ኲናት ቓዛ፡ እስራኤል ብሓቂ ንሓማስ ከተጥፍኦ ቀሪባ ድያ?

ዕጡቓት ሓማስ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ፈጺሞም፤ ንዕኡ ስዒቡ ኣብ ደቡብ እስራኤል ኣስታት 1200 ሰባት ሞይቶም፤ ኣማኢት ድማ ጅሆ ሒዞም ወሲዶም።

እስራኤል ነዚ ኣብ ዝሃበቶ ግብረ መልሲ፡ ሓማስ ቀጻሊ ስግኣት ከይከውንን እቶም ጅሆ ዝተወስዱ ንምፍታሕን፡ “ንሓማስ ክሰብሮን ከጥፍኦን” እየ ኢላ ተሓንያ።

ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ደማዊ ኲናት፡ ዛጊት 33 ሽሕ ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ከም ዘለው ጸብጻባት ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይሕብር፤ ዝበዝሐ ክፋል ቓዛ ኸኣ ዓንዩ’ዩ።

እስራኤል፡ ኣሽሓት ዕጡቓት ሓማስ ከም ዝቐተለትን ዝበዝሑ ካብቶም ካብ ቓዛ መጥቃዕቲታት ዝፍጽመሎም ጋለሪያታቱ ከም ዘዕነወቶምን ትገልጽ።

ቢቢሲ ቨሪፋይ - ክፍሊ ምርግጋጽ ሓቅነት ሓበሬታ - ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዙርያ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዝህቦም መግለጺታትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝጥቅዖም ሓበሬታታትን ምጽራይ ገይሩ ኣሎ።

ክንደይ ዝኣኽሉ መራሕቲ ሓማስ ተቐቲሎም?

ቅድሚ ሸውዓተ ጥቅምቲ እቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ብምጥቃስ ዝወጽኡ ዝነበሩ ጸብጻባት፡ ሓማስ ኣብ ቓዛ ኣስታት 30 ሽሕ ተዋጋእቲ ኣለውዎ ዝብሉ እዮም ነይሮም።

ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ከም እስማዒል ሃንያ ዝኣመሰሉ ብዙሓት ገዳይም ፖለቲካዊ ሓለፍቲ ሓማስ፡ ኣካል እቲ ጠቕላላ ጕጅለ መሪሕነት ሓማስ እዮም።

መብዛሕትኡ ወተሃደራዊ መሪሕነቱ ግን ኣብ ቓዛ ከም ዝዀነ ይእመን።

ሰራዊት እስራአል ኣብ ቀረባ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ ኣስታት 13 ሽሕ ተዋጋእቲ ሓማስ ተቐቲሎም ኢሉ። እዚ መረዳእታ ግን ብኸመይ ከም ዝተኣከበ ኣይገልጽን።

ብተወሳኺ እስራኤል፡ ኣስማት ተቐቲሎም ዝተባህሉ ውልቀሰባት መራሕቲ ሓማስ ወግዓዊ ገይራ እያ።

በዚ መገዲ፡ ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ 113 ሰባት ስሞም ወግዓዊ ኰይኑ፤ መብዛሕትኦም ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ እቲ ኲናት ከም ዝተቐትሉ’ውን ገሊጻ።

ኣብዚ ዓመት ግን፡ (2024) ክሳብ መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ እስራኤል ሓበሬታ ዝተቐትሉ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ ኣየውጽአትን።

ብ16 መጋቢት፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ማርዋን ዒሳ ንዝተባህለ ምኽትል ኮማንደር ክንፊ ሓማስ ቀቲለ ኢሉ።

እዚ ሓደ ካብቶም እስራኤል እትደልዮም ሰባት ተባሂሉ ዝውሰድ ኰይኑ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ ካብ ዝተቐትሉ ላዕለዎት መራሒት ክኸውን ይኽእል።

ሓማስ ግን ነዚ ኣየረጋገጸን።

ብተወሳኺ፡ እቲ ሰራዊት ኣስማት ናይ ዝተቐትሉ ላዕለዎት መራሕቲ ሓማስ’ዮም ዝበሎም ውልቀሰባት ኣውጺኡ’ዩ፤ ይዅን’ምበር፡ እዚኦም ኣባላት እቲ ጕጅለ ምዃኖም ምርግጋጽ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ኣብዚ ዝርዝር ካብ ዝሰፈሩ እቲ ሓደ፡ ሙስጣፋ ቱራያ ኰይኑ፡ ንሱ ኣብ ጥሪ መኪናኡ ክትህረም እንከላ ኣብ ደቡብ ቓዛ ጋዜጠኛ ኰይኑ ይሰርሕ ነይሩ።

