ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ስርዓተ-መግቢ ዓለም እንታይ'ዩ? ኣአንገድቲ ሃገራትከ ብኸመይ ይሕረያ?

ምንጪ ስእሊ, ABIY AHMED
ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ብኣፍሪቃን ኣብ ምዕባይ ብዝርከባ ሃገራትን ዝተዳለወ ካልኣይ ጉባኤ ስርዓተ-መግቢ ዓለም ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚራ ተተኣናግድ ኣላ።
ኢትዮጵያን ኢጣልያን ብልፍንቲ ዘዳለወኦ ጉባኤ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ብቤትፅሕፈት ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝተዳለወ'ዩ።
"ኣብዛ ዓለም ድኻ ይዅን ሃፍታም፡ ቈልዑ ይዅኑ ኣባፅሕ ኵሉ ሰብ መግቢ ክረክብ ኣለዎ። ድሕነቱ ዝተሓለወን ዝተመጣጠነን መግቢ፡ ህይወት ጥራሕ ዘይኰነስ ጥዕናን ተስፋን'ውን እዩ፡" ይብል እቲ ዝወፅአ መግለፂ።
ኣብ 2021 ብምትሕብባር ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ክዳሎ ከሎ፡ ዘላቒ ሸቶታት ልምዓት ንምስኻዕ ስርዓት መግቢ ዳግማይ ምፅናዕ ኣገዳሲ ከም ዝዀነ ተራእዩ።
ፖለቲካዊ ቈራፅነትን ተሓታትነትን ንምዕባይ ድማ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ጉባኤ በብኽልተ ዓመት ክካየድ ወሲኑ።
ብመሰረት እዚ ድማ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ 2023 ፈላማይ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ (UNFSS+2) ኣብ ሮማ ኢጣልያ ኣብ ቤትፅሕፈት ምግብን ሕርሻን ዓለም ተኻይዱ።
እቲ ጉባኤ፡ ኢጣልያን ዝተፈላለያ ኤጀንሲታት ሕቡራት ሃገራትን ብልፍንቲ ዘዳለውዎ ኰይኑ፡ ስርዓት መግቢ ዓለምለኻዊ ቀዳምነት ዝወሃቦ ከም ዝዀነ ብምርግጋፅ፡ ቅልጡፍ ስግግር ስርዓት ምግቢ ንኽካየድ ሽዱሽተ ፃውዒታት ብምቕራብ ተዛዚሙ።
ይዅን'ምበር ድሕሪ እዚ ኵነታት ዓለም ዝተቐየረ ኰይኑ፡ ኣብ ዩክረይን፡ ሱዳንን ማእከላይ ምብራቕን ዝቐፀለ ኵናት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ንውሕስነት ምግቢ ቀይርዎ።
ካልኣይ ጉባኤ (UNFSS+4) ኢትዮጵያ ምስ ኢጣልያ ኰይና ንምድላው ብኸመይ ከም ዝተመረፀት ብዝርዝር እኳ እንተ ዘይተገለፀ፡ ምስ ኢቢሲ ቃለመሕትት ዘካየደት ኣተሓባባሪት ስርዓት መግቢ ሕቡራት ሃገራት ምኽትል ሓላፊት ሊና ሳቪሊ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ጉባኤ ንምድላው ብዝወሰደቶ ሓላፍነት ክብሪ ይስመዐና፡" ብምባል፡ ብሕቶ እታ ሃገር ከም ዝዀነ ኣአንፊታ።
ምስ ሕቡራት ሃገራት ዝዛመዱ ዓበይቲ ጉባኤታት ዘዳልዋ ሃገራት ድሌተን ብምንፅብራቕን ዝርዝር ትልሚ ብምቕራብን ዝምረፃ ክዀና ከለዋ፡ ሕቡራት ሃገራት ንረቛሒታት ከም ዘማልኣ ኣረጋጊፁ ፍቓድ ይህብ።
