እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓካይም ካብ ማህጸን ዝሞተት ኣደኣ ብህይወታ ዘውጽኡዋ ናጽላ ሞይታ
እስራኤል ኣብ ራፋ-ቓዛ ድሕሪ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ዶኳትር ካብ ማሕጸን ዝተቐትለት ነፍሰጾር ኣደ ኣውጺኦም ዘትረፍዋ ናጽላ ሞይታ።
እታ ናይ መዋቲት ኣዲኣ ስም ዝተዋህባ ህጻን ሳብሪን፡ ኣብ ሆስፒታል ራፋ ብመጥባሕቲ እያ ተወሊዳ።
ኣብ መን ጐ እቲ ዝርብሽ ኩነታት ሓካይም፡ ኣየር ናብ ሳንቡእ ንክኣቱ ብኢዶም ቀስ ኣቢሎም ብምጥብጣብ ህይወት ክትዘርእ እኳ እንተሓገዝዋ፡ ትማሊ ሓሙስ ሞይታ ኣብ ጐኒ እታ ሽማ ዝወረሰቶ ወላዲታ ተቐቢራ።
ህጻን ሳብሪን ሓንቲ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ራፋ-ቓዛ ብዝተኻየደ መጥቓዕቲ ዝተቐትሉ 16 ህጻናት እያ።
ኩሎም ኣብቲ ነቲ ዝነብርሉ ህንጻ ዒላማ ብዝገበረ ደብዳብ ተቐቲሎም።
ሓይልታት ምኽልኻል እስራኤል ግን ንዕጡቓት ሓማስን ትሕተቅርጽታቶምን ዒላማ ከም ዝገበሩ ይገልጹ።
ኣደ ሳብሪን፡ ዝሓለፈ ሰንበት ዳርጋ ፍርቂ ለይቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ገዛ ስድራቤት ኣልሳካኒ ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ፡ ምስ በዓል ቤታ ሹክሪን ጓል ሰለስተ ዓመት ጓሎም ማላክን ደቂሶም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ናይ 7 ወርሕን ፈረቓን ጥንሲ ነይርዋ።
በዓል ቤታን ማሊክን ሽዑ ንሽዑ ሞይቶም፤ ሳብሪን ብኸቢድ ተጎዲኣ እታ ናጽላ ግን ኣብ ማሕጸና ብህይወት ስለ ዝነበረት ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ናብቲ ቦታ ፍጻሜ ኣብ ዝበጽሑሉ ተጓይዮም ናብ ሕክምና ወሲዶማ።
ኣብቲ ሆስፒታል ነታ ህጻን ብህይወት ንምትራፍ ሓካይም ብህጹጽ ንሳብሪን መጥባሕቲ ኣካይዶምላ።
ሳብሪን ትንፋስ ሰኲዓ ዝተረጋግአት ምስ መሰለት ኣብ ኢንዂቤተር እኳ እንተእተዉዋ ኩነታታ ተኣፋፊ ምዃኑ ኣብቲ እዋን ገሊጾም ኔሮም።
ክትውለድ እንከላ 1.4 ኪ.ግ ሚዛን ጥራይ ከም ዝነበራን መዓልታ ከይኣኸለ ስለ ዝተወልደት ናይ ስርዓተ ምስትንፋስ ጸገም ከም ዝነበራን'ውን እቶም ሓካይም ሓቢሮም እዮም።
ኣብ ራፋ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኢማራት ሓላፊ ኣሃዱ ህጹጽ ኒዮ-ናታል ዶክተር መሓመድ ሰላማ ድሕሪ ምውላዳ፡ "እዛ ህጻን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ማህጸን ኣደኣ ክትህሉ ነይርዎ፤ እንተዀነ እዚ መሰል ተነፊጉዋ'ዩ" ኢሉ።
ዓባያ ንህጻን ሳብሪን፡ ወይዘሮ ሚርቫት ኣልሳካኒ ነታ ሕጻን ከም ኣደ ኰይና ከተዐብያ እቶም ስድራ መደብ ከም ዝነበሮም ንቢቢሲ ገሊጻ።
ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ቓዛ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልዕሊ 34 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ፡ ብውሕዱ ክልተ ሲሶ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ምዃኖም እቲ ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።
እስራኤል ኣስታት 1200 እስራኤላውያንን ወጻእተኛታትን - መብዛሕትኦም ሲቪላት - ድሕሪ ምቕታሎምን ካልኦት 253 ድማ ጅሆ ኰይኖም ናብ ቓዛ ምስ ተወስዱን መጥቃዕቲ ከም ዝጀመረት ይፍለጥ።
ብገምጋም ሕጂ ኣብ ራፋ ዝርከቡ 1.4 ሚልዮን ሰባት፡ ብሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ኣቐዲሞም ናብ ደቡብ ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ ቅድሚ ተነጊርዎም ነይሩ።
እንተዀነ እስራኤል ናብ ራፋ ናይ መሬት መጥቃዕቲ ክትገብር መደብ ከም ዘለዋ ትገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ድማ ስዒርካ ጅሆ ንዝተታሕዙ ምድላይ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ይብል።
ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ክልተ ሓደስቲ መዓስከራት ከም ዘለዉ ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ ሰእሊ የሪኢ።
ማዕከናት ዜና እስራኤል'ውን ካብ ራፋ ሰላማውያን ሰባት ንምውጻእ ምድላዋት ይካየድ ከም ዘሎ ይሕብሩ።
ኣሜሪካ ብወገና ዝበአሰ ሰብኣዊ ቅልውላው ንኸይመጽእ፡ እስራኤል ኣብ ምሉእ ራፋ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ዕላማ ዘለዎ ኣገባብ ክትክተል ጻውዒት ኣቕሪባ ኣላ።