እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ 'ጻዕዳ ጣፍ ኣብ ጁባኡ ሒዙልካ እዩ ዝመጽእ'
ናብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ዝበጽሐ ሰብ፡ ኣብ ጐደናታትን መላገሲታት ቀበሌ 16 ከይበጽሐን ንቡን ከየዕረፈረን ኣይምለስን።
መቐለ ግን ሕጂ ከም ቀደማ ከም ዘይኰነት ነበርታ ይዛረቡ። ጽሬት እታ ከተማ ተበላሽዩ፣ ብኣውራኡ ድማ ናብራ ኸቢሩ።
“መቐለ ከምቲ ቀደም እትፈልጥያ ኣይኰነትን" ዝብል መምህር ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሸዊት ውዳሴ፡ "ኣብ ጐደናታት እናነባዕኺ ኢኺ ትኸዲ። ኵሉ ሰብ ተጐሳቚሉ፣ ኣብ ዘይመዓልቱ ኣሪጉ ኢኺ ትርእዪ። ጽልዋ እቲ ናይ ህይወት ፈተና ኣብ ገጽ ሰብ’ዩ ዝንበብ፤ ሕዚ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝመስል ዝነበረ ከይተረፈ እዩ ዝልምን ዘሎ” ክብል ይገልጾ።
ንኽልተ ዓመታት ኣብ ደማዊ ኲናትን ጽኑዕ ዕጽዋን ዝጸንሐ ህዝቢ ትግራይ፡ ብደማዊ ውግእ ካብ ቤት ንብረቱ ተመዛቢሉ፡ ኵናት ብዘስዓቦ ኵሉ ዓይነት ኣደራዕ ሞትን ኣጸያፊ ሰብኣዊ ግህሰት ተጐዲኡ'ዩ።
ብሕጽረት መግብን መድሃኒትን ዝሳቐዩ፡ ካብ ምምሃር ምስትምሃር ዝቦዀሩ፡ ብሕጽረት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት ዝተሸገሩ ከኣ ብዙሓት'ኳ እንተዀኑ፡ ጸኒዑ ሕማቕ ግዜ ኣሕሊፉ።
ኣብዚ እዋን እቲ “ህዝቢ መሰረታዊ ናይ መግቢ ሕቶን ሕጽረትን እዩ ዘለዎ። ጫማን ክዳንን ዝሓትትን ዝሓስብን እውን የሎን” ይብል ኣቶ ሸዊት።
ኣብ ፈለማ ሕዳር 2022 ስምምዓት ፕሪቶርያን ናይሮቢን ምስ ተፈረሙ፡ ኲናት ደው ኢሉ መስርሕ ሰላም ብዘተስፉ መገዲ ክስጕም ናብራ ክመሓየሽ ተስፋ ብዙሓት ኰይኑ።
ይዅን እምበር ሕጽረት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት እኽልን መግብን ብዘሰክፍ ናህሪ ዋጋታት ልዕሊ ናይ ምግዛእ ዓቕሚ እቲ ሕብረተሰብ ብምዃኑ ህዝቢ የማርር ኣሎ።
ሕጂ፡ ሓደ ኣንፈት ቀበሌ 16 ኣዝዩ ፍሉይ ነገር ይስትውዓሎ ኣሎ።
ኣዝዮም ኣገደስቲ ዝበሃሉ ሓበሬታታት ምስ እትደሊ ናብቲ 'ክሳብ ቤት ብልዒ ገዛ ገርላሰ ዘሎ መስመር ምኻድ ጥራይ እኹል'ዩ' ይበሃል።
“መዓልታዊ ዕዳጋታት፡ ዋጋ ሸቐጣት ዝውሰነሉ . . . ኣብታ ከተማ ናይ ዘለው ዋጋ ሸቐጣትን ቀረባትን ክውስኽ ወይ ክንኪ ዝገብሩ ኵሉ ሓበሬታ ዘለዎም ሰባት ኣብኡ ኣለው። ብሓፈሻ ኣብዚ ናይ ቅልውላው ግዜ ዘሎ ቁጠባ ትግራይ ኣብኡ’ዩ ዝውሰን ክብል ይኽእል” ክብል ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘየፍቀደ ነባሪ እታ ከተማ ትዕዝብቱ ገሊጹ።
