ንውድቀት ቦሪስ ጆንሰን ዝመርሑ ሓሙሽተ ጕዳያት እንታይ እዮም?

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣቢሉ፡ ንዓቃባውያን መሪሑ፡ ድሕሪ 1987 ኣብ ምርጫ ዝዓበየ ዓወት ኣመዝጊቡ።

ሕጂ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ደገፍ ኣባላት ባይቶኡ ስኢኑ፡ ካብ ስልጣኑ ይወርድ ኣሎ። ከመይ ኢሉ እዩ ግን ናብዚ ደረጃ’ዚ ወዲቝ?

ጉዳይ ክሪስ ፒንቸር

ብረቡዕ 29 ሰነ፡ ኣባል ባይቶ ክሪስ ፒንቸር - ኣብቲ እዋን ምክትል ዋና ጸሓፊ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝነበረ - ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ክለብ ኣባላት ከይዱ። ክሪስ ብቓላቱ ከም ዘረጋገጾ፡ ሽዑ፡ "ኣመና ሰትዩን ንነብሱ ኣዋሪዱን" እዩ።

ንሱ፡ ኣቐዲሙ'ውን ንኽልተ ሰባት ብምሃርም ተኸሲሱ ነይሩ፣ እቲ ጉዳይ ድማ ዕግርግር ዝመልኦ ክስታት ኣስዒቡ'ዩ። ብርግጽ ገሊኡ ቅድሚ ዓመታት ዝነበረ እዩ። እንተዀነ፡ ንውድቀት’ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝመርሐ፡ ዝተኣሳሰረ ፍጻመታት ኣበጊሱ።

ቀዳማይ ሚስተር ጆንሰን፡ ንፒንቸር ኣብ ለካቲት ምኽትል ዋና ጸሓፊ ገይሩ ቅድሚ ምሻሙ፡ ብዛዕባ "ፍሉይ ክስታት" ፒንቸር ምንም ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ገሊጹ ነይሩ እዩ። ሚኒስተራቱ’ውን ነዚ ነገር [ጆንሰን ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ] ደጋጊሞም ክብልዎ'ኳ እንተተሰምዑ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ቅኑዕ ከም ዘይኰነ እዩ ተረጋጊጹ።

ቢቢሲ፡ ብ4 ሓምለ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሚስተር ጆንሰን፡ ብዛዕባ’ቲ ፒንቸር ዝተኸሰሰሉ ወግዓዊ ጥርዓን ኣፍልጦ ከም ዝነበሮ ኣቃሊዑ።

ንጽባሒቱ፡ ሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ነበር - ሎርድ ማክዶናልድ - እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብዛዕባ እቲ ጥርዓን ብኣካል ከይተረፈ ከምዝተነግሮ ተዛሪቡ።

ብድሕር’ዚ ጆንሰን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ 2019 ከምዝተነግሮ ተኣሚኑ፣ ንፒንቸር ምሻሙ ድማ ጌጋ ምንባሩ ኣሚኑ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ጉዳይ ጽንብላት

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኣብ ሰነ 2020 ንጽንብል ዕለቱ ልደቱ ኣብ ዝተኻየደ ምትእኽኻብ ብምስታፉ፡ ሕግታት ዕጽዋ ጥሒስካ ተባሂሉ፡ ኣብ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት'ዚ ተቐጺዑ ነይሩ።

ኣብ እዋን ቀዳማይ ዕጽዋ ለበዳ ኮሮና፡ ኣብ ጀርዲን ‘ዳውኒን ስትሪት’ ኣብ ዝተኻየደ ድግስ ምስታፉ ኸኣ ይቕሬታ ሓቲቱ።

ምስቲ ሽዑ ዝተኻየደ ጽንብል ብዝተሓሓዝ፡ ፖሊስ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣብ ‘ዳውኒን ስትሪትን ዋይትሆልን’ ሕግታት ዕጽዋ ንዝጠሓሱ ዝበሎም ን83 ሰባት፡ 126 መቕጻዕቲ በይኑሎም እዩ።

ሱ ግረይ ዝተባህለት ላዕለዋይቲ በዓልቲ መዚ መንግስቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት፡ ብፖለቲከኛታት ብሪጣንያ ዝግበር ተደጋጋሚ ጥሕሰት ሕግታት ዕጽዋ ኣመልኪታ ጸብጻብ ኣቕሪባ ነይራ።

"ኣብ ማእከል ዘለው፡ ካብ ላዕለዎት ፖለቲካውን መንግስታውን ሰብመዚ፡ ብዛዕባ’ዚ ባህሊ’ዚ [ጥሕሰት ሕጊ ዕጽዋ] ሓላፍነት ክስከሙ ይግባእ፡" ኢላ ጽሒፋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ንባይቶ ሃገሩ፡ "ኵሉ መምርሒታት ምሉእ ብምሉእ ተተግቢሩ እዩ፡" ኢሉ ነይሩ። እቲ ከምኡ ዝበሎ ግን፡ ብፍላጥ ንፓርላማ ከታልል ኢሉ ድዩ ኣይኮነን? ብዝብል፡ እዚ ጉዳይ ብፍሉይ ኮሚቴ ይምርመር ኣሎ።

ቅልውላው መነባብሮን ወሰኽ ግብሪን

ኣብ 2022 ዝቕባበ፡ ብሓያል ናህሪ፡ ናብቲ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ 9.1% ደረጃ በጺሑ፤ እዚ ኸኣ ናህሪ ዋጋታት ኣኸቲሉ።