ምኒስተር ጉዳይ ወፃኢ፡ ኢትዮጵያ ነዚ ጉባኤ "መምርሒ ትልሚ" ብምውፃእ ሰፊሕ ምድላው ከም ዝገበረት ዘፍለጠ ኰይኑ፡ ዘድሊ ምድላው ፀጥታን ሎጅስቲክን ከም ዝተገብረ ገሊፁ።
ልዕሊ 4,000 ጉባኤተኛታት ክሳተፍሉ ትፅቢት ዝግበር እዚ ጉባኤ፡ ልዕሊ 4,700 ብኢንተርነት ከም ዝተመዝገቡ ይግለፅ።
ክሳብ 22 ሓምለ 2017 (ኣቈፃፅራ ግእዝ) ንሰለስተ መዓልቲ ዝፀንሕ እዚ ጉባኤ፡ ብኮምሽን ቀጠባ ኣፍሪቃ ሕቡራት ሃገራት (ኢሲኤ) ይካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ዘላቒ፡ ሓቛፋይን ቀዋምን ስርዓት መግቢ ንሰባትን ንምድርን ንኽጠቅም ምቅልጣፍ ዕላማ ዝገበረ እዩ።
እታ ምኽትል ሓላፊት፡ እቲ ጉባኤ ስግግር ስርዓት መግቢ ሃገራት ብቕርበት ምርኣይ፡ ዓወታትን ድኽመታትን ንምግምጋም ዝዓለመ ከም ዝዀነ ገሊፃ።
እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፡ ኣብ ሮማ ኣብ ዝተኻየደ ፈላማይ ጉባኤ ተግባራዊ ክዀኑ ዝሓለፉ ውሳነታት፡ ኣፈፃፅምኦም ኣብ ምግምጋምን ኣብ ዝቕፅሉ ስጕምትታን ዘድሃበ እዩ።
እቲ ጉባኤ ብቐዳምነት ኣብ ሰለስተ ዕላማታት ዘድህብ ኰይኑ፡ ዕብየትን ዝተወሰዱ ትምህርትታትን እቲ ፈላማይ እዩ።
እዚ ድማ ኣባል ሃገራት ናይ ስርዓት መግቢ ዕላምአን ካብ ዝርእያሉ መንገዲ ክሳብ ዓወታተንን ዘጋጠመን ብድሆታትን ምርዳእ ዘካተተ እዩ።
እቲ ካልኣይ ዕላማ ድማ ዕብየት ምክትታልን ክፍተታት ንምልላይን ተሓታትነት መጠናኸሪ መንገዲ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ሳልሳይ ከኣ ንመዋእለ ነዋይ ባይታ ምፍጣር እዩ።
ሊና ሳቪሊ፡ ብዙሓት ሃገራት ናይ መግቢ ስርዓተን ንምምዕባል ድሉዋት ዋላ'ኳ እንተዀና፡ ዘድልየን ሃብቲ ገንዘብ ግና ከም ዝሓፅረን ብምግላፅ፡ መዋእለ ነዋይ ምንቅስቓስ ካልእ ዕላማ እቲ ጉባኤ ከም ዝዀነ ትገልፅ።
ኣብዚ ጉባኤ መንግስታት፡ ሓንፀፅቲ ፖሊሲ፡ ኤጀንሲታት ሕቡራት ሃገራት፡ ወኪላት ዘፈር ገንዘብን ውልቅን፡ ትካላት ስቪል ማሕበረሰብ፡ መዳርግቲ ኣካላትን ተመራመርትን ይሳተፉ።
ኣብ ምዝዛም እቲ ጉባኤ ድማ ፀብፃብ ስግግር ዕብየት ምግቢ ዓለም፡ ትንተና ዘይመንግስታውያን ትካላትን መጠቓለሊ ኣዳለውቲ ክቐርብ ትፅቢት ይግበር።
እቲ ጉባኤ ምስ ተዛዘመ፡ ውፅኢታት ኣብ ጠቕላላ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራትን ድሕሪ ኣዋርሕ ኣብ ብራዚል ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ለውጢ ኵነታት ኣየርን ሓዊሱ ኣብ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ጉባኤታት ኣካል ክኸውን ይግበር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







