና፡ ኣብዚ እዋን ነዚ ብወለንታኣ እትዓሞ ሰናይ ተግባር ትካል ኣቝማ ኣዕብያቶ ኣላ።

“ፈለማ ነዚ ትካል ቅድሚ ምምስራተይ ካብታ ዘላትኒ ንምምቃል ብዝብል እየ ነቲ ሓገዝ ጀሚረዮ። ብድሕሪኡ ካብ መሓዙተይን ካብ ማሕበረሰብን ሓገዝ ብምትእኽኻብ ነቲ ሓገዝ ኣስፊሐዮ” ትብል ንኣጀማምራኣ ክተረድእ።

ነዚ ሰናይ ስራሕ መንእሰይ ማህሌት ዝረኣዩ ሰብ ሃብትን ኣብ ደገ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን፡ “ናብ ዝተጸገሙ ወገናትና ኣብጽሕልና” እናበሉ ዝልእኩላ ገንዘባውን ንዋታውን ደገፋት እናተቐበለት’ውን ተከፋፍል።

‘ኣምብሬላ’ [ፅላል]

ኣብቲ ብሰንኪ ኲናትን ኲናት ዘስዓቦ ዕጽዋን፡ ይትረፍ’ዶ ተሪፉካ ንኻልእ ክተማቕልስ ንትንፋስካ እተሕድረላ ቁራስ ምርካብ እውን ፈታኒ ዝነበረሉ እዋን ብዝኸኣለቶ ካብዝን ካብትን ኢላ ብዙሓት ክዕንገሉ ኣኽኢላ እያ።

“ንሰብ ኣብ እዋን ፀገሙ ኢኻ ክትበፅሐሉ ዘለካ። ብሰንኪ ኲናት ህፃናት ካብ ትምህርቶም ተኣጓጒሎም እዮም። ብሰንኪ ሕፅረት መግብን መድሓኒትን ብዙሕ ጉድኣት በፂሑ እዩ። ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ነገር ዝረኣኽዎ ካብ መረበትካ ተፈናቒልካ ምውፃእ እዩ። ስለዚ ኣብ ፈለማታት እቲ ኩነታትት ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ነይሩ” ትብል ማህሌት።

ነዚ ብኹነታት ተደፋፊኣ ዝጀመረቶ ሰናይ ተግባር ብዝተወደበ መገዲ ክትቕፅለሉ ብምሕሳብ ድማ ማእኸል መሐብሐቢ ጽጕማት ‘ኣምብሬላ’ [ፅላል] ዝተበሃለ ትካል መስሪታ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።

“ትዅረትን ኣብ ህጻናትን ኣደታትን እዩ። እተን ኣደታትን ንብለን ጥኑሳትን ሓራሳትን እየን። ብቐንዱ ሓለዋ ኢና ንገብር። ንህጻናት ድማ ምግብን ትምህርትን ነቕርብ። ስሩዕን ዘይስሩዕን ትምህርቲ ኢና ንህቦም” ትብል።

እቶም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ተፈናቒሎም ዝመጽኡ ህጻናት ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ተፈላልዮም ብምፅንሖም፡ ሰፊሕ ክፍተት ክፍጠር ከምዝኽእል እትዛረብ ማህሌት፡ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ብስሩዕን ብዘይስሩዕን ትምህርቲ ዝከታተሉሉ ኵነታት ከምዘጣጥሓትሎም ትዛረብ።

“ካብ ትምህርቲ በዂሮም ኣብ ዘይኮነ ቦታ ከይውዕሉ ብምሕሳብ ትምህርቲ ክረኽቡ ንገብር ኣለና። ብፍላይ እቲ ስሩዕ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ክፍሊት ፈጺምና ክከታተሉ ኣብ እንገብረሉ ዝነበርና እዋን፡ ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ተኣጓጒሉ ነይሩ” ክትብል ተረድእ።

እቲ ዘይስሩዕ ዝበሃል ነቶም ተፈናቐልቲ ህጻናት ዝወሃብ ትምህርቲ ድማ ብወለንተኛታት እዩ ዝካየድ።

ምስ ማእዶት ዝበሃል ትካል ጥዕና ብዝገበረቶ ምርድዳእ እቶም ህጻናት ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽቡ ይግበረሎም።

'ኣብዚ ዝሓረሳ ኣደታት ኣለዋ'

ማህሌት ንማእከል መሐብሓቢ ጽጕማት ‘ኣምብሬላ’ ክትምስርቶ እንከላ ልዕሊ 320 ሰባት ወይ ኣስታት 100 መራሕቲ ስድራ ብምቕባል እያ ጀሚራቶ። መብዛሕትኦም ድማ ካብ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቒሎም ዝመጽኡ እዮም።

ነቶም እትሕግዞም ህጻናትን ኣደታትን ኣብቲ ቅድሚ ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን ማእከል መናበዪ ኣረጋውያን [ምድረ ገነት መሐብሐቢ ኣረጋውያን] ኰይኑ ዘገልግል ኣብ ዝነበረ ቀጽሪ እያ ኣዕሪፋቶም ዘላ።

