እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብጌጋ ናብ መሓዛ ሩስያ ዝኰነት ሃገር ዝተልኣኸ ሚልዮናት ኢመይላት ሰራዊት ኣሜሪካ
ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኢመይላት ሰራዊት ኣመሪካ ብሰንኪ ንእሽቶ ናይ ኣጸሓሕፋ ጌጋ ናብታ መሓዛ ሩስያ ዝኾነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ማሊ ተላኢኾም።
ናብቲ ".mil" (‘ዶት ሚል’) ዝብል ዶመይን ዝተሓሰቡ ኢመይላት ሰራዊት ኣመሪካ ንነዊሕ ዓመታት ናብቲ ".ml" (ዶት ኤም ኤል) ብዝብል ድሕረ-ቃል ዝውዳእ ዶመይን ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር - ማሊ - ይለኣኹ ነይሮም።
[ዶመይን - ንኣብነት ከም .org፣ .com፣ .net፣ .et ዝበሉ መፍለዪ ኣድራሻታት ኢንተርኔት እዮም]
ገለ ካብቶም ኢመይላት ከም ፓስዎርድ፣ ሕክምናዊ መዛግብትን ውጥናት መገሻ ላዕለዎት ሓለፍቲን ዝኣመሰሉ ተኣፈፍቲ ሓበሬታታት ከም ዝነበሮም ይንገር።
ፔንታጎን (ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ) ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ስጉምትታት ከምዝወሰደ ገሊጹ’ሎ።
ነቲ ዛንታ ንመጀመርያ ግዜ ዝጸብጸበ ፋይናንሻል ታይምስ፡ ሆላንዳዊ ክኢላ ኢንተርነት ጆሃንስ ዙርቢየር ነቲ ጸገም ቅድሚ 10 ዓመት ከምዘለለዮ ይሕብር።
ካብ 2013 ጀሚሩ ንዶመይን ማሊ ከመሓድር ውዕል ዝነበሮ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ድማ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ብጌጋ ኣንፈት ዝሰሓቱ ኢመይላት ከምዝኣከበ ይግለጽ።
ዋላ ሓደ ካብቶም ኢመይላት ‘ምስጢራዊ’ ዝብል ምልክት እኳ እንተዘይሃለዎ እቲ ጋዜጣ ከምዘመልክቶ ግን ሕክምናዊ መረዳእታታት፣ ካርታታት ወተሃደራዊ ትካላት ኣመሪካ፣ ፋይናንሳዊ መዛግብትን ንወግዓዊ መገሻታት ዝኸውን ውጥን ሰነዳትን ከምኡ’ውን ገለ ዲፕሎማስያዊ መልእኽትታት ዘጠቓለለ’ዩ ነይሩ።
ሆላንዳዊ ዙርቢየር ኣብዚ ወርሒ ናብ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ደብዳበ ጽሒፉ ነቲ ዝተፈጠረ ፀገም ሓቢሩ ነይሩ። ምስ መንግስቲ ማሊ ዝነበሮ ውዕል ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ ምዃኑ ዝሕብር እዚ ኪኢላ ኢንተርኔት እዚ ማለት ድማ "እቲ ፀገም ብተጻረርቲ ኣሜሪካ ክምዝመዝ ከምዝኽእል" ስክፍትኡ ገሊፁ።
ወተሃደራዊ መንግስቲ ማሊ ትማሊ ሰኑይ ነቲ ዶመይን ክቆጻጸሮ ትፅቢት ይግበር ነይሩ።
እቶም "ምስጢራዊ"ን "ላዕለዋይ ምስጢርን" ዝብል ምልክት ዘለዎም ወተሃደራዊ ርክባት ኣሜሪካ ብዝተፈለየ ስርዓታት ኣይቲ (ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ) ዝመሓላለፉ ኮይኖም፡ እዚ ድማ ብዝኾነ ኣጋጣሚ ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ዘይሕሰብ ከምዝገብሮ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ይገልጹ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲራክስ ፕሮፌሰር መጽናዕቲ ሓበሬታ ሊ ማክናይት፡ እቶም ኢመይላት ናብ ገበነኛታት ሳይበር ዘይኮነስ ናብ መንግስቲ ማሊ ዝጥቀመሉ ዶመይን ብምኻዶም ሰራዊት ኣመሪካ ዕድለኛ ምዃኑ ከምዝኣምን ይዛረብ።
ቢቢሲ ዝረኸቦ ወሃቢ ቃል፡ ክፍሊ ምክልኻል ኣሜሪካ ኣብቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ስለዝነበሮ ብዕቱብ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።