ኲናት ቓዛ፡ 'ኣብ ነፍስ-ወከፍ ጐደና ምዉታት ኣለዉ'

ትማሊ ሰኑይ፡ ኣብ ምድረ ቓዛ ቀዳመይቲ መዓልቲ ሰላም ኰይና ውዒላ።

ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን በርጌሳውያንን ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ንዝወረደ ዕንወት ክብጽቡ ጀሚሮም።

ትካል ምክልኻል በርጌስ ቓዛ ልዕሊ 10 ሽሕ ሬሳታት ኣብ ትሕቲ ፍርስራሳት ህንጻ ክህሉ ከም ዝኽእል ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል ማሕሙድ ባሳል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ዝሞቱ ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ክረኽብዎም ተስፋ ከም ዘለዎም እኳ እንተ ገለጸ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ቡልዶዘራትን ካልኦት ኣገደስቲ ናውትን ግን ክደናጐዩ ተኽእሎ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ሰንበት ተዅሲ ደው ድሕሪ ምባሉ ካብ ቓዛ ዝወጽኡ ኣሳእል፡ ኣብ ዝሓለፈ 15 ኣዋርሕ መጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ - ብሕልፊ ሰሜናዊ ክፋል - ዘውረዶ ደርማስ ዕንወት ዘርእዩ እዮም።

ሕቡራት ሃገራት ኣቐዲሙ ኣብ መላእ ቓዛ ካብ ዝርከቡ ህንጻታት፡ 60 ሚእታዊት ከም ዝዓነዉ ገምጋሙ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ብሰንበት ተዅሲ ደው ብምባሉ፡ ኣብ ክንዲ ሂምታት ቦምባ ብጽንብል ህዝቢ እኳ እንተ ተክአ፡ ንደቂ ቓዛ ገጢምዎም ዘሎ ብድሆ ግን ተስፋ ዘቝርጽ እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት (WFP)፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ቓዛውያን ብዘይ ቤትን ብዘይ ኣታውን ተሪፎም፡ ኣብ ሓገዝ ዝተመርኰሰ ህይወት ንኽነብሩ ተገዲዶም ኣለዉ።

እቲ ሓገዝ፡ ብሰንበት ብኡንብኡ ናብ ቓዛ ክኣቱ ጀሚሩ። እታ መዓልቲ ቅድሚ ምዝዛማ፡ ብውሕዱ 630 ናይ ጽዕነት መካይን ከም ዝኣተዋ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ትማሊ ሰኑይ 915 ናይ ጽዕነት መካይን ናብቲ ከባቢ ከም ዝኣተዋ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ምክትል ዳይረክተር ትካል ስደተኛታት ፍልስጤም ኡንዋርዋ ሳም ሮዝ፡ እዚ ሓገዝ እታ ወሽመጥ ናብ ንቡር ህይወታ ንኽትምለስ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ መጀመሪ ጥራሕ ምዃኑ ገሊጹ።

"ብዛዕባ መግቢ፡ ክንክን ጥዕና፡ ህንጻታት፡ ጽርግያታት፡ ትሕተ ቅርጺ ጥራሕ ኣይኰናን ንዛረብ ዘለና፣ ዳግማይ ክህነጹ ዘለዎም ውልቀ-ሰባት፡ ስድራቤታት፡ ማሕበረሰባት ኣለዉና፡" ኢሉ።

"እቲ ኣብ ዝሓለፈ 16 ኣዋርሕ ዝሓለፉዎ ስንባደ፡ ስቓይ፡ ዝፈትውዎም ምስኣን፡ ሓዘን፡ ስምዒት ውርደትን ጭካነን ርኢኻ፡ እቲ ጕዕዞ ሕውየት ኣዝዩ ነዊሕ መንገዲ ክኸውን እዩ።"

ሰብመዚ ጥዕና ፍልስጤም ከም ዝገለጹዎ፡ ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፡ ኣብ ቓዛ ልዕሊ 46,900 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 110,700 ድማ ቈሲሎም።