“ቅድሚ ሎሚ 325 ሰባት ወይ እውን 100 መራሕቲ ስድራ እዮም ነይሮምና። ደሓር ግን መንግስቲ [ትግራይ] ብዘመቻቸኦ ኵነታት 176 ሰባት ናብ ዝሓሸ ኣፋኒናዮም። ኣብዚ እዋን 106 ህጻናትን 55 ኣደታትን ኣብዚ ንሕግዝ ኣለና” ትብል።

እቶም ህጻናት ብሰንኪ ኲናት ምፍንቓሎም ከይኣኽሎም ካብ መኣዲ ትምህርቲ እውን ተፈላልዮም መጻኢኦም ከይፅሎ ብምሕሳብ ዝከኣላ ጻዕሪ እትገብር ማህሌት ምሉእ ግዜኣ ነዚ ሰናይ ተግባር ወፍያ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።

ብፍላይ ምስቶም ህጻናት እተሕልፎ ግዜ ንዝሓሸ መጻኢ ህይወቶም ብዓቕማ ኣበርክቶ ትገብር ምህላዋ ስለእትኣምን፡ ፍሉይ ታሕጓስ ከምዝፈጥረላ ትዛረብ።

“ኣብ ውሽጢ ማእከልና ህጻናት ተወሊዶም እዮም፤ 14 ኣደታት ሓሪሰን። ካልኦት'ውን ናብ ሆስፒታል ተላኢኸን ወሊደን። ስለዚ ብሓፈሻ 40 ኣብ ማእከልና ዝሕገዛ ነፍሰጾራት እየን ወሊደን። እቶም ዝተወለዱ ህጻናት እግሪ ተኺሎም ምርኣየይ ዝተፈለየ ስምዒት ሓጐስ እዩ ዝፈጥረለይ” ትብል።

ሓለኽቲ ሕጽረታት

ማህሌት ኣብዚ እዋን ኣብ ማእከል መናበዪ ጽጕማት ኣምብሬላ ንዝርከባ 55 ኣደታት ምስ 106 ህጻናት እትገብሮ ሓገዝ ክሳብ ኵነታት ናብ ንቡር ተመሊሱ ነናብ መረበቶም ዝምለሱ ክትቅጽሎ እዩ ውጥና።

ኣብ ውሽጢ እቲ ማእከል ንዘለዉ ተፈናቐልቲ ካብ እተቕርበሎም ሓገዛት ብተወሳኺ፡ ካልኦት ብደገ ኰይኖም እትምግቦም ጽጕማት እውን ኣለዉ።

“ዓቕሚ ደሪቱና ብደገ ኰይኖም ናብዚ ንቝርሲ፡ ምሳሕ ወይ ድራር ዝመጽኡ ጽጕማት ኣለዉና። ብዓይነት እንረኽቦ ሓገዛት እንተሃልዩ ንህቦም ኢና፤ ናይ ትምህርቲ ደገፍ'ውን ንገብረሎም ኢና” ትብል።

ኣብዚ እዋን ነቲ ስራሕ ብስፍሓት ከተቐፅሎ ድልየት’ኳ እንተሃለዋ፡ ዝዓግትዋ ብድሆታት ግን ኣይተሳእኑን።

“እቲ ቐንዲ ፀገም ቀጻልነት ዘለዎ ሓገዝ ለገስቲ ኣካላት ዘይምርካብ እዩ። ኣብ ዕጽዋ ብምፅናሕና ድማ ምስ ለገስትን ተጋሩ ዳያስፖራን ምርኻብ ከቢድ ፈተና ኰይኑና ጸኒሑ። ንናይ ውሽጢ ዓዲ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ብመንግስቲ ዝወሃበና ቈላሕታን ደገፍን እውን ዝተሓተ እዩ” ክትብል ተረድእ።

ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ዘጸንሕ ደገፍ ካብ ለገስቲ ረኺባ ንዕኡ ክተባጽሕ ድሕሪ ምፅናሕ፡ ኣብ መንጐ ምስተወድአ ካልእ ክሳብ ዝርከብ ሃጓፍ ከምዝፍጠር እያ ትዛረብ።

“ብትልሚ እትጓዓዘሉ ኵነታት የለን፣ ኣብ መንጐ የቋርጸካ። ከም መሻርኽቲ ብቐዋምነት ዝሕግዘና ኣካል ዘይምርካብና ፀገም ኰይኑና’ሎ። ነዚ ኵሉ ተጻዊርና ግን ዋላ ካብቲ ተሃስዩ ዘሎ ሕብረተሰብ እናተኣኻኸብና ስራሕና ክነቐጽሎ ንቃለስ ኣለና” ትብል።

ኣብ መጻኢ እዞም ብሰንኪ ኲናት ዝተፈናቐሉ ወገናት ናብ ከባቢኦም ብሰላም ምስተመለሱ፡ ነቲ ሰናይ ተግባር ደው ከምዘይተብሎ እትዛረብ ማህሌት ብፍላይ ምስ ምቕራብ ምግቢ ንህጻናትን ምክልኻል ድክዳኸን ብዝተሓሓዝ ትዅረት ሂባ ናይ ምስራሕ ውጥን ኣሎዋ።