እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው መሪሕነት ብሪጣንያ፡ 17 ሚኒስተራትን ኣባላት ካቢነን ካብ መዝነቶም ወሪዶም
ልዕሊ 15 ሚኒስተራትን ኣባላት ካቢነን ዝርከብዎም ሰበስልጣን ብሪጣንያ ንቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብምቅዋም ካብ መዝነቶም ወሪዶም ኣለዉ።
ብሰሉስ ክልተ ላዕለዎት ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራት ንመሪሕነት ቦሪስ ጆንሰን ብምንቃፍ ካብ መዝነቶም ድሕሪ ምውራዶም፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ'ሎ።
እቲ ተኣማንነት ብምጉዳሉ ዝንቀፍ ዘሎ ጆንሰን ግን፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ምርጫ 2019 ካብ ህዝቢ ዝረኸቦ መዝነት ኣብ ስልጣኑ ክጸንሕ ምዃኑ ሎሚ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣነጺሩ'ሎ።
ገለ ላዕለዎት ኣባላት ከቢነ፡ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይመኽርዎ ከምዘለዉ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን፡ ኣቐዲሙ'ውን ምስ ምጥሓስ ሕጋዊ መምርሒታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ መቕጻዕቲ ተቐቢሉ ምንባሩን፡ ሓያል ነቐፌታ ከምዘስዓበሉን ይዝከር።
መራሒ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ ዕዮ ሰር ኪር ስታርመር ኣብ ፓርላማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ገዛኢ ሰልፊ ዓቃባውያን "ክትከላኸለሉ ዘይትኽእል ክከላኸል ዝፍትን ዘሎ ብልሹው ሰልፊ" ኮይኑ ምህላዉ ብምንቃፍ፡ እቶም ዝወርዱ ዘለዉ ንባዕሎም ንጽህና ዝጎደሎም'ዮም ኢሉ።
ትማሊ፡ ቻንስለር ሪሺ ሱናክን ሚኒስተር ጥዕና ሳጂድ ጃቪድን ኣብ ውሽጢ ናይ ዓሰርተ ደቓይቕ ፍልልይ ካብ መዝነቶም ክወርዱ እንከለው፡ ካልኦት ሚኒስትራትን ኣማኸርትን እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር’ውን ስዒቦም ኣለው።
ነዚ ስዒቡ ነቐፍቲ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር “ኣብቂዑ” እዩ ክብሉ እንከለው፡ ሰልፊ ዕዮ ድማ እቲ ዝመርሖ ሰልፊ ብልሽው’ዩ ነይሩ ክብል ነቒፉ።
ቦሪስ ጆንሰን ግን፡ ካቢነኡ ብምቕያር ኣብ ስልጣን ከም ዝጸንሕ ገሊጹ'ሎ።
በዚ መሰረት፡ ናዲም ዛሃዊ ሓድሽ ቻንስለር ክኸውን እንከሎ፡ ሓለቓ ስታፍ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ስቲቭ ባርክለይ ድማ ሚኒስተር ጥዕና ገይሩ ሸይምዎም ኣሎ።
ከቢድ ቅልውላው መሪሕነት ኣጋጢሙዎ ዘሎ ቦሪስ ጆንሰን፡ ሎሚ ካብ ኣባላት ባይቶ ብዝቐርበሉ ሕቶታት ክዋጠር ከም ዝኽእል ይግመት።
ውሳነታትን ፖሊሲን መንግስቲ ንዝምርምር ኮሚቴ ኣባላት ባይቶ’ውን መረዳእታ ክህብ እዩ።
ጃቪድን ሱናክን ካብ ስልጣኖም ድሕሪ ምውራዶም ዝሃቡዎ ዕላዊ መብርሂ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብቲ ትማሊ ዝጽሓፉዎ መልቀቒ ደብዳበ ግን፡ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ብትሪ ወቒሶም።
ጃቪድ፡ መሪሕነት ቦሪስ “ንሃገራዊ ረብሓ ኣይሰርሕን ዘሎ” ብምባል ከጠንቕቕ እንከሎ፡ ሱናክ ብወገኑ ህዝቢ መንግስቲ “ብትኽክል፡ ብብቕዓትን ብቕውም ነገርን ክመርሖ” ትጽቢት ይገብር እዩ ኢሉ።
መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊታት፡ ሚኒስተራት ካቢኔ ነዞም ካብ ሓላፍነቶም ዝለቐቝ ላዕለዎት ሚኒስተራት ክጽንበርዎምን ሓላፍነቶም ክለቁን ክጽውዑ እንከለው፡ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ኪር ስታርመር ሓፈሻዊ መረጻ ንኽካየድ ድልው ምዃኑ ተዛሪቡ።
ኣባል ባይቶ ኣንድሪው ሚሸል፡ ቦሪስ “ቀዳማይ ሚኒስተርና ክኸውን ዘኽእሎ ባህሪ ይዅን ወኒ የብሉን” ብምባል “ኣብቂዑ’ዩ” ኢሉ።
መራሒት ቶሪ ኰይና ክትትክኦ ግምት ተዋሂብዋ ዘሎ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሊዝ ትራስ ሓዊሱ ኣባላት ባይቶ ቶሪ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ሚኒስትራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ቦሪስ ዘቕረብዎ ነቐፌታ የለን።
ሊዝ፡ “ሚእቲ ሚእታዊት ኣብ ጐድኒ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር’የ” ክትብል እንከላ፡ ካልኦት ሚኒስትራት’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም።
እቲ ትማሊ ኣጋምሸት ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ነውጺ፡ ቦሪስ ጆንሰን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ክሪስ ፒንቸር፡ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርብ ክስታት ምህላው እናፈለጠ ምኽትል ሓላፊ ውዳበ ገይሩ ምሻሙ “ዓቢይ ጌጋ” ከም ዝነበረ ድሕሪ ምእማኑ ዝስዓበ እዩ።
እቲ ኣባል ባይቶ ዝነበረ ፒንቸር፡ ንክልተ ደቂ-ተባዕትዮ ‘ሃሰስ’ ኢሉዎም ዝብል ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ምስ ቀረበሉ ካብ ኣባልነቱ ከምዝወርድ ተገይሩ’ሎ። ቦሪስ ጆንሰን ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ፒንቸር ኣብ ትሕቲኡ ይሰርሕ ከምዝነበረን ተመሳሳሊ ክሲ ቀሪብሉ ከምዝነበረን ድሕሪ ምእማኑ'ዩ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ዘሎ።
ፒንቸር፡ ቅድሚ ሕጂ ጾታዊ ምስርጣይ ከምዘይፈጸመ'ዩ ዝገልጽ።