ትካል ሲቪል ምክልኻል ቓዛ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ 48 ሚእታዊት ካብ ኣባላቱ ኣብቲ ግጭት ከም ዝተቐትሉ፡ ዝቘሰሉን ዝተኣስሩን ሓቢሩ። ብተወሳኺ፡ 85 ሚእታዊት ካብ መካይኑን 17 ካብ 21 መሳለጥያታቱን ከም ዝዓነወ ገሊጹ።

ዛጊት ብመጥቃዕቲ ኣየር ዝኽሰት ሓደጋ እኳ እንተ ዘየሎ፡ ሰራሕተኛታት ትካል ምክልኻል በርጌስ ግን ነቲ ስቓይ ዝመልኦ ዕዮኦም ይቕጽሉዎ ኣለዉ።

እዞም ኣባላት ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቓዛ ንቢቢሲ ኣብ ዘካፈሉዎ ኣሳእል፡ ብዛዕባ መይቶም ዝረኸቡዎም ዕሸላትን ኣብ ዝበኣሰ ኵንታት ዝረኸቡዎም ሰባትን ዘርኢ እዩ።

"ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ጎደና ዝሞቱ ሰባት ኣለዉ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ህንጻታት ሰባት ኣለዉ፡" ይብል ወዲ 24 ዓመት ሰራሕተኛ ምክልኻል በርጌስ ዓብደላ ኣልማጅዳላዊ።

"ተዅሲ ደው ድሕሪ ምባሉ ከይተረፈ፡ 'ስድራይ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ ተቐቢሮም ኣለዉ፣ ንዑ ሓደራኹም ርድኡና' ዝብል ጻውዒት መጺኡና፡"።

ሰራዊት እስራኤል ህዝቢ ካብ ዝነብረሉ ከባቢታት ከንሳሕብ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ተመዛበልቲ ናብቲ ቦታ ክንቀሳቐሱ ገና ሓደገኛ እዩ ዘሎ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ሰባት ናብቲ ውሻል ዞባ ኰነ ንደቡባውን ሰሜናዊን ቓዛ ዝፈሊ ዶብ ከይኣትዉ ኣጠንቂቖም እዮም።

ሓያሎ ቓዛውያን ግን ካብቲ ዝተዋህቦም መጠንቀቕታ ንላዕሊ፡ ኣብ ዝዓነወ ቤቶም እንታይ ኰን ተሪፉ ይኸውን ክፈልጡ ምሒር ሃንቀውታ ኣለዎም።

ኣብ ሓደ ፋብሪካ ከም ተቘጻጻሪ ዝሰርሕ ዝነበረ ወዲ 42 ዓመት ሃተም ኤሊዋህ፡ ካብቲ ኣብ ደቡብ ዝርከብ መዕቈቢኡ ብእግሩ ናብ ሰሜን ክሳግም ይሓስብ ከም ዘሎ ገሊጹ።

"ተዅሲ ደው ክብል፡ ከምቲ ሰባት ንመንግስተ-ሰማይ ክኣትዉ ሃረር ዝብሉዎ ኢና ክንጽበዮ ጸኒሕና፡" ይብል`ሞ፡ "ክልተ ኣሕዋተይን ስድራቤቶምን ስኢነ። ደቂ ሓው`ቦይን ኣኮታተይን ስኢነ። ክሳዕ ሕጂ ሓደ ተስፋ ዝጸንሓኒ ነገር እንተ`ልዩ ናብ ቤተይ ምኻድ ጥራሕ'ዩ፡" ይውስኽ።

እቲ ስምምዕ ክፈርስ ከም ዝኽእል ብኽልተኦም ወገናት ስክፍታታት ኣሎ።

እስራኤል፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክትጅምር መሰል ከም ዘለዋ ኣስሚራትሉ እያ።

ዋና ጸሓፊ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቶረዝ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ስምምዕ "ጩራ ተስፋ" ብምባል ብሓጎስ ከም ዝተቐበሎ ብምግላጽ፡ ክልተኦም ወገናት ግዴታታቶም ከማልኡ ጸዊዑ።