ኣብዚ ቦታ ዝውዕሉ ሰባት ደለልቲ ወይ ድለላ ንግዲ ሸቐጣትን ገንዘብን ዝሰርሑ ምዃኖም ይዝረብ።
ካብዚ ብዝብገስ፡ ኣብታ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝብን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ተመዛበልቲ ኲናትን ዝርከቡላ ከተማ መቐለ፡ እቲ ቀንዲ ህዝቢ ዘማርረሉ ዘሎ ጉዳይ "ነጋዶ” ኰይኑ ኣሎ።
እዚ ድማ ንዋጋታት ሃለኽቲ ከም ድላዮም ይዝውርዎ ብምህላዮም እዩ።ናይዚ ሓደ ምኽንያት፡ ምኽባር ዋጋ ሃለኽቲ ነገራትን ሕጽረት ገንዘብን ከም ዝዀነ ይግለጽ።
ኣብታ ከተማ፡ ዋጋ መግቢ ክሳብ 300 ሚእታዊት ወሰኽ ዘርኣይሉ ግዜ ከም ዝነበረ ዝዛረብ መምህር ሸዊት፡ ነዚ ህልዊ ኵነታት “ተበሊጾም ይብልጽጉ ኣለው” ንዝበሎም “ነጋዶ” ይነቅፍ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሓደ ሓደ ነጋዶን ነበርቲ እታ ከተማን ድማ፡ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ህወሓትን ስምምዕ ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ድሕሪ ምፍራሞም፡ ብዝተፈላለየ መገዲ ብዝሒ ዘለዎም ቀረባት ይኣቱ ብምህላው ዕዳጋታት መጠናዊ ርግኣት ከም ዘርኣየ ተዛሪቦም።
ነዚ ስዒቡ፡ እቲ ንብዙሓት ልዕሊ ዓቕሞም ኰይኑ ዝነበረ ዋጋ ሓደ ኩንታል ጣፍ፡ ካብ 17 ሽሕ ብር ናብ 7 ሽሕ ብርን ልዕሊኡን፣ ሓደ ጃሎን ዘይቲ ካብ 2 ሽሕን 500ን ናብ 1,200ን ትሕቲኡን ወሪዱ ምህላው ገሊጾም።
ሕጂ’ውን ግን፡ ኣብ ኵሎም ቀረባት ሃለኽቲ ነገራት ፍትሓዊ ዘይኰኑ ዋጋታት ከም ዘለው መምህር ሸዊት ይገልጽ።
“ህዝቢ ኣብ ርእሲ እታ ዘይብሉ ገንዘቡ ይሕደግ’ዩ ዘሎ። ኵነታት ዝፈጠሮ እዩ ኢልካ ክትሓድጐ’ውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እቶም ዋጋታት ዘንህሩ ሰባት ናይ መንግስቲ ደገፍ ዘለዎም’ዮም ዝመስሉ” ይብል።
ካልእ ነባሪት እታ ከተማ ነጻነት ክፍላይ፡ “ንምንባር ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኣብ ዝዀነ ኵነታት ኢና ዘለና፤ ከይበላዕና እንሓድረሉ መዓልታት ሕዚ’ውን ኣሎ። ገንዘብ’ውን ስለ ዘይብልና እቲ ዕዳጋ ኣይምልከተናን እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ነቲ ጸገም ዝገልጾ ዝህሉ ኣይመስለንን” ብምባል ሓጺር ተመኵሮኣ ኣካፊላ።
ኣብ ትግራይ፡ ስሩዕ ስርዓት ዕዳጋ ብዘይምህላው፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ነቲ ክልል ናይ ምምሕዳር ሕጋዊ ስልጣን ከም ዘለዎ ዝምጕት መንግስቲ ትግራይ ዝርከቡ ውልቀ ሰባት ኢድ ኣለዎም’ዩ ብምባል ብዙሓት ንምምሕዳር እቲ ክልል ይሓምዩዎ።
