ብሪክስ፡ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዋዕላ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣይክሳተፍን'ዩ

ፕረዚደንት ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ‘ብሪክስ’ ከምዘይሳተፍ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፍሊጣ።

መራሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖዛ ንቭላድሚር ፑቲን ንምእሳር ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ኣንጻር ሩስያ ኲናት ምእዋጅ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ'ዩ እዚ ሓድሽ መግለጺ ወጺኡ ዘሎ።

ፑቲን ካብ ሃገር ኣብ ዝወጸሉ ኣብ ቀይዲ ንኽኣቱ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ዝወጸ ትእዛዝ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ፈራሚት ውዕል ምቛም ናይቲ ቤት ፍርዲ ብምዃና፡ ፑቲን ኣብ ግዝኣታ ኣብ ዝኣትወሉ እዋን ኣብ ቀይዲ ከተእትዎ ትጽቢት ይግበረላ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ኣብ ክንድኡ ኣብቲ ንኽልተ መዓልታት ዝካየድ ዋዕላ እታ ሃገር ክሳተፍ እዩ።

ይኹን እምበር፡ ፑቲን ኣብ ዋዕላ ናይቲ ብሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝቖመ ብሪክስ (BRICS) ካብ ማዕዶ ብማንዛ ክሳተፍ ምዃኑ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ገሊጹ።

ብሪክስ፡ ነቲ ሃብታማት ሃገራት ዓለም ጥራይ ዘጠቓልል ፍሉይ ጉጅለ-7 ንምድራግ ዝቖመ ምትእኽኻብ ምዃኑ ይግለጽ።

ቤት ጸሕፈት ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ፑቲን ኣብቲ ዋዕላ ከይሳተፍ ዝተበጽሐ ስምምዕ “ሓባራዊ” ምንባሩ ብምግላጽ፡ ድሕሪ “ሓያለ ልዝባት” ዝተወሰነ ምዃኑ ይጠቅስ።

ደገፍቲ ሩስያ ነቲ ውሳነ ብምንቃፍ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ልኡላውነታ ተጠቒማ ነቲ መሓዛኣ ዝኾነ ሩስያዊ መራሒ ንምሕላውን ንምክልኻልን ክትነክስ ነይሩዋ ክብሉ ይገልጹ ኣለዉ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምስ ኲናት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ ገበናት ኲናት ቅድሚ ምኽሳሱ ናብቲ ዋዕላ ክሳተፍ ንፑቲን ዘቕረበቶ ዕድመ ኣብታ ሃገርን ዓለምን ኣዘራራቢ ኮይኑ ይርከብ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ካብቲ፡ ከም ሓያለ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ግጭት ሩስያን ዩክረይንን ዘይሻራዊ መርገጺ ንምሓዝ ዝተኸተለቶ መስመር ከምዝወጸት ዝእምት ኮይኑ’ዩ ተራእዩ።

ንፕረዚደንት ፑቲን ንምእሳር ጸቕጢ እናወሰኸ ምስ ከደ ግን፡ ካብቲ መንቀራቕሮ ንምውጻእ መንግስቲ ፕረዚደንት ሲሪል ራማፎሳ ኣብ ሃታሃታ ክብል ጀሚሩ።

ኣብታ ሃገር ብኻልኣይ ደረጃ ዝስራዕ ፖለቲካዊ ሰልፊ ደሞክራስያዊ ኪዳን፡ ዝምልከቶም ሰብመዚ ንፑቲን ኣብ ቀይዲ ከእትውዎ ንምግዳድ ናብ ቤት ፍርዲ ጥርዓን ኣቕሪቡ። ዓለምለኻዊ ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ'ውን ኣካል ናይቲ ጥርዓን'ዩ ነይሩ።

ሰነዳት ቤትፍርዲ ከምዘረድእዎ፡ ፕረዚደንት ራማፖዛ ሃገራዊ ድሕነት ከም ምኽንያት ብምቕራብ ነቲ ስጉምቲ (ምእሳር ፑቲን) ክወስድ ቅሩብ ኣይነበረን።

"ሩስያ፡ ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንታ ኣብ ቀይዲ ምእታው ኲናት ምእዋጅ ምዃኑ ኣነጺራ ገሊጻ'ያ። ምስ ሩስያ ኣብ ኲናት ምጽማድ ድማ ምስ ቅዋምና ኣይቃዶን'ዩ" ክብል እቲ ፕረዚደንት ዘቕረቦ ምጉት ይጠቅስ።

ፐስኮቭ ከምዝበሎ ግን፡ ንፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ቀይዲ ምእታው ምእዋጅ ኲናት ምዃኑ ዝገልጽ ንደቡብ ኣፍሪቃ ዝሃበቶ መጠንቀቕታ ኣይነበረን። እንተኾነ ግን፡ ከምኡ ዓይነት "ኣብ ልዕሊ መራሒ ሩስያ ዝፍጸም ግህሰት ትርጉሙ እንታይ ምዃኑ ንኹሉ ብሩክ'ዩ" ኢሉ።

ሩስያ፡ ነቲ ቤት ፍርዲ ገበናት ኣብ ልዕሊ ፑቲን ዘውጽኦ ትእዛዝ ማእሰርቲ፡ ኣባሉ ስለዘይኮነት ኣትሪራ ተቓዊማቶን ነጺጋቶን'ያ።

ኣህጉር ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን፡ ብፍላይ ኣብቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ንሩስያ ዝኹንን ውሳነ፡ ዝተመቓቐለ መርገጺታት'ዩ ዘለዋ። ንዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ገለ ሃገራት ክድግፍኦ እንከለዋ፡ ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ሓያለ ድማ ድምጺ ተዓቅቦ ብምሃብ ማእከላይ መርገጺ ሒዘን ክጓዓዛ'የን መሪጸን።

ከም ብዓል ደቡብ ኣፍሪቃ ዝበላ ዘይሻራዊ መርገጺ ዝወሰዳ ሃገራት፡ ምስ ሞስኮ ጥቡቕ ቁጠባዊ ዝምድና ከምዘለወን ይንገር።

ኤርትራ ግን እታ እንኮ ብወግዒ ንሩስያ ዘለዋ ደገፍ ብምግላጽ ጸግዒ ዝወሰደት ኣፍሪቃዊት ሃገር'ያ። ቤላሩስን ሰሜን ኮርያን ብዓለም ደረጃ ብወግዒ ጸግዒ ሩስያ ዝወሰዳ ሃገራት'የን።