ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ብጋዜጠኝነት ተቖጺሩ

ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ነበር ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብ ተሌቬዥን ጂቢ፡ ጋዜጠኛ ኰይኑ ተቖፂሩ።

ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብቲ ጣብያ ተሌቬዥን ኣቕራቢ መደባት፣ ኣወሃሃድን ተንታንን ክኸውን’ዩ ውዕሊ ፈሪሙ ዘሎ።

ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣውሮጳውያን 2024፡ ሃገራዊ መረፃ ዓባይ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ብምፅብፃብ “ቁልፊ ተራ ከም ዝፃወት” ተገሊፁ።

ብሪጣንያ ኣብ ዙርያ ዓለም ብዛዕባ ዘለዋ ሓይሊ ዘርእይ መደብ ከም ዘቕርብ’ውን ተሓቢሩ።

እዚ ሓደ እዋን ንዓባይ ብሪጣንያ ዝመርሐ ቦሪስ ጆንሰን፡ ጋዜጠኛ ኰይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት “ዘይተጋነነ ምልከትኡ” ከም ዘቕርብ ቃል ኣትዩ።

ኣብ ደይሊ ሜይል’ውን ዓምደኛ ዝኾነ ቦሪስ ጆንሰን፡ ናይ ጋዜጠኝነት ስርሑ ኣብ ዝመፅእ ሓድሽ ዓመት’ዩ ክጅምር።

ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ቦሪስ ጆንሰን፡ “ ናብ ጂቢ ኒውስ ከም ዝፅንበር እንትነግረኩም ብሓጐስ’ዩ” ክብል፡ ብመገዲ ኤክስ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዝዘርግሖ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ “ኣብ ጉዳይ ሩስያ፣ ቻይና፣ ዩክረይንን ካልኦትን ሓቀኛ ትዕዝብተይ ከቕርብ’የ።

ብሪጣንያ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ዘለዋ ዓሚቕ ዓቕምን ብድሆታትን’ውን ክዛረብ’የ” ኢሉ።

ቦሪስ ጆንሰን፡ ሚኒስትራት እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ መሪሕነቱ ምእዳሞም ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2022 ካብ መዝነቱ ከም ዝወረደ ይዝከር።

ኣብ ግዘ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘርኣዮ መሪሕነት’ውን ክሳብ ሕዚ ኣብ ምርመራ’ዩ ዝርከብ።

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መራሕቲ ካብ መዝነቶም ምስ ዝለቕቁ፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ዝሕዝዎ ስራሕ ዘማኽርዎ ሃገራዊ ኮሚቴ ኣሎ።

እዚ ኮሚቴ፡ ቦሪስ ጆንሰን ናብ ጂቢ ኒውስ ክፅንበር ዝፈቐደ እንትኾን፡ ኣብ ስልጣን እንከሎ ዝረኸቦም ሓበሬታታት ብዘይግቡእ ከይጥቀመሉ መስርሕ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ንጂቢ ኒውስ ወኪሉ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፀቕጢ ከይገብር’ውን ጥንቓቐ ክግበር’ዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ቦሪስ ጆንሰን፡ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብምዝራብን ውልቀ ሂወት ታሪኹ ክፅሕፍ ብምስምማዕን፡ 4 ነጥቢ 8 ሚልየን ፓውንድ ረኺቡ’ዩ።

ጂቢ ኒውስ ቅድሚ ሕዚ ንፍሉጥ ተዋዛይ ጆን ክሊስ ከም ዝቖፀረ ይዝከር።

ንቦሪስ ጆንሰን ምቑፃሩ ስዒቡ ድማ፡ ቁፅሪ ተመልከትቲ እዚ ተሌቬዥን ጣብያ ክዛይድ ትፅቢት ይግበር።