ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቱርኪ-ሶርያ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 28,000 በጺሑ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ቱርኪን ሶርያን ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዳርጋ ሓደ ሰሙን ኮይንዎ ኣሎ።
ብሰንኪ እዚ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ድማ ልዕሊ 28 ሽሕ ከም ዝበጽሑ ተፈሊጡ።
ምክትል ፕረዚደንት ቱርኪ ፉዋት ኦክታይ ኣብ ቱርኪ ቁጽሪ ዝሞቱ 24,617 ከም ዝበጽሓ ትማሊ ቀዳም ኣፍሊጡ።
ኣብ ሶርያ ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 3500 ከም ዝበጽሐ ኤኤፍፒ ሓቢሩ - ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ግን ሓድሽ ኣሃዛት ኣይተዘርግሐን።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ምሉእ ዕምቆት ሳዕቤን ናይቲ ሓደጋ ክሳብ ሕጂ ንጹር ከምዘይኮነ ኣጠንቂቑ'ዩ።
እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዘጋጥም ዳርጋ 160 ሰዓታት ዝተቖፀሩ ኮይኖም ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ግን ካብቲ ሓደጋ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ይደልዩ ኣለዉ። ሰባት ብህይወት ናይ ምርካብ ተስፋታት ግን የንቆልቁል ኣሎ።
ኣብቲ ናዕቢ ሓገዝ ዝገብሩ ዝነበሩ ጀርመናውያን ሰራሕተኛታት ምድሓን ነፍሲን ሰራዊት ኦስትርያን፡ ኣብ መንጎ ስሞም ዘይተጠቕሰ ጉጅለታት ዝተፈጥረ ግጭት ብምጥቃስ፡ ብቀዳም ስርሒታት ምድላይ ደው ኣቢሎም'ዮም።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ኦስትርያ፡ ኣብ ኣውራጃ ሃታይ ኣብ መንጎ መንነቶም ዘይተፈልጡ ጉጅለታት ዝተፈጸመ ግጭት ካብ ኣሃዱ ረድኤት ሓደጋ ሓይልታት ኦስትርያ ዓሰርተታት ኣባላት ምስ ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላት ኣብ መዓስከር መጽለሊ ክደልዩ ከም ዘገደዶም ገሊጹ።
ሌተናል ኮሎኔል ፒየር ኩገልዋይስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ቱርኪ ኣብ መንጎ ጉጅለታት ዝካየድ መጥቃዕቲ እናወሰኸ ይመጽእ ኣሎ" ኢሉ።
ወሲኹ ድማ ህይወት ናይ ምድሓን ጻዕሪ ምስቲ ዘጋጠሞም ሓደጋ ድሕነት ክነጻጸር ከሎ ዝኾነ ርትዓዊ ዝምድና ከም ዘይብሉ ሓቢሩ።
ኣውስትርያ ንጻዕርታታ ናይ ምድሓን ህይወት ደው ምስ በለት ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር፡ ሰራዊት ቱርኪ ሓለዋ ንምሃብ ጣልቃ ከም ዝኣተወን፡ እዚ ድማ እቲ ናይ ምድሓን ስርሒታት ዳግማይ ክጅምር ከም ዘኽኣለን ገሊጹ ኣሎ።
ኩነታት ቁርን ቀዝሕን ንህይወት ኣሽሓት ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት ናብ ፀገም ዘእተወ ኮይኑ መጽለሊ: ማይን መግብን ዘይብሎም ተሪፎም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ቱርኪ ነቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ "ናይዚ ክፍለ ዘመን ዝዓበየ ሓደጋ" ክብል ገሊፅዎ።
ሓደ ዓብዪ ዓለምለኻዊ ጉጅለ ረድኤት ብቕልጡፍ ይእክብ ኣሎ።
ኣብ ሓሙስ ባንኪ ዓለም ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት ቱርኪ ዳግማይ ንምህናጽን ነቶም ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝተሃስዩ ንምድጋፍን 1.78 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ክህባ ቃል ኣትዩ።
ኣብ ባይታ ዝርከቡ 100 ሽሕን ልዕሊኡን ኣባላት ህይወት ኣድሕን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ግን ብሰንኪ ሕጽረት መካይን፡ ዝዓነወ ጽርግያታትን ካልኦት ሎጂስቲካዊ ብድሆታትን ይተኣጓጎል ኣሎ።