“እዚ ዅሉ እቲ ናይ ንግዲ ስርዓት ዘምጽኦ’ዩ፤ ንኣብነት ነዳዲ መጺኡ እናሃለወ እቶም ነዳዲ ሒዞም ዝጸንሑ ነጋዶ ሸይጦም ክሳብ ዝውድኡ ይጽበዩዎም ኣለው። ከምዚ ዝገብር ከኣ ኣብ ኢዱ ለዓት ዘለዎ’ዩ፤ መን’ዩ ነጋዳይ መን’ዩ ደላሊ ተሓዋዊሱ፡ ሓደገኛ ኵነታት እዩ ተፈጢሩ ዘሎ” ብምባል ኣቶ እያሱ ኣባይ* መረርኡ ይገልጽ።
እያሱ ኣባይ - ሓቀኛ ሽሙ ኣይኰነን - ነጋዳይ’ዩ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ገለ ሃለኽቲ ነገራት ሕጽረት’ኳ እንተሎ፡ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ብብዝሒ ይኣትው ኣለው ይብል።
በቲ ዝዕዘቦ ዘሎ ኵነታት፡ ንመጻኢ ንርእሱ ተመሊሱ ናብ ንግዲ ዝኣትወሉ ዕድል ክህሉ ድዩ? ብሱሩኸ መንግስቲ ናብ ስርዓት ከእትዎ ድዩ? ዝብል ስክፍታ ከም ዘለዎ ይዛሪብ።
ምንቅስቓስ ንግዲ እታ ከተማ ካብ ስሩዕ መስርሕ ንግዲ ጠቕሊሉ ምውጽኡ፡ ምክትል ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ከተማ መቐለ ኣቶ በሪሁ ሃፍቱ ሓቢሩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ግን፡ ነቶም ዕዳጋ ብሒቶምዎ ዝበሃሉ ዘለው “ነጋዶ” ከመይ ክፈልጦምን ጥዕና ዘለዎ ስርዓት ዕዳጋ ኣብ ምፍጣር ክነጥፍን ዘይክኣለ?
“በየናይ ኣድራሻ ኢና እሞ ክንፈልጦም?" ዝብል ኣቶ በሪሁ፡ "ሕዚ ነጋዳይ ኰይኑ ዘሎ ፍቓድ ንግድን ኣድራሻን ዘይብሉ እዩ። መብዛሕትኡ፡ ነታ ዝሸጣ ጻዕዳ ጣፍ’ውን ንከርኢ ኣብ ጁባኡ’ዩ ሒዙዋ ዝመጽእ፤ ብድሕሪኡ ኣብዚ ቦታ’ዚ ኬድካ ዓድግ ይብለካ።
"ስለዚ፡ ብቐጥታ ንክትከታተሎ ቅሩብ የጸግም’ዩ። ግን ምስቲ ማሕብረሰብ ስለ ዝነብር፡ ነተን ተርእዮታት ዝጥቁመሉ መድረኻት እንተዝፍጠር ገለ ነገር ክስራሕ ምተኽኣለ ኢለ ይኣምን” ኢሉ።
“ዘይርአ መንግስቲ እማ ተመስሪቱ’ዩ”
ንዝሓለፉ ልዕሊ 18 ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ ምሉእ ዕጽዋን ምቍራጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ብርክት ዝበሉ መሰረታዊ ቀረባት ብኮንትሮባንድ ይኣትው ከም ዝነበሩ ይግለጽ።
እዚ ናብቲ ክልል ንዝልኣኽ ጥረ ገንዘብ’ውን ዝሕውስ እዩ።
ስራሕ ኮንትሮባንድ ኣብ ዝስርሓሉ እዋን ናይ መኽሰብ ተኻፈልቲ ስለ ዝበዝሑ ወሰኽ ዋጋ ክረአ ምኽንያት’ኳ እንተዀነ፡ ነጋዳይ ብርክት ዝበለ ገንዘብ ኣውጺኡ ኣብ ኢዱ ምሓዙ፣ ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ብጥረ ገንዘብ ምዃኑን ዋጋ ሸቐጣት ምውሳኹን ንክብደት ናብራ ከም ዘጋደዶ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።
