እስራኤል ሰራሕተኛታት ረድኤት ከምዝቐተለት ተኣሚና

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ እስራኤል ኣብ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ "ብዘይፍላጥ" 7 ሰራሕተኛታት ዓለም ለኸ ትካል ግብረ ሰናይ ከምዝተቐተሉ ተኣሚኑ።

ዎርልድ ሴንትራል ኪችን ዝተበሃለ ዓለም ለኸ ትካል ግብረ ሰናይ ምግቢ፡ 7 ሰራሕተኛታቱ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ቃዛ ዘካይዶ ዝነበረ ንጥፈት ደው ከምዘበለ ገሊጹ'ሎ።

እቲ መጥቃዕቲ “ይቕረታ ዘይግበረሉ እዩ" ዝበለ እቲ ትካል፡ እቶም ሰራሕተኛታቱ ኣካል ናይቲ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ማእከላይ ቃዛ ካብ ዝርከብ መኽዘን ዝወጽእ ዝነበረ ቃፍላይ ረድኤት ምዃኖም ሓቢሩ።

ብሓማስ ዝመሓደር ቤት ጽሕፈት ሚድያ ቃዛ ንእስራኤል ክወቅስ እንከሎ፡ ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ድማ፡ ኣብቲ ፍጻመ "ዕሙቕ ዝበለ መርመራ" የካይድ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ኔታንያሁ፡ ብቪድዮ ኣብ ዝተቐድሐ መልእኽቲ "ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ሓይልታትና ብዘይፍላጥ ኣብ ምድረበዳ ቃዛ ንጹሃት ሰባት ዝቐተሉሉ ዘሕዝን ፍጻመ ተራእዩ" ኢሉ።

ኣስዒቡ "ኣብ ኲናት ዘጋጥም እዩ፤ ክሳብ መወዳእታ ክምንርምር ኢና። ምስ መንግስታት ንዘራረብ ኣለና፤ እዚ ነገር ዳግማይ ከይፍጸም ድማ ኵሉ ክንገብር ኢና" ክብል ተዛሪቡ።

ኔታንያሁ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ረድኤት ኣብቲ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ "ብዘይፍላጥ" ከምዝተቐትሉ ተኣሚኑ ኣሎ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዜጋታት ብሪጣንያ ኣብቲ መጥቃዕቲ ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ ነይሩ።

እቲ ትካል ግብረ ሰናይ ከምዝሕብሮ፡ እቶም ካልኦት ዝሞቱ ዜጋታት ኣውስትራልያ፣ ፖላንድ፣ ፍልስጤምን ድርብ ዜጋ ኣሜሪካን ካናዳን እዮም።

መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ ቕትለት እቶም ሰራሕተኛታት ግብረ መልሲ ክህቡ ምፅንሖም ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ፡ ዜጋ ሃገሩ ዝኾነ ሰራሕተኛ ካብ ሞንጎ 'ቶም ዝሞቱ ከምዝርከብ ምስተገለጸ "ምሉእ ተሓታትነት" ክህሉ ጠሊቡ።

በቲ ፍጻመ ከምዝሰንበደን ከምዝሓዘነን ዝገለጸ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክ ድማ "ብግልጺ ክምለሱ ዘለዎም ሕቶታት ከምዘለዉ" ጠቒሱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፖላንድ ራዴክ ሲኮርክሲ ብወገኑ “ህጹጽ መብርሂ” ክካየድ ጸዊዑ።

ዋይት ሃውስ እቲ መጥቃዕቲ "ልቢ ዝሰብር” ክብል ዝገለጾ ኮይኑ፡ ወሃቢት ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ኣድሪን ዋትሰን፡ እስራኤል "እቲ ዘጋጠመ ብቕልጡፍ ክትምርምር" ጸዊዓ ነይራ።

ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ኡርሱላ ፎን ደር ሌየን ነቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰራሕተኛታት ረድኤት ክብሪ ብምሃብ “ንስድራቤቶምን ፈተውቶምን ዓሚቝ ጽንዓት ይሃብኩም” ኢላ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሞት እቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ኣብ መላእ ዓለም ስም እስራኤል ዘጸልም ከምዝዀነ ይንገር ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ፡ ሓዱሽ እማመ ዕርቂ ተነዲፉ ኣብ ካይሮ ብዝርከቡ ተደራደርቲ ንሓማስ ከምዝተውሃበ ሓቢሩ።

እቲ እማመ ተኹሲ ምቁራጽን ጅሆ ዝተትሓዙ ምፍታሕን ዘጠቓልል እዩ።