እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምቍራጽ ተዅሲ ቓዛ፡ ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ክፍትሑ ጀሚሮም
ብሮቡዕ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ጀሚሩ ኣሎ።
እስራኤል ሰለስተ ጅሆ ዝተታሕዛ - ን15 ኣዋርሕ ብሓማስ ኣብ ቓዛ ተታሒዘን ዝነበራ - ናብ መሬት እስራኤል ተመሊሰን ከም ዘለዋ ገሊጻ።
ሓማስ፡ እተን ጅሆ ዝተታሕዛ ሰባት፡ ተዅሲ ደው ምባል ድሕሪ ምጅማሩ ድሕሪ ሰዓታት፡ ብቀይሕ መስቀልኣ ኣቢለን ናብ ሰራዊት እስራኤል ክሓልፋ ከም ዝገበረ ተገሊጹ።
እዘን ውልቀሰባት፡ ጓል 31 ዓመት ዶሮን ሽታይንብሬቸር፡ ጓል 28 ዓመት ብሪጣንያዊት እስራኤላዊት ኤሚሊ ዳማሪ፡ ጓል 24 ዓመት ሮሚ ጎነንን ምዃነን ተረጋጊጹ ኣሎ።
ጐና ጐኒ፡ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል፡ ፍልስጤማውያን እሱራት ንምውሳድ ናብቲ ኣብቲ ዝተጐበጠ ዌስት ባንክ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ቤት ማእሰርቲ ክኣትዉ ጀሚሮም ኣለዉ።
ሎሚ 90 እሱራት ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣብኡ ክወጽኡ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ድማ፡ በተን ዝተፈትሓ ሰለስተ ጅሆ ዝተታሕዛ እስራኤላውያን ዝግበር ዘሎ ምልውዋጥ እሱራት'ዩ።
ሓማስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝተፈትሐ ጅሆ 30 ፍልስጤማውያን እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ክፍትሑ ምዃኖም ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ትማሊ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ተዅሲ ደው ምባል 1890 ፍልስጤማውያን እሱራት ክፍትሑ ምዃኖምን፡ ብሓማስ ዝተትሓዙ 33 እስራኤላውያን ጅሆታት ክምለሱ ምዃኖምን ገሊጹ ነይሩ።
ሕሉፍ የማናዊ ሚኒስትሪ ሃገራዊ ድሕነት ኢታማር ቤን-ግቪር ፡ ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ብምቅዋም ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ኣፍሊጡ።
ቤን-ግቪር ምስ ዪትሻክ ዋሰርላፍን ኣሚቻይ ኤልያሁን ብምዃን ሎሚ ንጉሆ ስልጣኖም ከም ዝለቁ ዝገልጽ ደብዳበ ኣእቲዮም ኣለው።
ቤን-ግቪር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ክቃወም ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ኣንጻር ሓማስ እትገብሮ ወተሃደራዊ ስርሒት ክትቅጽሎ ይደፍእ።
ቤን-ግቪር ካብ ስልጣኑ ከም ዝለቐቐ ንነታንያሁ ኣብ ዝለኣዀ ጽሑፍ፡ ነቲ መንግስቲ ንምውዳቕ ከም ዘይሰርሕ እኳ እንተገለጸ፡ ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ግን "ምሉእ ዓወት ንሽበራ" ክብል ገሊጽዎ።
ኔታንያሁ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፉ 15 ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ስርሒታት እስራኤል ንቕትለት መራሒ ሓማስ ያሕያ ሲንዋር ሓዊሱ ዕዉት ዕዮ ከም ዝዓመመ ሓቢሩ።
"መልክዕ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ቀዪርናዮ፡" ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብዚ ግዜ`ዚ ሓማስ "ምሉእ ብምሉእ በይኑ፡" ከም ዝተረፈ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ሓማስን እስላማዊ ጅሃድን ይርከቡዎ ኣብ ዝበለቶም ቦታታት ቓዛ መጥቃዕቲ ኣየር ቀጺላቶ ኣላ።
እቲ ስምምዕ ትማሊ ረቡዕ ካብ ዝግለጽ ንደሓር፡ ልዕሊ 120 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሰበስልጣን ሓማስ ገሊጾም።
ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ሰሙናት፡ እቶም 33 ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ብ1890 ፍልስጤማውያን እሱራት ብምልዋጥ ክፍትሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ብመሰረት ውዕል ናይቲ ስምምዕ፡ እስራኤል ሓይላ ካብ ቓዛ ንድሕሪት ክትስሕብ እውን ክትጅምር እያ።
እቲ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል እንታይ የጠቓልል?
ቀዳማይ መድረኽ
ሓደ ፍልስጤማዊ ብዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ መድረኽ'ዚ፡ 34 በርጌሳውያን ክዀኑ ትጽቢት ዝግበረሎም ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ብፍልስጤማውያን እሱራት ክለዋወጡ ምዃኖም ሓቢሩ።
ሰለስተ ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ንእለቱ ክፍትሑ እንከለዉ፡ ዝተረፈ ምልውዋጥ ድማ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን ክካየድ እዩ።
ኣብዚ መድረኽ'ዚ፡ ወተሃደራት እስራኤል'ውን ካብቲ ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢታት ቓዛ ከንሳሕቡ ክጅምሩ እዮም።
እቲ ፍልስጤማዊ ብዓል ስልጣን ከም ዝገለጾ፡ ዝርዝር ስምምዕ ካልኣይን ሳልሳይን መድረኽ ተዂሲ ደው ምስበለ ኣብ መበል 16 መዓልታት ክወጽእ እዩ።
ካልኣይን ሳልሳይን መድረኽ
ኣብዚ መድረኽ'ዚ፡ እቶም ዝተረፉ ጅሆ ዝተታሕዙ ወተሃደራትን ኣባላት ዕቝር ሰራዊትን ክፍትሑ እንከለዉ፡ ከም ኣምሳያኡ ድማ ብርክት ዝበሉ ፍልስጤማውያን ክልቀቑ እዮም።
ካብቶም እስራኤል ክትፈትሖም ከም ዝተሰማምዐት ዝተገልጹ 1000 ፍልስጤማውያን እሱራት፡ እቶም ኣስታት 190 ን15ን ልዕሊኡን ተፈሪዶም ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ እዮም። ሓደ እስራኤል ብዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ብቕትለት ዝተፈርዱ ሰባት ግን ከም ዘይፍትሑ ሓቢሩ።
ኣብዚ መድረኽ'ዚ፡ እስራኤል ነቶም ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ናብ ሰሜናዊ ወገን ክምለሱ ከተፍቅድ እያ።
ዳርጋ ኵሎም 2.3 ሚልዮን ዝበጽሑ ተቐማጦ ቓዛ፡ ብሰንኪ እቲ ውግእ ካብ ቤተ-ንብረቶም ክወጽኡ ተገዲዶም እዮም።
ሳልሳይን መወዳእታን መድረኽ ዳግመ-ህንጸት ቓዛ ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ዓመታት ክወስድ ዝኽእል እዩ።
ሓይልታት እስራኤል ኣብቲ ተዅሲ ደው ዝበለሉ ግዜ'ውን፡ ኣብ ውሽጢ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ዝተወሸለ ቦታ ወይ ጸጥታዊ ዞባ ክጸንሑ ምዃኖም እቲ እስራኤላዊ ብዓል ስልጣን ሓቢሩ።