ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ቻይናን ሩስያን እንታይ የመልክት?

ካብ ሃገሩ ብዙሕ ክወጽእ ዘይርአ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ቅነ ናብ ቻይናን ሩስያን ዑደት ኣካይዱ’ሎ።

ኣብ ክልቲአን ሃገራት ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ዘካየደ እቲ ፕረዚደንት፡ መራሕቲ እተን ሃገራት ብድምቀት ተቐቢሎምዎ።

ኣቐዲሙ ቅድሚ'ዚ ዑደታት'ዚ፡ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣስመራ ወግዓዊ ዑደት ከምዘካየዱ'ውን ይዝከር።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ቺን ጋንግን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭን ቅድሚ ኣዋርሕ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዶም ነይሮም።

ኣብ ዑደቶም ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን እታ ሃገርን ከምዝተረኸቡ ይፍለጥ።

ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ በይጂንን ሞስኮን ‘ከ እንታይ ትርጕም ክህልዎ ይኽእል?

ኤርትራን እቲ ዑደትን...

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቻይናን ሩስያን ዘካየዶ ዑደት ብዓይኒ ዲፕሎማሲ ክርአ እንከሎ ዓቢይ ዓወት ምዃኑ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡሃሸም ይዛረብ።

“ኣብ ቻይናን ሩስያን ጽቡቕ ኣቀባብላ እዩ ተገይሩሉ። ጽቡቕ ኣፍልጦ'ውን ተዋሂብዎ'ዩ" ይብል።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ብዲፕሎማሲ ካብ ዓለም ምንጻሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ከባቢ ከም ፈጣሪ ጸገም ይቝጸር ከምዝነበረ እዩ እቲ ተንታኒ ዝገልጽ።

ካብዚ ዓለምለኻዊ ተነጽሎ ወጺኡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ኢትዮጵያን ኬንያን ካልኦት ሃገራትን ዝሓሸ ስምምዓት ፈጢሩ'ሎ።

ክንዮ'ዚ ብምኻድ ድማ፡ ነቲ ምስ ሩስያን ቻይናን ዝጸንሖ ርክብ የደልድል ከምዘሎ እዩ ኣቡ ሃሸም ዝዛረብ።

ካልእ ዕላማ ናይቲ ምብጻሕ ስትራተጂያዊ ክበሃል ዝከኣል እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኵነታት ኣሰላልፋ ዓለም ይቀያየር ከምዘሎ የስተብህል ምህላዉ፡ እቲ ተንታኒ ገምጋሙ የቐምጥ።

ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመት ብፍላይ፡ ሎሚ ኣሜሪካ ንበይና ወይ ምስ ኔቶ ንዓለም ትቈጻጸራ ከም ዝነበረት ዝጠቅስ ኣቡ ሃሽም፡ ኣብዚ እዋን ግን እዚ ተቐይሩ፡ ዓለም ናብ ብዙሐ-ቀጽራዊ [መልቲ ፖላር] ስርዓት ትኸይድ ምህላዋ የረድእ።

"ቻይናን ሩስያን ብዓለም ደረጃ መወዳድርቲ ኣሜሪካ ኰይነን ይመጻ ኣለዋ። ስለዚ [እቲ ፕረዚደንት] ናብ ቻይናን ሩስያን ዝወገነ ምዃኑ እውን ዘርኢ እዩ” ይብል።

ስለዝዀነ እዚ ዑደት ንፕረዚደንት ኢሳይያስን ሃገሩ ኤርትራን ጥራይ ዘይኰነ፡ ንሞስኮን በይጂንን እውን ረብሓኡ ዕዙዝ እዩ።

"ኣብቲ ከባቢ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ተኣማኒትን ዝተረጋግአትን ሃገር ሒዘን ከም ኣፍደገ ክጥቀማሉ ድልየት ኣለወን" ክብል ወሲኹ ይገልጽ።

