ቅልውላው ኣምሓራ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣጽዲቑ

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝኣወጆ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብኣብዝሓ ድምጺ ኣጽዲቑ።

እቲ ባይቶ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ክልል ኣምሓራ ተግባራዊ ንክኸውን ዘሕለፎ ውሳነ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብ12 ድምጸ ተኣቅቦን 16 ተቓውሞን ብዓብላሊ ድምጺ ከም ዘጽደቘ ኣፍሊጡ።

ብዝሒ ኣብቲ ህጹጽ ኣኼባ ዝተረኽቡ ኣባላት እቲ ባይቶ ግን ብወግዒ ኣይተገልጸን።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ብ28 ሓምለ 2015 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ክውሰድ ከም ዝተጀመረ ይዝከር።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ 6ይ ዙርያ ካልኣይ ዓመት ቀዳማይ ህጹጽ ኣኼባ ንዝቐረበሉ ረቒቕ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ዝርኣየሉ እዋን ተጸዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ኣቶ ተስፋይ በልጅጌ ኣገዳስነት እቲ ኣዋጅ ኣብሪሁ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዕጥቂ ዝተደገፈ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈፀመን እቲ ሓደጋ ብስሩዕ ሕጋዊ ስርዓት ምቁጽጻር ኣብ ዘይክኣለሉ ብርኪ ከም ዝበጽሐን ብምጥቃስ እዚ ድማ ንመንግስታዊ ስርዓት እቲ ክልል ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ስለ ዝዀነ ሃገር ካብ ዕንወት ንምድሓንን ሰላምን ድሕነትን ህዝቢ ንምክልኻልን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ፖለቲካዊ ውድባትን ተሓለቕቲ መሰላትን ኣብ ክልል ኣምሓራ ተነቢሩ ዘሎ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክሓጽርን እቲ ጐንጺ ደው ኢሉ ብሰላማዊ መገዲ ብዘተ ንክፍታሕን ጻውዒት ከቕርቡ ጸኒሖም ኣለው።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ጠቒሱ ትንታነ ሰብኣዊ መሰላትን ለበዋታትን ኣቕሪቡ ነይሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓት ፋኖን ብዝካየድ ዘሎ ጐንጺ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝተቐትሉ ነበርትን ምንጭታት ሆስፒታላትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ዝርዝር ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃበ፡ ብሰንኪ እቲ ጐንጺ ህይወት ሰላማውያን ሰባት ከም ዝጠፍአ፣ ንብረት ከም ዝዓነወን ዝምታ ከም ዝተፈጸመን ምግላጹ ይዝከር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ ጐንጺ ተጋዲዱለን ኣብ ሞንጐ ዝነበራ ከተማታት ባህርዳርን ጐደንርን ተዛማዲ ህድኣት ተራእዩ እኳ እንተሎ፡ ኣብ ካልኦት ከተማታት እቲ ዞባ ጐንጺ ይቕጽል ከም ዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ከተማታት ባህርዳር፣ ደብረ ማርቆስ፣ ደብረ ብርሃን፣ ላሊበላ፣ ጎንደርን ሸዋ ሮቢትን’ውን ሰዓት እቶ እቶ ተነቢሩ ምህላው ይፍለጥ።

ትማሊ ሰንበት ኣብ ከተማታት ፍኖተ ሰላምን ቡሬን ግጭት ካካየድ እንከሎ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ዝዀነት ፍኖተ ሰላም ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 25 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 50 ከም ዝቖሰሉን ነበርትን ምንጭታት ሆስፒታላትን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ብኻልእ ሸነኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ኣምሓራ ጃምላዊ ማእሰርቲ ከም ዝተፈጸመ ተገሊጹ።

መምርሒ እዚ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብወገኑ ንኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ኣቶ ክርስትያን ታደለ ሓዊሱ ምስ ዕጡቓት ኣምሓራ ርክብ ኣለዎም ኢሉ ዝጠርጠሮም 23 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ ይምርምር ምህላው ኣፍሊጡ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሃይማኖታዊ ትካላት፣ ሲቪክ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ውድባትን እቲ ጐንጺ ብድርድር ክፍታሕ ቀጻሊ ጻውዒት የቕርቡ ኣለው።