ዋና ዳይሬክተር ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምሉእ ስፍሓት ናይቲ ሓደጋ ገና ምዃኑ "ይበርሀልና ኣሎ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ብፍላይ ኣብታ ንነዊሕ እዋን ብዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ዝዓነወት ሶርያ ዝበጽሐ ሓደጋ መጠኑ ዛጊድ ኣይተፈልጠን።
ብሓሙስ ፈላማይ ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ብመሳገሪ ባብ ኣል-ሃዋ ኣብ ኢድሊብ ኣቢሉ ናብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሶርያ ዶብ ሰጊሩ ኣሎ።
እዚ መሳገሪ ድማ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት በቲ ሓይልታት መንግስቲ ሶርያ ዝቆጻጸርዎ ከባቢታት ከይተጓዕዘ ናብቲ ዞባ ክበጽሕ ዝኽእለሉ እንኮ መገዲ እዩ።
ጉተረዝ ተወሳኺ ሓገዝ ይስዕብ ከምዘሎ ዝሓበረ ኮይኑ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ድማ ቀረብ ብልዕሊ ሓደ መሳገሪ ዶብ ክበጽሕ ክፈቅድ ኣተሓሳሲቡ።
"እዚ ሓድነት ዘድልየሉ ህሞት እዩ። ፖለቲካዊ ወይ ንምብታን ዝስርሓሉ ህሞት ኣይኮነን። ሰፊሕ ደገፍ ከምዘድልየና ርዱእ'ዩ" ኢሉ።
ድሕሪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ኣለፖ ዝሃደመት ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ሙኒራ መሓመድ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ "ትማሊ ምሸት ኣዝዩ ዝሑል ስለዝነበረ ምድቃስ ኣይከኣልናን" ኢላ።
ጉጅለ ህይወት ኣድሕን ዋይት ሄልሜትስ እቲ እንኮ ናብቲ ዞባ ዝበጽሐ ቃፍላይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተዓጽዮም ንዝነበሩ ሰባት ዘውጽእ ፍሉይ መሳርሒታት ከምዘይሓዘ ገሊጹ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ "እዚ ከምዚ ዓይነት መሳርሒታት ካብ ትሕቲ ፍርስራስ ህይወት ንምድሓን ኣብ ዘድልየና እዋን ዘይምህላዉ ኣዝዩ ተስፋ ከም ዝቖርጽ ይገብረና" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መጠንቀቕታታት ካልኣይ ሓደጋ
በቲ ሓደጋ ኣብ ቱርኪ 24,617 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣብ ሶርያ ድማ ብውሕዱ 3,500 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰበስልጣን ይገልጹ።
እዚ ቁጽሪ ካብቲ ኣብ 1999 ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቱርኪ ብዘጋጠመ ተመሳሳሊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሞቱ ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት ዝዛይድ እዩ።
ኣብ መላእ ቱርኪን ሶርያን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢታት ራብዓይ ለይቲ የሕልፉ ኣለዉ።
ንኣዝዩ ሓያል ቁሪ ተቓሊዖም ከምዘለዉ ድማ ይግለፅ።
ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ቱርኪ ካብ ሞት ዝደሓነን ሕጂ ምስ ስድርኡ ኣብ ደርቢ ሓደ ስፖርታዊ ህንፃ ዝነብርን ረሳት ጎዝሉ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ክሳብ ሕዚ ከምዘይኣተዉ ተዛሪቡ።
ብዙሓት ኣብ ውሽጢ እቲ ፍርስራስ ተዓጽዮም ከምዝጸንሑን ካልኦት ድማ ብሰንኪ ቁሪ ከምዝሞቱን ሓቢሩ።
"እዚ እንተቐጺሉ ከቢድ ናይ ጥዕና ጉዳያትን ሕማምን ክህሉ ይኽእል'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባት "ኣዝዩ ቅልጡፍ" መጽለሊ፣ መግቢ፣ ማይን መድሃኒትን ክረኽቡ እንተዘይክኢሎም ካልኣይ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘጋጥም ኣጠንቂቑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