"ብፍላይ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ሱዳንን ኣብዚ እዋን ኣብ ግጭት ሓድሕድ ኣትየን ኣብ ዝተረጋግአ ኵነታት ኣይኰናን ዘለዋ። ብኣንጻሩ ኤርትራ ሓደ መራሒ ንብምልእታ ሃገር ተቘጻጺሩ ውሑዳት ተቐናቐንቲ ዘለዋ ሃገር ኰይና እያ ትቐርብ። በዚ መንጽር እንክርአ ድማ እዚ ንዓኣቶም ኣገዳሲ እዩ” ይብል።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ መቱ ብመምህርነት ፖለቲካዊ ሳይንስን ዓለምለኻዊ ርክባትን ዝሰርሕ ነገራ ጉደታ ኣብዚ እዋን ኣብ ርክባት ኢትዮ-ኤርትራን ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልከት ሳልሳይ ዲግሪ መጽናዕቲ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።

ኣብ ትርጕም መገሻታት ፕረዚደንት ኢሳያስ ምስዚ ሓሳብ ዝሰማማዕ ገምጋም ኣለዎ።

ሰለስቲአን ሃገራት [ኤርትራ፡ ሩስያን ቻይናን] ምስ ምዕራባውያን ሃገራት ዘለወን ርክብ ሓርፋፍ ምዃኑ ብምግላጽ መምህር ነገራ፡ ኣብ መንጐአን ዘሎ ምትእስሳር ብዙሕ መልክዕ ከምዘለዎ ይዛረብ።

ዲፕሎማሲን ቍጠባዊ ደገፍን ድማ እቲ ቀንዲ እዩ። ኤርትራ ድሕሪት ዝተረፈ ትሕተ ቅርጺ ንኸተልምዕ ደገፍ ቻይና ከምዘድልያ ርዱእ እዩ።

“ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝመጽኣ እገዳታት ዝምክቱላ እውን መንግስታት ቻይናን ሩስያን እዮም” ይብል እቲ ምሁር።

ነዚ ከረድእ እንከሎ፡ “ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ክግበር እንተዀይኑ ክልቲኤን ሃገራት ንድምጺ ብድምጺ ናይ ምስዓር መሰለን እየ ዝጥቀማሉ” ኢሉ።

ዝምድና ሩስያን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እናሓየለ ከም ዝመጽአ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ድሕሪ'ቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዘካየደቶ ወራር ነታ ሃገር ንምዅናን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዘቕረቦ ውሳነ ካብ ዝተቓወማ ሒደት ሃገራት ኤርትራ ሓንቲ’ያ።

ብዓይኒ ዲፕሎማሲ ኣጽዋር እንተተራእዩ ‘ውን "ሩስያ ንኤርትራ ኣጽዋር ክትሸይጥ ትኽእል እያ" ዝብል እምነት ኣለዎ።

ልዕሊ ዅሉ ንሰለስቲአን ሃገራት ከተኣሳስረን ዝኽእል ጉዳይ ግን ወተሃደራዊ መዓስከር ምዃኑ እቲ ምሁር ዩኒቨርሲቲ መቱ የመልክት።

ኤርትራ ንዓለምለኻዊ ንግዲ ቀንዲ መትኒ ኣብ ዝዀነ ጂኦግራፊያዊ ስፍራ ምብራቕ ኣፍሪቃ ትርከብ ምዃና ከኣ ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት ይኸውን።

እቲ ከባቢ ብዙሓት መራኽብ ዝሓልፋሉ መስመር ዓለማዊ ንግዲ ምዃኑ ይፍለጥ። ኣብቲ ከባቢ ወተሃደራዊ መዓስከራት ዘለወን ምዕራባውያን ሃገራት እውን ብዙሓት እየን።

ስለዚ ዑደት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንቻይናን ሩስያን ዕድላት ንምሃብ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል'ውን መምህር ነገራ ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።

"[ሩስያን ቻይናን] ወተሃደራዊ መዓስከራት ንምቛም ዘኽእለን ቦታ ክትህበን ወይ ከተካርየን ትኽእል እያ" ክብል እውን ወሲኹ የረድእ።

ኤርትራ ምስ ክልቲኤን ሃገራት ዘለዋ ርክብ ስትራተጂያዊ ክኸውን ከምዝኽእል'ኳ እንተሓበሩ፡ ኣቡ ሃሸም ግን ክኸውን ዘይክእለሉ ተኽእሎ ከምዘሎ ይጠቅስ።