ካልኦት ብተደጋጋሚ ዝተጠቕሱ ኣስማት’ውን ኣብቲ ዝርዝር ረኺብና።

ኣብ ጥሪ ካብ ቓዛ ወጻኢ፡ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ ሳልሕ ኣልኣሮሪ ኣብ ከባቢ በይሩት ብዘጋጠመ ነትጒ ሞይቱ።

እቲ መጥቃዕቲ ብእስራኤል ከም ዝተፈጸመ ይእመን።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክኢላታት ግን፡ ያሕያ ሲንዋር ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ቀንዲ መራሕቲ ሓማስ ብህይወት ከም ዘለው ገሊጾም።

“ምክልኻል እስራኤል፡ ሕጂ’ውን ናብ ላዕለዎት ኣባላት መሪሕነት ሓማስ ክበጽሕ ኣይከኣለን። ናብቶም ቀንዲ መራሕቲ ምብጻሕን ምምሕዳር ቓዛ ብኻልእ ምትካእን ክሳብ ሕጂ ከተዐውቶ ዘይከኣለት ነገር’ዩ” ትብል ኣብ ኣህጉራዊ ጕጅለ ቅልውላው ላዕለወይቲ ተንታኒት ጉዳያት እስራኤልን ፍልስጤምን ማይራቭ ዞንዘይን።

ኣብ ቓዛ ክንደይ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣለው?

እስራኤል ከም እትብሎ እንተዀይኑ፡ ኣብ መጀመርታ እቲ መጥቃዕቲ 253 ሰባት ጅሆ ተታሒዞም ተወሲዶም።

ካብዚኦም፡ 109 - ብመስርሕ ምልውዋጥ እሱራት ወይ ካልኦት ስምምዓት ተፈቲሖም፣

3 - ሰራዊት እስራኤል ብዝወስዶም ዝነበሩ ወተሃደራዊ ስርሒታት ክፍትሑ ክኢሎም፣

ኣስክሬን 12 ሰባት ተረኺቡ፤ እቶም ሰለስተ ኣብ ዘካይዶም ዝነበሩ ስርሒታት ከም ዝተቐተሎም እቲ ሰራዊት ተኣሚኑ።

ካብቶም ብህይወት ኣለው ተባሂሎም ዝእመኑ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ወዲ 18 ዓመት ኰይኑ፡ ዝዓበየ ድማ ወዲ 85 ዓመት’ዩ።

ካብቶም ዝተረፉ 129 ጅሆታት፡ እስራኤል እቶም 34 ሞይቶም’ዮም ትብል።

ሓማስ ኣሃዝ እቶም ዝሞቱ ኣዝዩ ልዑል ከም ዝዀነ ይገልጽ፤ እዚ ድማ ብሰንኪ ደብዳባት ነፈርቲ እስራኤል ዝስዓበ ምዃኑ የመልክት።

እንተዀነ፡ እዚ ምርግጋጽ ኣይተኻእለን።

ሓማስ ጅሆ ሒዙ ካብ ዝወሰዶምን ብዕድመ ኣዝዮም ዝነኣሱን ወዲ 4 ዓመት ኤሪልን ወዲ 9 ወርሒ ከፊርን ይጥቀሱ። እዚኦም ከም ዝሞቱ እኳ እንተተገልጸ፡ ኣይተረጋገጸን።

ክንደይ ጋለሪያታት ሓማስ ዓንዮም?

እስራኤል፡ ንሓማስ ከተጥፍኦ ክትሕነ እንከላ፡ ኣቝሑን ሰብን ዝመላለሰሎም ዝነበሩ ኣብ ትሕቲ ቓዛ ዝርከቡ መርበባት ብርክት ዝበሉ ጋለሪያታት እቲ ጕጅለ’ውን ከዕንዎም እየ ምባላ ይዝከር።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ጆናታን ኮንሪከስ ኣብ ጥቅምቲ “ወሽመጥ ቓዛ ከም ሓደ ክፋሉ ንሲቪላት፡ ሓደ ክፋሉ ድማ ንሓማስ ገይርና ንሕሰቦ። ናብቲ ሓማስ ዝሃነጾ ካልኣይ ክፋል ክንበጽሕ ኢና ንጽዕር ዘለና” ኢሉ ነይሩ።

ሓማስ ኣቐዲሙ፡ መርበብ ጋለሪያታቱ ክሳብ 500 ኪ.ሜ ዝዝርጋሕ ምዃኑ’ኳ እንተገለጸ፡ ነዚ ብናጻ ኣካል ምርግጋጽ ዝክኣለሉ መገዲ የለን።