ምስዚ ብዝተሓሓዝ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዘዘራረብናዮ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ፖለቲካዊ ሰልፊ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣቶ ሃይሉ ከበደ፡ እዚ፡ እቲ ነቲ ክልል ዘመሓድር ዘሎ መሓውር ቍጠባ እዋን ኲናት ከመይ ይምራሕ ዝብል መስርሕ ስለ ዘይብሉ ዝፈጠሮ ጸገም’ዩ ክብል ገሊጹ’ዩ።
“ሕዚ፡ ብቐንዱ ገንዘብ የለን፣ ሰራሕተኛ መንግስቲ ደሞዝ የብሉን። እቲ ናይ ንግዲ ስርዓት ድማ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ኢድ ምስቲ ስርዓት ርክብ ዘለዎም ውሑዳት ነጋዶን ናይ ኮንትሮባንድ ነጋዶን ዝሓዝዎ ክኸውን ክኢሉ'ዩ። ኵልሻብ ነጋዳይ ከምዚ ዓይነት ስርዓት ኣልቦነት ኣሎ ኢሉ ዝኣምነሉ ንፋስ ዘምጽኦም ዕድላት'ዩ ዝጥቀም። ኣብ ኲናት፡ መንግስቲ እዩ ስርዓት ከትሕዝ ዝኽእል” ኢሉ።
እቲ ኲናት፡ ንጠለብ ዕዳጋ ክመልእ ዝኽእል ኣምጻእን ጅምላ ኣከፋፋልን ኣብ ቦታኡ ከይህሉ ብምግባሩ ስሩዕ ስርዓት ንግዲ ተኸቲሉ ዝመጽእ ሸቐጥ ኣይነበረን ዝብል ምኽትል ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ከተማ መቐለ ኣቶ በሪሁ ሃፍቱ፡ ኣብ ኮንትሮባንድ ክነጥፉ መምርሒ ተዋሂቡ ምንባሩ ሓቢሩ።
“ኣብ ዕጽዋን ክባን ስለ ዘለና፡ ኣብ መገዲ ዘጋጥምዎ ጸገማት ተጻዊሩ ንህዝቢ ዝጠቕሙ ሸቐጣት ከምጽእ ዝኽእል ኣካል እንተሃልዩ ሸቐጣት ከምጽእ ምስ መንግስቲ ምርድዳእ ተገይሩ፡ ብኮንትሮባንድ የምጽእ ዝብል መምርሒ ተፈቒዱሉ’ዩ። እቲ ብኸምዚ መገዲ ሸቐጣት ዘእቱ ግን ዝሸጠሉ ቦታን መኻዚኖኡን ኣይፍለጥን። ደላልን ካልእን ዝዓብለሎ’ዩ፤ እዚ ንኽትቈጻጸሮ’ውን ከቢድ እዩ” ይብል።
ኣብዚ እዋን ከኣ ኣብ ትግራይ ሕጽረት ገንዘብን ካልኦት መሰረታዊ ቀረባትን ብምህላው፤ እቲ ጠለብ ልዑል ስለ ዝዀነ ኣብ ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ንግዲ ዝዋፈሩ ውልቀ ሰባትን ነጋዶን ክበዝሑ ምኽንያት ከም ዝዀነ እውን ሰብ ሞያ ይዛረቡ።
እዚኦም፡ መንግስቲ ዘይሰርሖ ነገር ክህሉ እንከሎ ወይ ብናይ ምምሕዳር ሕጽረት ቀረብ ከቕርብ እንተዘይክኢሉ ዝፍጠሩ ጸገማት ምዃኖም፡ ቅድሚ ሕጂ ዘዘራረብናዮ ሽሙ ክዕቀብ ዝሓረየ ክኢላ ገበንን ድሕነትን ገሊጹ ነይሩ።