“እዚ ዓይነት ዝምድና ዘላቒ ክኸውን ኣይክእልን እዩ” ዝብል እቲ ተንታኒ ፖለቲካ፡ ኤርትራ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ እምበር ብቅዋምን ቅዋማዊ ትካላትን [ሕገ-መንግስትን ሕጊመንግስታዊ ትካላትን] ዘይትመሓደር ሃገር ምዃና ከም ምኽንያት የቐምጥ።

እቲ ዝምድና ኣብቲ ውልቀሰብ ዝተመስረተ ምዃኑ ብምጥቃስ ድማ "ንሱ ኣብ ዘይህልወሉ ግን እቲ ዝምድና ክቕጽል ውሕስነት የብሉን" ይብል።

ብኣማኸርቲ ዝተሓገዘ ዘይምዃኑን ፖሊሲ መርሚርካ ዝሓሸ ኣንፈት ዝሕብር ትካል ዘይምህላዉን ድማ ከም ተወሳኺ ጸገም ይጠቅስ።

"ጽባሕ ፕረዚደንት ባይደን ደዊሉ ናብ ዋሽንግተን እንተዓዲምዎን ጽቡቕ ኣማራጺ ምትብባዕ እንተሂብዎምን ክግልበጥ ይኽእል እዩ። ስለዚ በዚ መንጽር ክርአ ከሎ እቲ ዝምድና ውሕስነት የብሉን" ዝብል እምነት ኣለዎ።

እቲ ዑደት ግን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ "ዓቢ ናይ ዲፕሎማስያውን ህዝባዊ ርክባትን ዓወት እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ‘ተቐባልነት ረኺበ ኣለኹ’፡ ‘ኣፍልጦ ተዋሂቡኒ’ ክብል ዝኽእለሉ ኵነታት ኣሎ” ይብል ኣቡ ሃሽም።

ምብራቕ ኣፍሪቃን እቲ ዑደትን

መምህር ዩኒቨርሲቲ መቱ ዝዀነ ነገራ ከምዝብሎ፡ ኤርትራ ምስቲ ዘለዋ ውሑድ ብዝሒ ህዝብን ትሑት ቍጠባን ብምንጽጻር ክተርአ እንከላ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ልዑል እዩ።

እታ ሃገር ምስ ኢራንን ቐጠርን ነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድና ከም ዝነበራ ብምዝኽኻር፡ "ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኮንጎን እውን ጽልዋ ተሕድር ነይራ" ይብል።

ንወተሃደራት ሶማልያ ስልጠና ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ከምዝተሳተፈት እውን ወሲኹ ይጠቅስ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ተራ ክጻወት ድልየት ከምዘለዎ እውን እቲ ምሁር ይኣምን።

"ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዞባ ገዲም መራሒ ከም ምዃኑ መጠን፡ ሃገሩ ኣብቲ ከባቢ ጸላዊት ክትከውን ኣለዋ ይብል። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ተመኵሮ እውን ክጥቀመሉ ይደሊ እዩ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተፈላለየ ወገን ንዘለዋ ሃገራት ደገፍ ምግባረን እንተቐጺለን፡ ታሪኽ ዝሑል ኲናት ክድገም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ካብ መወዳእታ 1940ታት ዝተራእየ ዝሑል ኲናት ንኣሜሪካን ሩስያን ከምዘተፋነነ ይፍለጥ።

ኣብዚ ድምጺ ጥይት ዘይተሰምዓሉ ወተሃደራዊ ምፍጣጣ፡ መሓዙት ክልቲአን ሃገራት ዝዀና ሃገራት፡ ደገፍ ብምሃብ ብድሕሪት ተሰሪዐን ነይረን።

ኣብቲ እዋን ግን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ደማዊ ኲናት ይካየድ ከምዝነበረ ኣቡ ሃሸም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓቢሩ።

