14 ሰባት ብሰንኪ ሓደጋ ነፋሪት ሞይቶም

ዝወደቐት ነፋሪት

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ብቐዳም 16 መስከረም ኣብ ኣማዞን ብራዚል ኣብ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ትበርር ዝነበረት ሓንቲ ነፋሪት ተሓምሺሻ 14 ሰባት ሞይቶም።

እታ ካብ ማናውስ ናብ ባርሴሎስ ትጓዓዝ ዝነበረት ንእሽቶ ነፋሪት ክትዓለብ ክትብል እዩ’ቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ኣብታ ነፋሪት 12 ተሳፈርትን ክልተ ሰራሕተኛታትን ከም ዝነበሩን ኵሎም በቲ ሓደጋ ከም ዝሞቱን ገሊጾም።

ጠንቂ እቲ ሓደጋ ንምፍላጥ መርመራ ተጀሚሩ ኣሎ።

ሓላፊ ጸጥታ ግዝኣት ኣማዞናስ ቪኒቺየስ ኣልመይዳ ከም ዝገለጾ፡ ናይ መጀመርታ ሓበሬታ እታ ነፋሪት ኣብ እዋን ብርቱዕ ዝናብን ንምርኣይ ኣብ ዘጸግም ኵነታትን ኣብ ባርሴሎስ ክትዓልብ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን ከም ዝወደቐት የመልክት።

እታ ነፋሪት ብብራዚላዊ ትካል ነፋሪት ኢምሬር ዝተሰርሐት ክልተ ሞተር ዘለዋ ምዃና ብራዚላዊ መርበብ ሓበሬታ ጂ1 ጸብጺቡ።

ወናኒ እታ ነፋሪት ማናውስ ኤሮታክሲ፡ እታ ነፋሪትን ሰራሕተኛታታን ክትበርር ንኽትክእል ዘድሊ ኵሉ ረቛሒታት ከም ዘማልኡ ምግላጹ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኣማዞናስ ዊልሰን ሊማ "ጕጅለታትና ካብታ ሓደጋ ዘጋጠመላ ህሞት ጀሚረን ኣድላዪ ደገፍ ንምሃብ ይሰርሓ" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ወሲኹ’ውን "ንስድራቤትን ፈተውትን ግዳያት ይጽሊ ኣለኹ" ኢሉ።

ከንቲባ ከተማ ባርሴሎስ ኤድሰን ደ ፓውላ ሮድሪገዝ መንደስ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ ነፋሪት ብሓደ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ጸወታ ምግፋፍ ዓሳ ዝነጥፍ ነጋዳይ ከም ዝተኻረየት ሓቢሩ።

እቶም ተሳፈርቲ ድማ ኣብቲ ስፖርት ክሳተፉ ካብ ካልእ ከባቢታት ብራዚል ዝመጹ ኣዕሩኽ ምዃኖም ገሊጹ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ሬሳታት እቶም ግዳያት ብወግዓዊ መንነቶም ንምልላይ ናብ ማናውስ ክውሰድ ምዃኑ ሓቢሮም።

ባርሴሎስ ናብ ሓያሎ ሃገራዊ ፓርክታት ቀረባ ስለዝዀነት ህቡብቲ መዕረፊት በጻሕቲ እያ።

መስከረም፡ ኣብ ኣማዞናስ እቲ ዝለዓለ ወቕቲ ምግፋፍ ዓሳ ዝጅምረሉ እዋን ምዃኑ ይግለጽ።