እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ክሳተፍ'ዩ'- ኣምባሳደር ጴጥሮስ ጸጋይ
ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ካልኣይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ንምስታፍ ናብ ሩስያ ክገይሽ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ፡ ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣቶ ጴጥሮስ ጸጋይ ንማዕከን ዜና ሩስያ ስፑትኒክ ብሰንበት 16 ሓምለ ገሊጹ።
እቲ ኣምባሳደር፡ ኣብቲ ዋዕላ ጉዳይ ውድድር ኣጽዋር ጠፈርን ክልኦት ኣህጉራዊ ሓያሎ ጉዳያትን ክዝተየሎም መደብ ከምዘሎ እዩ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ መወዳእታ መዓልታት ግንቦት ናብ ሩስያ ብምኻድ፡ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ኣብ ዝተራኸበሉ፡ ኣብቲ ዋዕላ ንምስታፍ ወግዓዊ ዕድመ ከምዝቐረበሉ ይፍለጥ።
ኣምባሳደር ጴጥሮስ ኣብቲ ብሰንበት ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣቶ ኢሳይያስ ነቲ ካብ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ዝቐረበሉ ዕድመ ተቐቢሉ ናብቲ ዋዕላ ክመጽእ መደብ ሒዙ’ሎ" ክብል ሓቢሩ።
እቲ ኣምባሳደር ወሲኹ፡ ካብቶም ኣብ ኣጀንዳ ዘለዉ ጉዳያት "ጉዳይ ኣህጉራዊ ጸጥታን ጸገም ውድድር ኣጽዋር ኣብ ጠፈርን” እዮም ክብል ምግላጹ፡ ስፑትኒክ ኣሲፊራ’ላ።
ኤርትራ ኣንጻር ምዕራባውያን ዘለዋ መርገጽ ብትሪ ክትገልጽ ዝጸንሐት ኰይና፡ ድሕሪ'ቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ቅሉዕ ወራር፡ ኣብ ጐድኒ ሩስያ ደው ምባላ ዘርኢ ውሳነታት ወሲዳ እያ፤ ከም ውጽኢቱ እቲ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ዝነበረ ዝምድና ክዓሙቕን፡ ብደረጃ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢአን ምብጽጻሕ ኣካይደን እየን።
በዚ መሰረት፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝምራሕ ላዕዋይ ልኡኽ ሩስያ 26 ጥሪ 2023 ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ብምክያድ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ክዘራርብ እንከሎ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝተመርሐ ጕጅለ’ውን ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ናብ ሩስያ ምብጻሕ ኣካይዱ ብምባሩ ይዝከር።
ኣብቲ ናይ ኣስመራ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኤርትራ ንትግባረ እቶም ዝተነጸሩ ናይ ምትሕግጋዝ ጽላታት ቀዳምነት ከምእትህቦም ምግላጹ ይዝከር።
ኣብቲ እዋን "ሩስያን ኤርትራን ንዝለወን ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ንግዳዊ፡ ናይ ወፍሪ፡ ትምህርትን ባህልን ርክባት ንምብራኽ ጭቡጥ ስጕምትታት ክወስዳ" ከምዝተሰማማዓ ተገሊጹ ነይሩ።
ቍጠባዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ንምሕያል ከምዝተዘራረቡን ሚኒስተራት ቍጠባ ክልቲአን ሃገራት ብስሩዕ ክራኸቡ ከምእተረዳድኡን'ውን እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ እዩ።
ኣምባሳደር ጴጥሮስ ኣብቲ ብሰንበት ንስፑትኒክ ዝሃቦ መግለጺ ብወገኑ፡ እዘን ሃገራት ዝጥቀስ ንግዳዊ ርክባት ከምዘይጸንሐን ብምምልካት፡ ነዚ ንግዳዊ ምትእስሳር’ዚ ንምምስራትን ንምድንፋዕን ዘኽእል፡ ልኡኻት ክልቲአን ሃገራት ናብ ኣስመራን ሞስኮን ክሰዳ ምዃነን ሓቢሩ።
"ኣብ መንጐ ክልቲኡ ሃገራት ሓደ መካኒዝም ምትሕብባር ሓንሳእ ምስተፈጥረ ግን፡ ንግዳዊ ንጥፈታት እና’ዓበየ ክኸይድ ትጽቢት ክንገብር ንኽእል ኢና" ክብል እቲ ኣምባሳደር ኣረዲኡ።
ካልኣይ ዋዕላን ቍጠባዊ መድረኽን ሩስያን ኣፍሪቃን ካብ 27-28 ሓምለ 2023 ኣብ ከተማ ሴንት ፒተርስበርግ ሩስያ ክካየድ እዩ።
ፈላማይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ምስ ግብጺ ብሓባር ዝተኣንገደ ኰይኑ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2019 ኣብ ከተማ ሩስያ ሶቺ ከምዝተኻየደ ይፍለጥ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈላለየ መገሻታት ከካይድ ዝርአ ዘሎ ኰይኑ፡ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝተጋብአ፡ ቅልውላው ሱዳን ንምፍታሕ ዝዓለመ ዋዕላ ጐረባብቲ ሱዳን ክሳተፍ ምቕናዩ ይፍለጥ።