"[ሩስያን ኣሜሪካን] ደገፍቲ ዝዀንአን ሃገራት ወዲበን ነንሕድሕደን የጓንጻአን ነይረን። ስለዚ ተመሳሳሊ ኵነታት ክምለስ ይኽእል እዩ" ክብል ስግኣቱ የቐምጥ።

ዓለም ካብ ዕብለላ ክልተ ኣካላት ናብ ዕብለላ ብዙሓት ሃገራት ትሰጋገር ከምዘላ ደጊሙ ዝዛረብ እቲ ተንታኒ፡ "መልቲ ፖላር ጥራይ ዘይኰነስ ‘መልቲ ሌየር’ [ድርብርብ] እዩ" ይብል።

ንሱ ከምዝብሎ ንዓለም ዘሽከርክራ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሃገራት ኣብ ላዕሊ ዝስርዓ ኰይነን ከም ህንዲ፡ ብራዚል፡ ቱርኪ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ኢራንን ዝኣመሰላ ድማ ዝነኣሰ ተራ ክህልወን ይኽእል እዩ።

“ምሕያል ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለወን ተገዳስነት ምውሳኹን ዝሑል ኲናት ከስዕብ ከምዝኽእል ምናልባት ዕሙቕ ዝበለ ተወሳኺ ትንተና ክሓትት ይኽእል'ዩ። ረብሓታት ኣብ ዝጋጨዉሉ እዋን ግን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክንጸባረቕ ይኽእል እዩ” ይብል።

እዚ ድማ እተን ሃገራት ዓደግቲ ኣጽዋር ክዀና ካብ ምግባር ብዝሰገረ መፈተኒ ሓደስቲ ኣጽዋር ክዀና ዘሎ ተኽእሎ'ውን የቐምጥ።

ኢትዮጵያን እቲ ዑደትን?

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ፈለማ ናብ በይጂን ቀጺሉ ድማ ናብ ሞስኮ ዝገብሮ ዑደት ኣብ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእል ይግመት።

ክልቲኤን ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ዝነበረን ዘይምርድዳእ ንጐድኒ ገዲፈን ዝምድናአን ከሐይላ ከምዝጀመራ ይፍለጥ።

ወተሃደራት ኤርትራ እውን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምውጋን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ተሳቲፎም።

መምህር ነገራ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ኲናት ምስ ተዛዘመ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ምዕራባውያን ብፍላይ ድማ ምስ ኣሜሪካ ዘለዎ ዝምድና ዘደልድል ዘሎ ይመስል ዝብል ገምጋም ኣለዎ።

እዚ ድማ ኤርትራ ካልእ ኣማራጺ ክትጥምት ገይርዋ’ሎ።

ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ እንተ ኣደልዲላ፡ ‘ኣነ እውን ኣማራጺ ኣለኒ’ ካብ ዝብል ናብዘን ሃገራት (ቻይናን ሩስያን) ከምዝኸደ ይገልጽ።

ንኣቡ ሃሽም፡ ዝምድና ኢትዮጵያን ኤርትራን ብተኣዛዝነት እቶም መንግስታት እዩ ዝውሰን።

"ኣብዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናጻ ፖሊሲ ክኽተል ዝሓሰበ እዩ ዝመስል። ክሳብ ሕጂ ነዚ ድልየት ከርኢ ጸኒሑ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ይዅን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ምስ ኣሜሪካ ጽቡቕ ርክብ እናሃለዎም ምስ ቻይና እውን ጽቡቕ ዝምድና ክምስርቱ ዝኸኣሉ እዮም" ይብል።

ሕጂ’ውን ተመሳሳሊ ነጻ (ሊበራላዊ) ፖሊሲ እንተተኸቲሉ ብዙሕ ጽልዋ ከምዘይህሉ ይኣምን።

"ከም ‘ክላያንት ስቴት’ (ዓሚል ሃገር) እንተዀይነን ግን፡ ረብሓ [እተን ዝድግፍአን ሃገራት] ንምሕላው ብዝብል ከም ድላዮም ናብ ኲናት ከእትውወን ይኽእሉ እዮም" ክብል ዓብዱራሕማን ሰይድ ኣቡ ሃሸም ይድምድም።