እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቬነዙወላ፡ ብሰንኪ ኖቤል ሰላም ኤምባሲኣ ኣብ ኖርወይ ዓጽያ
ቬነዙወላ ኣብ ኦስሎ ዝርከብ ኤምባሲኣ ክትዓጽዎ ምዃና ኣፍሊጣ።
መንግስቲ ቬነዙወላ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ሽልማት ማሪያ ኩሪና ማቻዶ ርእይቶ ከይሃበ፡ እቲ ምዕጻው፡ ኣካል ናይቲ ዘካይዶ ዘሎ ዳግመ ውደባ ኤምባሲታት ምዃኑ ገሊጹ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ፡ ቤንዙወላ ዝዀነ ምኽንያት ከየቕረበት ኣብ ኦስሎ ዝርከብ ኤምባሲኣ ከም ዝዓጸወት ኣረጋጊጹ።
ኣብ ኦስሎ ዝርከብ ሽማግለ ኖቤል፡ ነቲ "ንህዝቢ ቬነዙወላ ደሞክራስያዊ መሰላት ንምድንፋዕ ዝገበረቶ ዘይሕለል ስራሕ፡" ኣፍልጦ ንምሃብ ብዓርቢ ክሽልማ ከሎ፡ መራሒ ቬነዙወላ ኒኮላስ ማዱሮ ድማ ነታ ጓል 58 ዓመት ተዓዋቲት፡ "ጠንቋሊት ግኒ" ክብል ገሊጹዋ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኖርወይ ነቲ ውሳነ "ዘሕዝን" ክብል ገሊጹዎ።
ወሃቢት-ቃል እቲ ምኒስትሪ፡ "ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ፍልልያት እኳ እንተሃለዉና፡ ኖርወይ ምስ ቬነዙወላ ዝግበር ዘተ ክፉት ክኸውን ትደሊ'ያ፣ በዚ ኣንፈት'ዚ ክትሰርሕ'ያ፡" ኢላ።
ንሳ ወሲኻ፡ ሽልማት ኖቤል፡ "ካብ መንግስቲ ኖርወይ ናጻ'ዩ፡" ኢላ።
ማሪያ ኩሪና ንዓመታት ኣንጻር ማዱሮ ክትጕስጕስ ጸኒሓ እያ።
ን12 ዓመታት ዝጸንሐ ምሕደራኡ ብሓያሎ ሃገራት ከም ዘይሕጋዊ እዩ ዝረአ።
እዛ ዕውትቲ ኖቤል ሰላም፡ ንዝበዝሕ ኣዋርሕ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተሰዊራ ከተሕልፎ ተገዲዳ እያ።
ኣቦ መንበር ኖቤል ጆርገን ዋትነ ፍሪድነስ፡ ንማሪያ፡ "ኣብዛ ብሰንኪ ኣረሜናዊ ምልካዊ መንግስቲ ብሰብኣውን ቍጠባውን ቅልውላው ትሳቐ ዘላ ሃገር፡ ብዕምቈት ንዝተኸፋፈለ ፖለቲካዊ ተቓውሞታት ዘቀራረበት፡" ክብል መጒሱዋ።
ማሪያ ንቢቢሲ ሙንዶ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ እቲ ዝረኸበቶ ሽልማት ንፖለቲካዊ ምንቅስቓሳ ደራኺ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "በይንና ከም ዘይኰንና ስለ ዝተረድኣና፡ ጸዓት፡ ተስፋን ሓይሊ ዝፈጥረልና እዩ፡" ኢላ።
ቬነዙወላ ኣብ ዚምባብወን ቡርኪናፋሶን ሓደስቲ ኤምባሲታት እናኸፈተት፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝርከብ ኤምባሲኣ ግን ዓጽያቶ።
ነዚ ድማ "ስትራተጅያውያን መሻርኽቲ ኣብ ቃልሲ፡" ኣንጻር ብዕብለላ ዝፍጠር ጸቕጢ ክትብል ገሊጻቶ።
ቬነዙወላ ኣብ ክልተ ናይ ቀረባ መሓዙት ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት ዝነበራ ኤምባሲታት ምዕጻዋ፡ ኣብ መንጎ ካራካስን ዋሽንግተንን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዘመላኽት እዩ።
ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ቬንዙወላ ናብ ኣመሪካ ዕጸፋርስ ጽዒነን ዝነበራ ዝበለን ብውሕዱ ኣርባዕተ ጀላቡ ብምዕናው፡ ብውሕዱ 21 ኣብተን ጀላቡ ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም።
ነዚ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኲናት ኣንጻር ዕጸፋርስ እዩ ዝብሎ።
ኖርወይ ብሰንኪ ሽልማት ኖቤል ሰላም ንመወዳእታ ድፕሎማስያዊ ጸገማት ዘጋጠማ ኣብ 2010 ምስ ቻይና እዩ ነይሩ። ኣብቲ እዋን፡ ንፖለቲካዊ ተቓዋሚ ሊዩ ሻኦቦ ተዋሂቡ።
ብሰንኪ'ዚ፡ በይጂንግ ንግዳውን ካልእ ዝምድናታትን ደው ኣቢላቶ።
ዝምድናአን ናብ ንቡርን ክምለስ ድማ ሽዱሽተ ዓመታት ወሲዱ።