ንሱ፡ "ንኣብነት፡ ናብ ዝኾነ ከባቢ ቀረባት ክኣትው እንተዘይክኢሎም ኮንትሮባንዲስት ይኣትው፤ ንመንግስቲ ተኪኦም ይሰርሑ እሞ መኽሰቦም ይወስዱ። ከምዚ ዝበለ ጸገም ክፍጠር እንከሎ ክኣ፡ ተበለጽቲ ኣካላት ይፍጠሩ። ነቲ ሰብ ኣማረጺ ከምዝስእን ይገብሩ እሞ ከይፈተኻ ናብ ናቶም ቢዝነስ የእትውኻ። ኩሉ ነገር ምስተሳእነን ምስ ተዓጽወን ከኣ ዋላ እውን ነቲ ገበነኛ እትብሎ ገንዘብካ ሂብካ ክትዕድግ ልሙድ ይኸውን" ይብል።
ሓደ ነጋዳይ ንኻልእ ነጋዳይ ዋጋ ክውስኽ ከገድዶ እትርእየሉ፣ ቅርሺ ዝሓዘ ተዘራሪቡ ዋጋታት ዝውስነሉ ኵነታት ዕዳጋ’ዩ ተፈጢሩ ዘሎ ዝበለ መምህር ሸዊት ብወገኑ፡ መዓልታዊ እናተዘራረቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቀረባት ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩ "ነጋዶ" ምህላዎም ተዛሪቡ።
“ነዳዲ ዝሸጡ ነጋዶ ኩሎም ስለ ዝፋለጡ፡ ንጉሆ ንጉሆ ተኣኪቦም ኰፍ ኢሎም’ዮም ዋጋ ዝውስኑ፤ ጣፍ’ውን ከምኡ። ነዚ ኵነታት ተበሊጹ ዝተጋነነ ዕዳጋ ንዝጽዕን ዘሎ ነጋዳይ ሽፋን ዝህብ፡ ከም ዘይርኣየ ዝሓልፍ ምናልባት ብጥቕሚ ዝተኣሳሰረ ኣካል ዘሎ ይመስል። ምኽንያቱ እቲ ዝምልከቶ ቢሮ ስርሑ ሰሪሑ ክኣልዮ ዝኽእል ክሳራ ኰይኑ እናሃለወ ዳርጋ ካልእ ዘይርአ መንግስቲ’ዩ ተመስሪቱ” ይብል።
ምፍራስ መሓውራት መንግስትን ሕጋዊ ትካላትን ነዚ ካብ ስርዓት ወጻኢ ንዘሎ ምንቅስቓሳት ክሰፍሕ ምኽንያት ኰይኑ’ዩ ዝብል ኣቶ በሪሁ፡ እዚ ንኽትትልን ሓገዝን ቤት ምኽሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን እታ ከተማ’ውን ከም ዝጸለዎ’ዩ ዝዛረብ።
እዚ፡ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እቲ ቤት ምኽሪ ንዝሓቝፎም ነጋዶ ፍቓድ ንግዲ ኣሐዲሱ ክብል ከም ዘይክኣለን በዚ ምኽንያት እቲ ነጋዳይ ካብ ኣባልነት’ውን ከም ዝወጽአ ከም ዝሕሰብን ሓቢሩ።
እቲ ሕጂ ምኽንያት መረረ ህዝቢ ዀይኑ ዘሎ ምኽባር ዋጋታት ድማ፡ እዚ ክፍተት ዝፈጠሮ’ዩ ኢሉ ይኣምን።
“ሞተር ሳይክል ሒዞም ክሳብ መእተዊ ክልል ዓፋር ከይዶም ነቲ ኵነታት እናንበቡ ዋጋታት ዝውስኹ ደለልቲ’ዮም ዘለው። እዚኦም መንግስቲ እዩ ክከታተሎም ዝኽእል፤ እንተወሓደ ሰራዊት ኣለዎ። በዚ ገይርካ ነቲ መረረ ህዝቢ ምፍታሕ ምተኻእለ ነይሩ። ናይዚ ኵሉ ውድቀት ግን ኣብቲ ህዝቢ ጸገም ተፈጢሩ ኣሎ” ኢሉ።
እቲ ዕዳጋ ክሳብ ዝረጋጋእ ከኣ ሸማቶ ማሕበራት ሸቐጣት ዘምጽኣሉ ኵነታት ምፍጣር ግዝያዊ መፍትሒ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጽ እቲ ምኽትል ፕረዚደንት፡ “ብቐንዱ ግን ስርዓት እዩ ንዅሉ ዘድሕን፤ ስርዓት ዝፍጠረሉ መገዲ ክህሉ ኣለዎ” ክብል ተዛሪቡ።