እቲ ሰራዊት፡ ክንደይ ዝኣኽሉ ጋለሪያታትን መርበባትን ከም ዘዕነወ ሓቲትና። ሰራዊቱ “ኣብ ቓዛ ዓበይቲ ትሕተ ቕርጺ እቲ ኣሸባሪ ኣዕንዮም’ዮም” ዝብል መልሲ ሂቡ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ሰራዊት ናይቶም ሓማስ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ጋለሪያታት ምስሊታት ኣቃሊዑ ነይሩ።

ንኣብነት፡ ኣብ ሕዳር ኣብ ሆስፒታል ኣልሺፋ ዝርከብ ማእከል ምውፋር ነይሩ ዝበሎ ጋለሪያ ብምስሊ ክርኣይ ገይሩ።

ቢቢሲ ቬሪፋይ፡ ንዅሎም ኣብ ተሌግራም ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ካብ 7 ጥቅምቲ 2023 ክሳብ 26 መጋቢት 2024 ዝነበሩ ነቶም ጋለሪያታት ዝምልከቱ መልእኽታት ዳህሲሱ።

ካብዚኦም፡ እቶም 198 ጋለሪያታት ከም ዝተረኽቡ ይገልጹ፤ ካልኦት 141 መልእኽታት ድማ ጋለሪያ ዓንዩ ዝብሉ’ዮም።

መብዛሕትኦም ግን ዝርዝር ሓበሬታ ወይ ግልጺ ኣድራሻታት ኣይህቡን፤ ስለዚ ስፍሓት እቲ ሰራዊት ረኺበዮ ወይ ኣዕንየዮ ዝብሎ ኔትዎርክ ምርግጋጽ ኣጸጋሚ እዩ።

እቲ ኣብ ትሕቲ ቓዛ ዝተሃነጸ ጋለሪያታት፡ ብዙሓት መገዲታት፡ ክፍሊታትን ዝተፈላለየ ዓቐናትን ዘለዎ ኰይኑ፡ ‘tunnel shafts’ ተባሂሎም ዝጽውዑ ምስ ላዕለዋይ ኣካል ምድሪ ዝራኸቡ መስመራት ዘለውዎ ክፍሊ’ውን ኣሎ።

ካብቶም ዝተተንተናዮም መልእኽትታት፡ እቶም 36 ብድምር ልዕሊ 400 ሻምብቈ ጋለሪያታት ከም ዘለው መወከሲታት እዮም።

ይዅን’ምበር ንሓደ ሻምብቈ ምስ ምሉእ ጋለሪያ ማዕረ ምግባር መጋገዪ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ራይክማን እትምህር ክኢላ ውግእ ትሕቲ መሬት ዶክተር ዳፍነ ሪቸሞንድ-ባራክ ትዛረብ።

እቲ ቀሊል ምዕናው ሸምብቈ ጋለሪያታት እቲ ሓፈሻዊ ኔትዎርክ ከይተዘርገ ክጸንሕ’ዩ ዝገብሮ ትብል።

“ኣብዚ ኲናት ብዙሕ ምሉእ ብምሉእ ዘጋጠመ ዕንወት ጋለሪያታት ዝረኣና ኣይመስለንን” ኢላ።

መጥቃዕቲ እስራኤል ዘኽፈሎ ከቢድ ዋጋ

ዒላማ ኲናት እስራኤል፡ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ሰፍ ዘይብል ክሳራታት ኣውሪዱ’ዩ። ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 33 ሽሕ ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ይገልጽ።

ኣብ 5 ለካቲት 2024 ዝወጽአ ሓበሬታ እቲ ሚኒስትሪ ከም ዝብሎ፡ ልዕሊ 70 ሚእታዊት እቶም ዝተቐትሉ ሰባት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን’ዮም።

ሰራዊት እስራኤል ትሕተ ቕርጺ ሓማስ ከዕኑ ኣብ ዝብለሉ ካልኦት ብዙሓት፡ ተመዛቢሎምን ቤት ኣልቦ ኰይኖም።

ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰባት ኣብ ውሽጢ ቓዛ ከም ዝተመዛበሉ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

ብርክት ዝበሉ መንበሪ ከባቢታት ጉድኣት ወሪድዎም፤ ጐደናታት ብፍርስራስ መሊኦም፤ ዩኒቨርሲቲታት ዓንዮም፤ ናይ ሕርሻ ቦታታት’ውን ባዲሞም’ዮም።

ብመሰረት ካብ ሳተላይት ዝተረኽበ መረዳእታ፡ ካብ 07 ጥቅምቲ ኣትሒዙ፡ ልዕሊ 56 ሚእታዊት ህንጻታት ቓዛ ጉድኣት ወሪድዎም ዓንዮምን እዮም።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ሽዱሽተ ኣዋርሕ እኳ እንተኣቑጸረ፡ እስራኤል ዕላማ እቲ ኲናት’ዩ እትብሎ ኣዐዊታ ድያ ኣየዐወተትን ግን ግልጺ ኣይኰነን።