ብዙሓት ካብቶም ጠንቅታት፡ ካብ ቍጽጽር ቦሪስ ጆንሰን ወጻኢ እዮም። ንኣብነት፡ ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ፡ ዋጋታት ነዳድን መግብን ክውስኽ ተራእዩ።

መንግስቲ፡ ዋጋ ነዳዲ ንምቍጽጻር ገለ ስጕምትታት’ኳ እንተወሰደ - ንኣብነት፡ ቀረጽ ነዳዲ ብ5 ፔንስ [ሳንቲም] ንሓደ ሊትሮ ብምጉዳል - ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ግን ግብሪ ወሲኹ። ሃገራዊ መድሕን'ውን ኣብ ፓውንድ ብ1.25 ፔንስ ወሲኹ።

መንግስቲ፡ እቲ ዝተገብረ ወሰኽ ግብሪ ንጥዕናን ማሕበራውን ክንክን ዝውዕል ምዃኑ ክገልጽ ጸኒሑ ነይሩ፤ ኣብዚ ሰሙን ዝጀመረ ለውጢ ግን ነቲ ጉዳይ ከም ዘለሳልሶ ይግለጽ ኣሎ። እንተዀነ፡ ልዕሊ 34 ሽሕ ፓውንድ ዓመታዊ ዘእትዉ ዜጋታት ግን፡ እቲ ዝኸፍልዎ ዝያዳ ክፍሊት ግብሪ ኣብ ቦታኡ’ሎ።

መራሒ ሰልፊ ዕዮ ኬር ስታርመር ኣብ ሚያዝያ፡ እዚ "ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ቅልውላው መነባብሮ እዩ፤ መንግስቲ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እዩ እቲ ወሰኽ ግብሪ ክጸዓን መሪጹ፡" ክብል ነቲ ኵነታት ይገልጾ።

መስርዕ ኦወን ፓተርሰን

ኮሚተ ባይቶ ብሪጣንያ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2021፡ እቲ ሽዑ ዓቃባዊ ኣባል ባይቶ ዝነበረ ኦወን ፓተርሰን፡ ን30 መዓልታት ካብ ስራሕ ክድስክል እማመ ኣቕረበ።

እቲ ኮሚቴ፡ ሕግታት ‘ሎቢ’ [ምሕባል - ሓደ ጉዳይ ንምፍጻም ዝግበር መስርሕ] ብምጥሓስ፡ ነተን ዝኸፍላኦ ኩባንያታት ክጠቅም ወይ ከርብሕ ፈቲኑ፡ እዩ ዝብል።

እቶም ብቐዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን ዝምርሑ ዓቃባውያን ግን፡ ምድስካል ኦውን ፓተርሰን ደው ክብል ድምጾም ሂቦም፤ እቲ መርመራታት ብኸመይ ከምዝተኻየደ ዝምርምር ካልእ ሓድሽ ኮሚተ ኸኣ ኣቚሞም።

ድሕሪ ዝሰዓበ መረረ ግን ኣብ መወዳእታ፡ ኦውን ፓተርሰን ካብ ስልጣኑ ወሪዱ። ቦሪስ ጆንሰን ከኣ ድሒሩ ኣብቲ ጉዳይ ግጉይ ኣተሓሕዛ ከም ዝነበሮ፡ "ነታ መኪና ባዕለይ’የ ኣጋጭየያ" ክብል ጌጋኡ ተኣሚኑ።

ትኹረትን ሓሳባትን ዘይምህላው

ቦሪስ ጆንሰን ንጹርን ብቐሊሉ ክትክተሎን ዝከኣል ፖሊሲ ትግባረ 'ብረግዚት' ስለዝነበሮ ኣብዝሓ ድምጺ ረኺቡ እዩ ተመሪጹ።

ነቐፍቱ ከም ዝብልዎ ግን፡ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ፡ ምጕዳል ትኹረትን ሓሳባትን ኣርእዩ - ዳርጋ ሓድሽ ሓሳብ'ውን ኣየምጽአን።

ኣማኻሪኡ ዝነበረን ቀንዲ ነቓፊኡ ዝተቐየረን ዶሚኒክ ካሚንግስ፡ ከም ሓንቲ ቀይዲ ዘይብላ ዓረብያ ዕዳጋ ዓይነት፡ ብዘይምቍራጽ ካብዝን ናብትን ኮለል ብምባል ይወቕሶ።

ካልኦት ድማ ንፍልስፍና ‘ቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሕቶ የእትውዎ፣ እምበርከ ፍልስፍና ኣለዎ ድዩ? ክብሉ’ውን ይስምዑ።

ኣብ ሰነ፡ ኣባል ባይቶ ዓቃባውያንን ሚኒስተር ነበርን ጀረሚ ሃንት፡ ጆንሰን "ቅንዕና፡ ብቕዓትን ራእይን" የብሉን ክብል ወቒስዎ።

ሃንት፡ ቅድሚ’ቲ ጆንሰን ዝተዓወተሉ መተኣማመኒ ድምጺ እዩ ዝዛረብ ነይሩ፣ እቲ ጥርዓናት ግን እናዓበየ ክመጽእ'ዩ ተራእዩ።

ሚስተር ጆንሰን ግን [ዝተባህለ እንተተባህለ]፡ "ስነ-ኣእምሮኣዊ ለውጢ" ከምዘይገብር’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

እዚ ግን ሕጂ፡ ፋዕራ ዓቃባውያን ኣባላት ባይቶ ኣይኮነን። ንሳቶም ተዛሪቦም እዮም፣ ንሱ - እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ድማ ይወርድ ኣሎ።